ኤርትራ፡ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ኣውሮጳዊት ጋንታ ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ

ንዓመተ 2024 ምስ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ሳይክሊን ቲም ብምዃን ዘሕለፈ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ስጳኛዊት ክለብ በርጎስ ቢኤች ክሳብ 2026 ምስኣ ክጻወት ከምዘፈረመቶ እታ ጋንታ ሓቢራ።

ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኵቤካ (ድሒራ ዳይመንሽን ዳታ ዝተብሃለት) ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2015 ምስ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብምዃን ቀዳሞት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተሳተፉ ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ፤ ትሽዓት ግዜ ኣብ ግራንድ ቱር (ቮልታ ስጳኛ፡ ጂሮ ዲ ኢታልን ቱር ዲ ፍራንስን) ክወዳደር ዝኸኣለን ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ክለባት ዎርልድ ቱር ዝተወዳደረን ምኩር ተቐዳዳማይ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ምስ ስጳኛዊት ፕሮ ቲም በርጎስ ቢኤች ድሕሪ ምፍራሙ “ናብ ፕሮፌሽናል ቅድድም ብሽክለታ ምምላሰይ ሕጉስ እየ፡ ብክለብ በርጎስ ተዋሂቡኒ ዘሎ ዕድል ተጠቂመ ዓቐመይ ከርኢ’የ" ምባሉ እታ ክለብ ኣብ ኤክስ ሓቢራ።

መርሃዊ ምስ ዳይመንሽን ዳታ (ኣቐዲማ ኤምቲኤን ኲቤካ ትብሃል ዝነበረት) ካብ 2014 ክሳብ 2017 ድሕሪ ምጽዋቱ፡ ካብ 2018 ክሳብ 2021 ምስ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስናት ብምጽዋት ካብ 2022 ክሳብ 2023 ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ ኤኢፍ ኢዲኬሽን ብምዃን’ዩ ኣብ ውድድራት ዎርልድ ቱር ተሳቲፉ።

ኣብ 2023 ምስ ኤኢፍ ኢዲከሽን ዝነበሮ ውዕል ድሕሪ ምውድኡ ምስ ማሊዥያዊት ኮንቲነንታል ጋንታ ትራንጋኑ ሳይክሊንግ ቲም ብምዃን ንዓመተ 2024 ዓበይቲ ዓወታት ክሓፍስ ክኢሉ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ዓመተ 2024 ምስ ትራንጋኑ ብምዃን ኣብ ፕረዚደንሻል ሳይክሊን ቱር ቱርኪ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ፡ ኣብ ዙር ኩማኖ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ፡ ዙር ጃፓን ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ፡ ኣብ ቱር ባንዩዋንጊ ከኣ ተዓዋቲ ብጫ ማልያን ኣንበሳ ዓቐበትን ብምዃን ድሙቕ ዓወታት ክሓፍስ ክኢሉ’ዩ።

ኣብ 2022 ከምኡ ከኣ 2018 ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ናይቲ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዙር ርዋንዳ'ውን ኮይኑ'ዩ።

መርሃዊ፡ ኣብ ዎርልድ ቱር ኣብ 2017 ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ምስ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን ካልኣይ ዝወጽኣሉ ኣብ ዎርልድ ቱር ዝበለጸ ዘመዝገቦ ደረጃ’ዩ።

ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሄኖክ ሙሉብርሃንን እቶም ምስ ጋንታት ዎርልድ ቱር ዝወዳደሩ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ኮይኖም፡ መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ምስ ፕሮ ቲም ብምዃን ኣብ ውድድራት ግራንድ ቱር ክንርእዮ እንኽእል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ኣሎ።