ሰበስልጣን እስራኤል ነበር፡ ኲናት ቓዛ ከብቅዕ ንትራምፕ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ሓለፍቲ ትካላት ስለያ ነበር ዝርከቡዎም ኣስታት 600 ዝዀኑ ጥሮተኛታት ሰበስልጣን ጸጥታ እስራኤል ዝሓቘፈ ጕጅለ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ከብቅዕ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዖም።

"ደጊም ሓማስ ንእስራኤል ስትራተጅያዊ ስግኣት ከም ዘይፈጥር ብሞያና እንርድኦ እዩ፡" ክብሉ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ጽሑፎም ገሊጾም።

"መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ይኣምኑኻ እዮም። እዚ ድማ ንቐዳማይ ምኒስተር [በንጃሚን ነታንያሁ]ን መንግስቱን ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንምምራሕ ይሕግዘካ እዩ። ነቲ ኲናት ኣቋሪጹ፡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ መሊሱ፡ ስቓይ ደው ከብል ይግባእ፡" ክብሉ ጽሒፎም።

እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ነታንያሁ ምስ ሓማስ ክካየድ ዝጸንሐ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ንምቍራጽ ተዅሲ ደው ብምባሉ ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምዕባይ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

እስራኤል ነዚ ስዒባ ድሕሪ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ልዕሊ 60,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ነገራት ጽኑዕ ገደብ ስለ ዝገበረት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥም ኣሎ። እቲ ምኒስትሪ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር 93 ቈልዑ ዝርከብዎም 180 ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ ይገልጽ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ቓዛ ክኣቱ ዝፍቀድ ነገራት ዝገበረቶ ከቢድ ገደብ እውን እቲ መሬት ጃምላዊ ምሕሳም የጋጥሞ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 93 ህጻናት ዝርከብዎም 180 ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከምዝሞቱ ይገልጽ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝደገፋ ትካላት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ "ዝኸፍአ ተርእዮ ጥሜት፡" ከም ዘሎ ይገልጻ ኣለዋ።

እዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤል ነበረ ናብ ዶናልድ ትራምፕ ጻውዒት ዘቕረቡ፡ ክልተ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ማሲኖም ዘርኢ ቪድዮ ብሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

ነዚ ቪድዮ ዝተዓዘቡ መራሕቲ እስራኤልን ምዕራባውያንን ድማ ነቲ ተግባር ኰኒኖሞ ኣለዉ።

ነታንያሁ ንስድራ ናይቶም ኣብቲ ቪድዮ ዝተራእዩ ጅሆታት ኣዘራሪቡ፡ ናብ ገዛኦም ንምምላስ፡ "ብቐጻልን ብዘይዕረፍትን፡" ከም ዝሰርሕ ገሊጽሎም።

እንተዀነ፡ ናታንያሁ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ "ንሓማስ ብምስዓር" ሓራ ከውጽኦም ይጽዕር ምህላዉ እዩ ዝውቀስ።

ካብቶም ንትራምፕ ደብዳበ ዝጸሓፉ ሰበስልጣን እስራኤል ነበር፡ ሓላፊ ሞሳድ ነበር ታሚር ፓርዶ፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ነበረ ኣሚ ኣያሎን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ነበረ ኤሁድ ባራክን ምኒስተር ምክልኻል ነበረ ሞሸ ያኣሎንን ካልኦትን ይርከብዎም።

"እዚ ኲናት ኣብ ፈለማ ፍትሓዊ እዩ ነይሩ፣ ናይ ምክልኻል ኲናት እዩ ነይሩ። ኵሎም ወተሃደራዊ ዕላማታቱ ምስ ወቕዐ ግና ፍትሓውነቱ ኣብቂዑ እዩ፡" ይብል ኣያሎን።

ኣብ ቓዛ እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ዕንወትን ስቓይ ፍልስጤማውያንን፡ እስራኤል ኣህጉራዊ ተነጽሎ የጋጥማ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል እንታይ ዓይነት ጸቕጢ ክገብር ተደልዩ ምህላዉ ንጹር ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዋላ'ኳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቓዛ ጥሜት ከም ዘሎ እንተ ገለጸ፡ ንነታንያሁ ግን ወትሩ እዩ ዝድግፎ።