እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝህልዎ ጽልዋ እንታይ ክኸውን'ዩ?
ዶናልድ ትራም ካብ 20 ጥሪ 2017 ክሳብ 20 ጥሪ 2021 ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓጐሱ ምጻር ዝሰኣነ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ሓደ ከባቢ ብስሙ ክጽዋዕ ወሲኑ።
'ኮረቢት ትራምፕ' ተሰሪሑ ዝተወስደ ኣባይቲ ዝርከበሉ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፈንጂ ዝተዘርኦ ኣብ ዶብ ሶርያ ዝርከብ ኣሰሓሓቢ ጎቦታት ጎላን ዘሎ'ዩ። ሓወልቲ ዝነፍር ንስሪን ትእምርቲ እምነት ኣይሁድ ዝዀነ 'ሜኖራህ' ንኣፍደገ ናይቲ ሰፈራ ክሕሉ ይርአ። ሊላ ጫፍ ናይቲ ኩርባ ድማ ምስ ኣድማስ ሰማያት ተጣቢቑ ይርአ።
እዚ ዓስቢ ናይቲ ንፍርቂ ዘመን ዝቐጸለ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝቐየረ ትራምፕ እዩ። ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ሶርያ 'ናተይ' ትብሎን ኣብ ኲናት 1967 እስራኤል ዝጎበጠቶን በረኽቲ ጐቦታት ጎላን ናይ እስራኤል ምዃኑ ብወግዒ ኣፍልጦ ኣመሪካ ከምዝረክብ ገይሩ።
ኣብቲ ሰፈራ ዝርከቡ ልዕሊ ዕስራ ዝዀኑ ስድራቤታትን ገለ ወተሃደራትን ዘሕስቦም ነገር እንተልዩ፡ ጽልዋ ክልቲኦም ሕጹያት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝዀኑ ካማላ ሃሪስን ትራምፕን ንረብሓት እስራኤል ዝምልከት ዝኽተልዎ ፖሊሲታት እዩ።
ኢሊክ ጐልድበርግን በዓልቲ ቤቱ ሆዳያን ውሕስነት ጸጥታ ንምርካብ'ዮም ምስ ኣርባዕተ ደቆም ናብቲ ሰፈራ ኣትዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ እስራኤልን መሓዛ ሓማስ ዝዀነ ሕዝቦላህን ብቐረባ ብዓይኖም ዝረኣይዎ ግጭት'ዩ ነይሩ- ካብ ዶብ 15 ኪሜ ዘይርቕ'ዮም ዝነብሩ ነይሮም።
"ንዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ውቁብ ቀጠልያ ክፉት ከባቢና ብትኪ ተዓብሊዅ፣ ኣድማስና በቶም ሕዝቦላህ ናባና ዝሰዶም ሮኬታት ተሸፊኑ'ዩ ጸኒሑ" ዝብል ኢሊክ "ናይ ኲናት ዞባ'ዩ እዚ፡ መዓስ ከምዘብቅዕ'ውን ኣይንፈልጥን" ክብል ይዛረብ።
ምምሕዳር ኣመሪካ "ቅኑዕ ነገር ክገብር ኣለዎ" ምባሉ፡ እንታይ ክብል ከምዝደለየ ምስ ተሓተተ ድማ "ንእስራኤል ክድግፋ" ከምዘለዎ ይገልጽ።
"ነቶም ቅኑዓት ደግፎም፤ ቅኑዕን ግጉይን ድማ ፈላሊኻ ፍለጥ" ይብል።
ከምዚ ዓይነት ዘረባ ኣብ እስራኤል ብዝኸድካዮ'ዩ ዝስማዕ። ትራምፕ ኸኣ ከምዚ ዓይነት ቋንቋ'ዩ ዝርድኦ።
ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣመሪካ ካብቲ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝተፈረመ ስምምዕ ኑክሌር ኢራን ክትስሕብ ብምውሳኑ ካብ ነታንያሁ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ'ዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ሓያለ ሃገራት ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ብምሃብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ብምግባሩ'ውን ናእዳ ኣትሪፉ'ዩ።
ትራምፕ ነቲ ከም ዓለሙ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝነበረ ኤምባሲ ኣመሪካ'ውን ናብታ ርእሰከተማ እስራኤል ዝዀነት ዮሩሳሌም ከምዝግዕዝ ምግባሩ ንየማናውያን እስራኤላውያን ዘሐጐሰን ንፍልስጤማውያንን መሓዙቶምን ዘቘጠዐን'ዩ ነይሩ።
"እስራኤል ኣብ ዋይት ሃውስ ካብ ዘጥረየቶም መሓዙት እቲ ዝበለጸ" ክብል ነታንያሁ ገሊጽዎ ነይሩ።
ነባሪት የሩሳሌም ጓል 24 ዓመት ጊሊ ሽሙለቪትስ ብወገና፡ ካማላ ሃሪስ ዘካየደቶ ጓስጓስ፡ እስራኤል ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክብል ተቓውሞኡ ንዝገለጸ ውልቀሰብ ዘለዋ ደገፍ ምግላጻ "መን ምዃና ኣፍሊጣ" ክትብል ትገልጻ። "እዚ ዝዛረቦ ዘሎ፡ ሓቂ'ዩ" ክትብል'ያ እታ ምክትል ፕረዚደንት ተዛሪባ።
ጸኒሓ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ግን፡ እስራኤል ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ኢላ ከምዘይትኣምን ገሊጻ'ያ።
ሪቭካ ዝተባህለት ካልእ ነባሪት የሩሳሌም ድማ "ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዶናልድ ትራምፕ" ከምእትድግፍ ትገልጽ።
"ንእስራኤል ዝያዳ ይሓልየላ እዩ። ኣንጻር ጸላእትና ድማ ተሪር መርገጺ ኣለዎ፡ ኣይፈርሕን እዩ" ብምባል "ሰባት ከምዘየፍቅርዎ ይርድኣኒ'ዩ፡ ግና ከፍቅሮ ኣየድልየኒን እዩ። ንእስራኤል ጽቡቕ መሓዛ ክዀና ጥራይ'የ ዝደልዮ" ኢላ።
ንብዙሓት እስራኤላውያን፡ ጸቡቕ መሓዛ ጸቕጢ ኣይፈጥር፡ ኣይነቅጽ ኣይዕንቅጽ።
ኲናት ቓዛ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኣመሪካን ነቓዕ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ብንጽር ክትጽውዕ ዝጸንሐት ካማላ ሃሪስ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኣ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ምስ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ድሕሪ ምርኻባ ብዛዕባ ቅልውላው ቓዛ "ስቕ ኣይብልን'የ" ክትብል ተዛሪባ ነይራ። "በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ስቅያትን [ሞት ንጹሃት ሲቪላውያንን] ዕቱብ ሻቕሎት ከምዘለዋ" ገሊጻትሉ።
ብወገን ትራምፕ ግን፡ ኲናት ቓዛ "ዓወት" እስራኤል ብዘረጋግጽ ኣገባብ ክውዳእ ከምዝደሊ'ዩ ዘመልክት። ንነታንያሁ'ውን "ክትገብሮ ዘለካ ነገር ግበሮ" ክብል ከምዘተባብዖ ይግለጽ።
ጉዳይ ‘ሃገረ-ፍልስጤም’
ብዙሓት ፍልስጤማውያን ካብ ክልቲኦም ሕጹያት ብዙሕ ትጽቢት የብሎምን።
“እቲ ሓፈሻዊ ርእይቶ፡ ዲሞክራትስ ሕማቓት’ዮም ዝብል’ዩ፤ ትራምፕ እንተተመርጹ ግን ዝገደደ ክኸውን’ዩ” ይብል ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ተንታኒ ፍልስጤምን ፖለቲከኛን ሙስጣፋ ባርጎቲ።
“እቲ ቀንዲ ፍልልይ ካማላ ሃሪስ፡ ንስምዒት ህዝቢ ኣመሪካ ዝያዳ ክትሰምዕ እያ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ን’ተዅሲ ደው ምባል’ ክትድግፍ ማለት እዩ።”
ብሰንኪ ኲናት ቓዛ፡ ካብ ከም በዓል ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ መሓዙት ኣመሪካ፡ ‘ሃገረ ፍልስጤም’ ክውን ክኸውን ይህንጠያ ኣለዋ።
ክልቲኦም ሕጹያት ግን፡ ምምስራት ‘ሃገረ ፍልስጤም’ ቀንዲ ኣጀንዳኦም ኣይኰነን።
ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ክትዓት፡ ‘ነዚ ሓሳብ ትድግፎ ዲኻ?’ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ገና ክርእዮ” ክብል እዩ መሊሱ።
ብዙሓት ፍልስጤማውያን ነቲ ውጥን ‘ሃገረ ፍልስጤም’ ዳርጋ ጠቕሊሎም ገዲፎሞ ኣለዉ - ብሓቂ ድማ ኣብ ድሌት ኣመሪካ ዝምርኰስ ነገር እዩ።
"እቲ ሓፈሻዊ ስምዒት፡ ኣመሪካ ኣብ ምኽባር ዓለምለኸ ሕጊ ኣዝያ ከምዝፈሸለት፡ ንፍልስጤማውያን ደጋጊማ ከምዝበደለትን፡ ናብ ንእስራኤል ፍጹም-ጸግዒ ወገናውነት ከምዝሓዘትን እዩ" ይብል ሙስጣፋ ባርጎቲ።
“ጉዳይ ሃገረ ፍልስጤም ካብ ጭርሖ ዝሓልፍ ኣይኰነን።”
ኣብ ጉዳይ ኢራንን ኑክሌየርን
ኣብ ከም ኢራን ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ዞባዊ ጉዳያት ድማ፡ ክልቲኦም ሕጹያት ብታሪኽ ዝተፈላለየ ኣጠማምታ ኣለዎም።
ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ “መጀመርታ ነቲ ኑክሊየር በሎ፡ ብዛዕባ ዝተረፈ ድማ ጸኒሕካ ትጭነቐሉ” ክብል እዩ ምዒድዎ።
እስራኤል፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሕነ-ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻማ እዩ ከምኡ ዝበለ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ነበር ዳኒ ኣያሎን፡ “ምናልባት ትራምፕ ዝያዳ ካርድታት ምተጻወተ ነይሩ፡ ፕረዚደንት እንተዝኸውን ድማ ኢራናውያን ከምዚ ኣይምደፈሩን” ክብል እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሕጹያት ዘሎ ፍልልይ ምጕላሕ ግን ቀሊል እዩ ይብል።
ክልቲኦም ሃሪስን ትራምፕን፡ ንኢራን ናብ ኑክሊየራዊ ኣጽዋር ዝወስድ መንገዲ ንምዕጻው ሓድሽ ስምምዕ ክገብሩ ይጓየዩ ኣለዉ።
ክልቲኦም ድማ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን [ብፍላይ ድማ ስዑዲ ዓረብ] ጐረባብቲ ሃገራት ዓረብን ፡ ዝግበር ርክባት ናብ ንቡር ክምለስ ይደልዩ።
እቲ ዝፍለ ኣቀራርባኦም ጥራይ እዩ።
"ካማላ ሃሪስ [ኣብ ዋይት ሃውስ] እንተኣትያ፡ እቲ ኣንፈት ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል ዳኒ ኣያሎን።
ቅድሚ ናብ ዓበይቲ ሕቶታት ኢራን ወይ ሓደስቲ ዞባዊ ምሕዝነታት ምርኣይ፡ ኣብ ቓዛን ሊባኖስን ተዅሲ ደው ምባል ቀዳምነት ዝወሃቦ ክኸውን'ዩ።
ምስ ትራምፕ፡ "እቲ ኣንፈት ካብ ላዕሊ-ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ትኽ ኢሉ ብቴህራን [ብላዕሊ] ክጅመር’ዩ፤ ካብኡ ድማ፡ ንዅሎም ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ጸገማት ክፈትሕ ክፍትን'ዩ" ይብል።
ኣምባሳደር ኣያሎን ኣብ እስራኤል ኣብ ህዝባዊ ስምዒት ጽልዋ ዘሕድር፡ ፖሊሲ -ወጻኢ ጥራይ ከምዘይኮነ ይኣምን።
"ባይደን ዓመት ምሉእ ኣብ ጐድኒ እስራኤል ደው ኢሉ። ግን ኣፍልጦ ኣይረኸበን፤ [ብሰንኪ ከም ንነታንያሁ] ናብ ዋይት ሃውስ ዘይምዕዳም ዝኣመሰሉ፡ ካብ ወድዓዊ ጉዳያት ንላዕሊ ስምዒት ዝፈጥሩ ካልኦት ነገራት ኣለዉ።"
ኣብ ዝምድና ኣመሪካን እስራኤልን፡ ልዕሊ ዅሉ፡ ህዝባዊ ተርእዮታትን ስምዒታትን እዩ ጐሊሑ ዝርአ።
“ብዙሕ ትርጕም ዝህብ ሰብኣዊ ርክባት እዩ። እቲ [ናይ ሓባር] ረብሓታት ትሑዝ እዩ፣ እቲ ስብእናታት ግን ኣገዳሲ እዩ።”