ካርቦን ዝመጺ ርኽበት፡ ሓድሽ ተስፋ ንክሊማዊ ለውጢ ምዃኑ ተኣሚኑሉ

ካርቦን ዳይኦክሳይድ ካብ ኣየር ብምምጻይ፡ ኣብ ባሕሪ ንምኽዛን ዘኽእል ሓድሽ ኣገባብ ብተመራመርቲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ንምቍጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓድሽ ተስፋ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ኣገባባት ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ብዝበለጸ ንካርቦን ዳዮክሳይድ ካብ ከባቢ ኣየር ከም ዝመጺ ገሊጾም ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ኣገባብ፡ እቲ ዝመውቕ ጋዝ [ካርቦን ዳይኦክሳይድ] ናብ ሶዳ ባይካርቦነይት ተቐይሩ ብውሑስን ብዝስሓሰረ ዋጋን ኣብ ማይ ባሕሪ ክኽዘን ይኽእል።

እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ምዝርጋሕ ቴክኖሎጂ ንምእላይ ካርቦን ከቀላጥፍ ከምዝኽእል ከኣ ክኢላታት ይገልጹ።

ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብቐንዱ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ ንምድራትን ንምንካይን ክትቃለስ እንከላ፡ ኣክንዳኡ ግን ሓያሎ ኩባንያታት፡ ካርቦን ዳዮክሳይድ ካብ ኣየር ንምእላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ኣብ ምምዕባል ኣተኲረን ክሰርሓ ጸኒሐን እየን።

ኣብዚ መዳይ፡ እቲ ዝያዳ ዝፍለጥ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝጸንሐ ስራሕ ክሊማ ክጥቀስ ይኽእል። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ስዊዘርላንድ፡ ሞለኪዩላት ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝጽርዩን ዝሕዙን፣ ኣየር ዝመጽዩ ማሽናት ኣማዕቢላ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምግጣም ዘሕግዝ ፈተነታት ከተካይድ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ሓደ ኣብ ኣይስላንድ ዝርከብ ትካል፡ እቲ ዝተኣከበ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ኣብ ትሕቲ መሬት ብዕምቈት ይትፋእ’ሞ፡ ኣብኡ ንሓዋሩ ናብ እምኒ ከም ዝቕየር እዩ ዝግበር።

እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንማይክሮሶፍት፡ ስፖቲፋይን ስትሪፕን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት፡ ውሑስ ኣገልግሎት ምእላይ ካርቦን ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ መብዛሕትኡ እዚ ኣገባባት ዝሓቶ መጠን ገንዘብ [ወጻኢታት] እዩ።

ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዋላ’ኳ ሓያል መዋቒ ባእታ እንተዀነ፡ ኣብ ኣየር ብቐሊሉ ዝቓጠን እዩ።

ስለዚ፡ ነዚ ጋዝ ንምምጣጥን ንምፍሳስን ብዙሕ ጸዓት ዘህልኻ ዓበይቲ ማሽናት የድልያ።

እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ካብ ክዙን ባእታታትን ካልኦት ኬሚካላትን ብምጥቃም፡ ብትሑት ዋጋ ኣዝዩ ብሉጽ ውጺኢት ዝርከቦ ምዃኑ እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

እዚ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ማይ ንዝግበር ኣጠቓቕማ ብምትግባር፡ ነቶም ዝጸንሑ ባእታታት ብምቝንጣር ካርቦን ዳይኦክሳይድ ካብ ኣየር ከም ዝውገድ ዝገብር እዩ።

በቲ ዝተገብረ ፈተነታት፡ እቲ ሓድሽ ዝተወሃሃደ ኣገባብ ምምጻይ፡ ካብቶም ዝነበሩ ንጥረ ነገራት ብሰለስተ ዕጽፊ ብዝዛይድ ካርቦን ክወስድ ክኢሉ።

"እዚ ብቐሊሉ፡ ብውሑድ መጠን ማተሪያል ልዑል ምምጻይ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ፡ ፍሉይ መዳይ ስራሕና'ዩ" ክብል መራሒ እቲ ተመራማሪ ጕጅለ ፕሮፈሰር ኣሩፕ ሰንጉፕታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ለሃይ ኣሜሪካ ይገልጽ።

እቲ ምዕባለ፡ ኣብ ፈላሚ ደረጃኡ እንከሎ፡ ብኻልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ተመራመርቲ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

"እዚ ምርምራዊ ጽሑፍ ተሓቲሙ ምርኣየይ ሕጕስቲ እየ፡ ኣዝዩ መሳጢ'ዩ። ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ንምሓዝ ዝግባር ጻዕሪ ብዝለዓለ ንምምዕባሉ ዓቢይ ዕድል ዝፈጥር እዩ" ክትብል፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ብቐጥታ ዘይተሳተፈት ክኢላ ስነ-ምድራዊ ምህንድስና ፕሮፌሰር ካትሪን ፒተርስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ገሊጻ።

"እቲ ፍሉይ ብልሒ ዝተራእየሉ መዳይ፡ እቲ መበገሲ ሓሳብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማይ ንኽውዕል ዝተዳለወ ቴክኖሎጂ ምንባሩ'ዩ፤ እዚ ምዕባለ ድማ ነቲ ቴክኖሎጂ ናብ ‘ጋዝ’ ክትግብሮ ምኽኣሉ ዝድነቕ ሓሳብ'ዩ፡" ኢላ።

"እቲ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ንምምጻይ ዝተራእየ ኣፈጻጽማ ተስፋ ዝህብ'ዩ።"

ምስ ምሓዝ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ተተሓሒዙ፡ ካብ ዝጸንሐ ዓበይቲ ብድሆታት ሓደ፡ ነቲ ዝተሓዝ ጋዝ እንታይ ትገብሮ? ዝብል እዩ።

ኣብ ትሕቲ መሬት ወይ ባሕሪ ኣብ ዒላታት ነዳዲ ምኽዛን ሓደ ካብቲ ብሰፊሑ ክትግበር ዝጸንሐ ኣገባብ እዩ። እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ገለ ከሚካላት ብምውሳኽ እቲ ዝተሓዝ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ናብ ሶዳ ባይካርቦነይት ተቐይሩ ብቐሊሉን ብዘይ ስግኣትን ኣብ ማይ ባሕሪ ክኽዘን ከምዝኽእል ይሕብር።

ዶክተር ሰንጉፕታ ሕጂ ነቲ ቴክኖሎጂ ዝያዳ ንምምዕባል ሓደ ኩባንያ ብቕልጡፍ ክምስርት ከምዝደሊ ይዛረብ።

ንሱ፡ እቲ በዚ መገዲ’ዚ ዝግበር ምእላይ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንምድራት ወሳኒ ክኸውን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት’ውን ከሐይል ከምዝኽእል ይኣምን።

"ናብ ከም በዓል ባንግላድሽ፡ ባርባዶስ ዝኣመሰላ ሃገራት ክንወስዶ ኣለና፤ ንሳተን ምዕባለ ቴክኖሎጂ ብዝፈጥሮ ዘሎ ኵነታት ዝሳቐያ ተዓዘብቲ ጥራይ ክዀና ኣይግባእን፡” ኢሉ።

ገለ ተመራመርቲ፡ ነቲ መንግስታትን ውልቀሰባትን ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ምንካይ ካርቦን ብቐንዱ ከቃልል ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀጥታዊ ምሓዝ ኣየር ዝኣመሰሉ ሓደስቲን ዝቐለሉን ቴክኖሎጂታት ብዙሕ ትዅረት ክግበር ኣይድግፉን።

እንተዀነ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፓሪስ ዝተነብረ ደረት መጠን ሙቐት፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ልቀት ካርቦን ኣብ ሓደጋ ስለዘሎ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብብዙሕ መጠን ንምጕዳል ካርቦን ዝግበር ጻዕሪ፡ ቀጥታዊ ምሓዝ ጋዝ’ውን ሓደገኛ ለውጢ ክሊማ ንምውጋድ ዝበለጸ ተስፋ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ።

እዚ ርኽበት ጠቓሚ ኣበርክቶ ንኽገብር፡ ዋጋኡ ሕሱር ክኸውን፡ ብዙሓት ሳይንሰኛታት ተስፋኦም ኣብ ዝገልጹሉ ዘለዉ፡

ፕሮፌሰር ሰንጉፕታ፡ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ንሓደ ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብትሕቲ 100 ዶላር CO2 ከወግድ ከም ዝኽእል ተስፋ ሂቡ’ሎ።

*እዚ መጽናዕቲ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ኣድቫንስስ ተሓቲሙ ኣሎ።