ኢራን፡ ኣብ ውጥን መጥቃዕቲ ሓማስ ኢድ ሓዊሳ ድያ?

ድሕሪ’ቲ ሓማስ ኣብ ከባቢ ምድረበዳ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት እስራኤል ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ተሳትፎ ቀንዲ ጸላኢት-እስራኤል ዝዀነት ኢራን ዝምልከት ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።

ኣብ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝወጸ ጸብጻብ፡ ስሞም ዘይተረቝሑ ኣባላት ሓማስን ምንቅስቓስ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ጕጅለ ሕዝቦላህን ብምጥቃስ፡ ኢራን ቅድሚ ሓደ ሰሙን እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣንቂዳ እያ ዝብል ይርከቦ።

ድሒሩ ግን ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተራ ኢራን ዝምልከት ክስታት ዘረጋግጽ "መርትዖ የብልናን" ኢሉ።

ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ እዚ ጉዳይ ግን ሓደገኛ ይመስል።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኢድ ኢራን ከምዘሎ እንተተቓሊዑ፡ እቲ ግጭት ናብ ዞባዊ ኲናት ክሰፍሕ ዓቢይ ተኽእሎ ኣሎ።

መራሕቲ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ክጽንብሉን ክንእዱን'ኳ እንተተራእዩ፡ ነቲ ኢድ ኣለዎም ዝብል ክሲ ግን ነጺጐም እዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ "እቲ ምስ ተራ ኢራን ዝተኣሳሰር ክስታት... ኣብ ፖለቲካዊ ምኽንያት ዝተመርኮሰ'ዩ" ኢሉ።

ኢራን፡ "ኣብ ውሳነ ካልኦት ሃገራት ኢዳ ከምዘይተአቱ” እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ማለት ግን፡ ኢራን ኣብቲ ውጥን ኣይተሳተፈትን ማለት ኣይኰነን።

ኣሜሪካ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኢራን ከምዘላ "ክሳብ ሕጂ መረጋገጺ ከምዘይረኸበት” እያ ትገልጽ።

ይዅን እምበር፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ "ብርግጽ ዝጸንሐ ሱር ዝሰደደ ዝምድና” ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢራን፡ ንነዊሕ ዓመታት ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መወልቲ ሓማስ ኰይና፡ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ሮኬት ዝርከቦ ሰፊሕ ኣጽዋር ከምእትህብ ይዝረብ።

እስራኤል፡ ኣብታ ሕጊ-ኣልቦነት ዝሰፈና ሓውሲ ደሴት ሲናይ ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ በደዊን ዘሳትፍ፡ ኢራን ናብ ቓዛ እተግዕዘሉ መስመራት ቀረብ ንምትዕንቓፍ ዓመታት ኣሕሊፋ እያ።

እዚ፡ ንሱዳንን የመንን እውን ዘሳትፍ፡ ንምንቅስቓስ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ መራኽብ ዝምልከት እዩ።

ኢራን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ጸላእቲ እስራኤል ብምዃና፡ ፍሉይ ረብሓ ከምዘለዋ ንጹር እዩ።

ኣብ ትካል ስለያ ወጻኢ እስራኤል ሞሳድ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝነበረ ሃይም ቶመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኢራን ኣብቲ ውሳነ ተሳቲፋ እያ ኢልካ ንምሕሳብ ዝተጋነነ ነገር ኣይኰነን ምበልኩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እዚ ኢራን ኣብ መንጐ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ውዕል ሰላም ክፍጸም እዩ ንዝብል ጸብጻባት ዝሃበቶ ምላሽ'ዩ።"

ሚስተር ቶመር፡ ኢራን ብሓቂ ነቲ መጥቃዕቲ ኣዚዛ ዝብል ሓሳብ ግን ‘ህጹጽነት ዝመነልኦ' ኰይኑ ከምዝረኸቦ ገሊጹ።

"ርግጽ፡ ኢራን ንሓማስ ቀንዲ መዋሊት ኣጽዋር ምዃና ሓቂ'ዩ፡ ኣብ ሶርያን ዋላ'ውን ኣብ ኢራን ከይተረፈ ወተሃደራዊ ስልጠና ትህቦም እያ" ኢሉ።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምንቅስቓስ ሰበስልጣን ሓማስ ክትከታተል ከምዝጸንሐት ሓቢሩ።

"ከም በዓል ሳልሕ ኣል-ኣሩሪ (ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይቲ ውድብ)ን ካልኦት መራሕቲ ሓማስን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ መንጐ ሊባኖስን ኢራንን ክመላለሱ፡ ምስ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ከይተረፈ ኣኼባታት ክገብሩ ርኢና ኢና።"

እዚ "ናይ ቀረባ ዝምድና" ግን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ግዜ ንምግላጽ እኹል ከምዘይኰነ ሚስተር ቶመር ገሊጹ።

"ሓማስ ነቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ውሽጣዊ ጎንጺታት ክምዝምዞ ዝደለየ እዩ ዝመስል" ኢሉ።

"ኢራን ንዅሉ ሎጂስቲካውን ወተሃደራውን መዳያት ትቕጽሎን ትድግፎን እያ፤ እንተዀነ እቲ ውሳነ ብውሑዱ 75% ብመሪሕነት ሓማስ ዝተወሃበ እመስለኒ።"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ክኢላ ኢራን ራዝ ዚምት እውን ምስዚ ይሰማማዕ።

"እዚ ዛንታ ፍልስጤም'ዩ" ክብል ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ በይሩት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ 'ኣወንታዊ' መልእኽቲ ኣሕሊፋ እያ።

ስሞም ዘይተጠቕሰ ምንጪታት ሓማስን ሕዝቦላህን ነታ ጋዜጣ ከምዝሓበርዎ፡ መኮንናት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ካብ ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ጐድኒ ሓማስ ብምዃን ነቲ ብቐዳም ዝተኻየደ ዝተሓላለኸ ስርሒት ኣየር፡ ምድርን ባሕርን ኣብ ሓደ ንምውህሃድ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።

ቪድዮታት መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ካብቲ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ ምድረበዳ ቓዛ ዝርከብ ጸጥታዊ ሓጹር እስራኤል ንምስባር ዝገበሮ ፈተነታት ኣዝዩ ዝዛይድ ደረጃ ምዕቡልነት ከምዘመልክት ይሕብሩ።

ብሓንሳብ ሮኬታት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን፡ እቲ ውጥን ናይቲ ስርሒት፡ ምናልባት ንዩክረይን ይዅን ካልኦት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ኣብነታት ምውህሃድ ውግእ ከምዘጽንዑ ይሕብር።

እቲ ውሳነ መጥቃዕቲ ግን "ብሓማስ፡ ካብ ክውንነት ፍልስጤም ዝነቐለ ኣብ ረብሓታቱ ዝተመርኮሰ'ዩ" ኢሉ።

"ሓማስ ሓገዝ ኢራን ተጠቒሙ ድዩ? ብርግጽ እወ። ኢራን ኣብዚ ስጕምቲ ድሌት ኣለዋ ድዩ? እወ። ሓማስ ንኽሰርሕ ፍቓድ ኢራን የድልዮ ድዩ? ኣይፋልን።"

ሓማስ ንሓያሎ ዓመታት ፍሉይ ኣሃዱታቱ ከማዕብል ምጽንሑ፡ በዓል ስልጣን ሞሳድ ነበር ሃይም ቶመር ይዛረብ።

"ግን ሕጂ'ውን ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ዓቕሞም ኣርእዮም" ኢሉ።

ሕጂ ሰበስልጣን እስራኤል ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውንን ተሳትፎ ኢራን ዝያዳ ግሁድ ክኸውን ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ኣብ ምፍላጥ ንሰሜንን ደቡብን ይጥምቱ ኣለዉ።

መሓዛ ኢራን ዝዀነ ሕዝቦላህ [ኣብ ሊባኖስ] ድሮ ክልተ ንኣሽቱ መጥቃዕትታት ናብቲ ብእስራኤል ዝተጐበጠ ግዝኣት ጎላን መጥቃዕቲ ኣካይዱ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል'ውን ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ንዝርከቡ ዒላማታት ንምውቃዕ ነፈርቲ ውግእ ከምዝተጠቐመ ይገልጽ።

"ስርሒት ሓማስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክውንነት ዝቕይር ፍጻመ ኰይኑ፡ ኢራን ካብቲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ቀጻሊ ደገፍን ምውህሃድን፡ ናብ ዝያዳ ቀጥታዊ ተሳትፎ ክትሰጋገር ከገድዳ ይኽእል'ዩ፡ ብፍላይ ምላሽ እስራኤል ንሓማስ ርኡይ ስግኣት እንተዀይኑ" ይብል ሚስተር ራዝ።