እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቦ፡ሰለስተ ደቁ ኣብ ገዛ ዓጽዩ ኣቃጺሉ ብምቕታል ተኸሲሱ
ወዲ 28 ዓመት ኣውስትራልያዊ ኣቦ፡ ገዛኡ ኣቃጺሉ ሰለስተ ደቁ ብምቕታልን ዝተረፉ ኣባላት ስድራኡ ክቐትል ብምፍታንን ተኸሲሱ።
ብሰንኪ እቲ ባርዕ ሓሙሽተ ወርሒ ዝዕድመኣ ጓሉን፡ ክልተን ሽዱሽተን ዓመት ዝዕድመኦም ኣወዳት ደቍን ከምዝሞቱ’ዩ ተገሊጹ።
ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድመኦም ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ኣደኦምን ብህይወት ተሪፎም ኣለዉ።
ብድሕሪ'ዚ ፍጻመ እቲ ኣቦ፡ ብሰለስተ ገበናት ቅትለት፡ ሓሙሽተ ገበናት ፈተነ ቅትለትን ከምኡ’ውን ህይወት ኣብ ሓደጋ ንምእታው ሓሲብካ ንብረት ብምዕናውን ተኸሲሱ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ ይርከብ።
እዚ ንመላእ እታ ሃገር ዘሰንበደ ፍጻመ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዘቤታውን ስድራቤታውን ዓመጽ "ሃገራዊ ቅልውላው" ኢሉ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን'ዩ ተፈጺሙ።
ፖሊስ፡ እቲ ኣቦ ብሰንበት ንግሆ ነቲ ባርዕ ከምዘበገሰ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ብድሕሪኡ ዝተገብሩ ፈተነታት ምድሓን ከም ዝዓገተን’ውን ጠቒሱ።
ብሓሙስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሲድኒ ብጠበቓኡ ተወኪሉ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዋሕስ ከምዘይሓተተ እውን’ዩ ተገሊጹ።
መርማሪ ዳንኤል ዶሃርቲ ድሕሪኡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ "ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ተርእዮታት ቅትለት-ስድራቤት" ምዃኑ ጠቒሱ፤ ቅትለት-ስድራቤት ሓደ ወላዲ ደቁ ኰነ ኢሉ ዝቐትለሉ ፍጻመ’ዩ።
እቲ ኣቦ ነዳዲ ዝኣመሰለ "መቀጻጸሊ" ተጠቒሙ ንመላእ እቲ ገዛ ብምቅጻልን ድሕሪኡ ድማ ስድራኡ ንኸይሃድሙ ኵሉም ማዕጾታት ብምዕጻውን ከምዝኽሰስ እቲ መርማሪ ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ግዱሳት ጐረባብትን ቀዲሞም ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣርባዕተ ህጻናትን ኣደኦምን ካብቲ ባርዕ ከውጽኡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ እዚ ኣቦ ጻዕርታቶም ክዓግት ይፍትን ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።
እቲ መርማሪ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቲ ሰብኣይ ንሓደ ካብቶም ደቁ "ሒዙ" ክሃድም ዝፈተነ ኰይኑ፡ እቶም ዝሕግዙ ዝነበሩ ሰባት ተቓሊሶም ከሕድግዎ ክኢሎም እዮም።
ሰብ ሞያ ህጹጽ ደገፍ ነታ ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ህጻን ክረኽብዋ እንከለዉ፡ ድሮ ህይወታ ሓሊፋ ነይራ። እቶም ክልተ ኣወዳት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት እዮም ተረኺቦም፤ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግን ኣብ ሆስፒታል ሞይቶም።
ፖሊስ፡ ነታ ስድራቤት ንምድሓን ጅግንነት ዘርኣዩ ነበርቲ ንኢዱ። ሓደ ካብዚኦም ኣብ ስግር ጽርግያ ዝነብር ጃሮድ ሆኪንስ፡ ሰለስተ ህጻናት ካብቲ ሃልሃልታ ብምስሓብ ኣድሒንዎም’ዩ።
እታ ኣደ ካብ ሆስፒታል ከምዝወጸትን ብህይወት ዝተረፉ ኣርባዕተ ደቃ ኵሎም ኣብ ርጕእ ኵነታት ከምዝርከቡን ፖሊስ ገሊጹ ኣሎ።