እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጕጅለ 20 ዘመዝገቦ ዓወት ኣሎ’ዶ? እዚ ዋዕላ ንምንታይ'ዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?
ዋዕላ መራሕቲ ጕጅለ 20፡ ኣብ ደልሂ ርእሰ ከተማ ህንዲ፡ ካብ 9-10 መስከረም ይካየድ ኣሎ።
መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ኣብዚ ዋዕላ ተረኺቦም ኣለዉ።
ቀንዲ ቴማ ናይቲ ዋዕላ፡ ዘላቒ ልምዓት እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እውን ክዝተየሉ ትጽቢት ይግበር።
ኣብቲ ብቀዳም ዝተጀመረ ዋዕላ፡ ጕጅለ 20፡ ድሕሪ'ቲ ታሪኻዊ ዝተባህለሉ ውሳነ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል እቲ ጕጅለ ገይሩ ተቐቢሉ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፡ ሃገሩ መራሒት ኣባል ጕጅለ 20 ኣብ ዝዀነትሉ እብረ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓት ተሳተፍቲ ምምጽኦም ሓበን ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።
ጕጅለ 20 እንታይ እዩ?
ጕጅለ 20፡ ዝማዕበላን ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋን ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቘፈ ጥርናፈን እቲ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ ቍጠባዊን ፋይናንሳዊ ምትሕብባር እዩ።
ኣባላት ሃገራት ኣብ መንጐአን 85 ሚእታዊት ቍጠባዊ ውጽኢትን ልዕሊ 75 ሚእታዊት ንግዲ ዓለምን ኣለወን። ክልተ ሲሶ ህዝቢ ዓለም እውን ዜጋታት እዘን ሃገራት እዮም።
ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብተወሳኺ 19 ሃገራትን የጠቓልል፤ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያ፡ ብራዚል፡ ካናዳ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ሜክሲኮ፡ ሩስያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ቱርኪ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካ።
እዘን ሃገራት ተኣኪበን ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ይዝትያ።
ናይዚ ካልእ መልክዕ ዝዀነ፡ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባሉ ኣባል ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ [ጂ7] ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ከም ቻይና፡ ብራዚልን ህንድን ዝበላ ዝሓቘፈ ጕጅለ’ውን ኣሎ።
ጕጅለ 20 ንምንታይ እዩ ተመስሪቱ፡ ስለምንታይከ ኣገዳሲ ኰይኑ?
እዚ ጕጅለ ኣብ ኤስያ ድሕሪ ዘጋጠመ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣብ 1999 እዩ ተመስሪቱ።
ሚኒስተራት ፋይናንስን ሰበስልጣንን ቍጠባዊ ምርግጋእ ንምምላስ ዝሕግዙ መንገድታት ዝዝትዩሉ መድረኽ ክኸውን ዝዓለመ’ዩ።
እቲ ፈላማይ ዋዕላ መራሕቲ ኣብ 2008 እዩ፤ ነቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ዕግርግር ንምምላስ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዝዓለመ ነይሩ።
ጕጅለ 20 ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትዅረቱ ኣስፊሑ ኣብ ከም ለውጢ ክሊማን ዘላቒ ጸዓትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት እውን ከም ዝዝቲ ይፍለጥ።
በብዓመቱ ዝተፈላለየ ሃገራት መራሕቲ ኣባላት እቲ ጕጅለ 20 ይዀና፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዋዕላ ዝለዓሉ ኣጀንዳታት’ውን የዳልዋ።
ኣጀንዳ ዋዕላ እዚ ዓመት እንታይ’ዩ? ተሳተፍቲ እንመን እዮም?
ኣብ 2023 ፕረዚደንት እቲ ጕጅለ ዝዀነት ህንዲ፡ እቲ ዋዕላ ከተኩረሎም ካብ እትደልዮም ጉዳይት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡
- ዘላቒ ልምዓት፡
- "ንዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትሓውን ማዕርነታውን ዕብየት ንምምጻእ ምጽዓር"፡ ከምኡ’ውን
- ዕዳ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምስራዝ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እማመታት ምምሕያሽ ባንክ ዓለም ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክዘራረብ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ምዕባለ ትሕተ ቅርጺ ዝውዕላኦ ዝያዳ ገንዘብ ክረኽባ ከም ዘኽእለን እዩ።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ንምምካት ዝሕግዙ ስጕምትታት’ውን ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።
ብዙሕ ካብቶም ድርድራት፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ካብቲ ቀንዲ ኣዳራሽ ወጻኢ ንሓደ ንሓደ ክካየድ ተኽእሎ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ፡ ቅድሚ እቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ጽድያ 2024 ዝካየድ ሓፈሻዊ መረጻ፡ እቲ ዋዕላ ሃገሩ ከም ዓባይ ዓለማዊት ሓይሊ ንገዛእ ርእሱ ከም ኣገዳሲ መራሒ ዓለም ከሰርተሉ ድሌት ኣለዎ።
ከምቲ ኣብ 2022 ኣብ ኢንዶነዥያ - ባሊ ኣብ ዝተረኣየ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዋዕላ ንኲናት ዩክረይን ብዝምልከቱ ክትዓት ንኸይዕብለል ከም ዝጽዕር ይግመት።
ኲናት ዩክረይን ዝምልከቱ ክትዓት እንተዓብሊሎም፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣብ መጋቢት ኣብ ደልሂ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጕጅለ 20 ዝዀነ ሓባራዊ መግለጺ ኣይህሉን ማለት እዩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ኣይሳተፍን፤ ኣብ ክንድኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ሰርጌይ ላቭሮቭ እዩ ክሳተፍ።
ኣብ ክንዲ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ቺያንግ ክሳተፍ’ዩ።
ኣጸጋምቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ጕዳያት ኣለዉ'ዶ?
ኣብ ግንቦት 2023 ቻይናን ስዑዲ ዓረብን፡ ካብቲ ኣብታ ብህንዲ እትመሓደር ካሽሚር ዝተኻየደ ዋዕላ ቱሪዝም ጕጅለ 20 ንገዛእ ርእሰን ኣግሊለን ነይረን፤ ነዚ ምኽንያቱ ካሽሚር፡ ፓኪስታንን ህንዲን ይግባኣና’ዩ ዝብላኦ መሬት ስለዘሓዘት’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ቻይና፡ ግዝኣት ኣሩናቻል ፕራደሽን ምድረበዳ ኣክሳይ ቺንን መሬት ቻይና ከም ዝዀነ ዝገልጽ ካርታ ድሕሪ ምዝርግሓ ኣብ መንጐ ህንዲን ቻይናን ምስሕሓብ ተፈጢሩ’ሎ።
ቻይና ምስ ህንዲ ዘለዋ ወጥሪ ንጐድኒ ገዲፋ ኣብቲ ዋዕላ "ሃናጺ ተራ" ክትጻወት ኣመሪካ ሓቲታ’ያ።
ጕጅለ 20 ዘመዝገቦ ዓወት ኣሎ ድዩ?
ኣብ እዋን እቲ ዓቢይ ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ኣብ 2008ን 2009ን ኣብ ዝተኻየዱ ዋዕላታት፡ እቶም መራሕቲ ንዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምድሓን ዝሕግዙ ብርክት ዝበሉ ስጕምትታት ክወስዱ ተሰማሚዖም።
ገለ ነቐፍቲ ግን ስዒቦም ዝተኻየዱ ዋዕላታት፡ ሃነጽቲ ከም ዘይነበሩ ይምጕቱ፤ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዓለም ብዝተፈጥረ ወጥሪ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ይዅን እምበር፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ሓደ ንሓደ ዝግበር ኣኼባታት መብዛሕትኡ ግዜ ሃናጺ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ።
ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጐናዊ ርክባት እቲ ዋዕላ ብምክያድ ኣብ ስምምዕ ይበጽሓ እየን።
ንኣብነት፡ ኣብ 2019 ኣብ ኦሳካ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንን፡ ነቲ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዝነበረ ንግዳዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዳግማይ ዝርርብ ክጅምሩ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ብ2018፡ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣንጻር ፖሊሲታት ቍጠባ ጉጅለ 20 ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።
ብ2017 ድማ፡ ተቓወምቲ ጸረ-ርእሰማልነት ኣብ ሃምቡርግ ናዕቢ ኣካይዶም።
ብ2018፡ ኣብ ሪዮ ዲ ጄኔሮ ከምኡ’ውን ብ2010 ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ጂ20 ኣሽሓት ሰልፈኛታት ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብ 2009፡ ኢያን ቶምሊንሰን ዝተባህለ ሸያጢ ጋዜጣ፡ ካብ ስራሕ ናብ ገዛኡ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኣንጻር ዋዕላ ጂ20 ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ከም ዝተቐትለ ይግለጽ።
ስክፍታታት ጸጥታ እንታይ እዮም?
መብዛሕትኡ ግዜ መራሕቲ ኣባላት ዋዕላታት ጕጅለ 20 ኣብ ዝራኸብሉ ግዜ ዓበይቲ ጸረ ዓለምለኻውነት ተቓውሞታት ይካየዱ’ዮም።
ስለዝዀነ ድማ መንግስቲ ህንዲ ስጕምትታት ጸጥታ ከደልድል ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዙርያ እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ጽርግያታት ተዓጽዮምን ኣብ መላእ እታ ከተማ 130 ሽሕ ሓለፍቲ ጸጥታ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ጸገም ዝፈጥሩ ኣህባይ ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ንምግባር ዘይልሙድ ስጕምትታት ተወሲዶም እዮም።
ደልሂ ኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ኣህባይ ስለዘለዋ፡ ሰብመዚ እቶም እንስሳታት ነቲ ዋዕላ ከይዘርግዎ ጥንቃቐ ይገብሩ ኣለዉ።