እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ 5 ሚልዮን ዶላር ተኸፊልዎም መርከብ ከምዝፈነዉ ኣፍሊጦም
ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ፡ ባንዴራ ባንግላድሽ ዝነበራን 23 ኣባላት ዝሓዘትን መርከብ መበጆ ምስተኸፈሎም ከምዝፈነውዋ ገሊጾም።
እታ ‘ኤምቪ ዓብደላ’ ብዝብል እትፍለጥ መርከብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ዝተጨወየትሉ እዋን ከሰል ጽዒና ካብ ሞዛምቢክ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ያ ትኸይድ ነይራ።
እቶም ሸፋቱ ባሕሪ 5 ሚልዮን ዶላር (4 ሚልዮን ፓውንድ) ከምዝተቐበሉ እኳ እንተሓበሩ፡ ብዛዕባ እቲ “ተቐቢልና” ዝበልዎ መጠን ገንዘብ ግን ካብ ናጻ ኣካል ዝተረኸበ መረጋገጺ የለን።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ጀሚሩ ወሰኽ ጭውያታት መራኽብ ከምዝተራእየ ይግለጽ።
ካብ መወዳእታ ሕዳር ጀሚረን ልዕሊ ዓሰርተ መራኽብ ዒላማ ኰይነን ኣለዋ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ሓለዋ ዝገብሩ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣቓልቦኦም ናብቲ ጕጅለ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ መራኸብ መጥቃዕቲ ክፍጽመሉ ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምዛሩ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ጸጥታዊ ሃጓፍ ከምዝማዕበለ ክኢላታት ጸጥታ ይዛረቡ።
ኣብ መንጐ 2005ን 2012ን ኣብ ዝነበረ እዋን እቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሸፋቱ ባሕሪ፡ ንኣባላት መራኽብ ጅሆ ብምሓዝን በጃ ክፍሊት ብምሕታትን ካብ 339 ክሳብ 413 ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸቡ ባንኪ ዓለም ግምቱ የቐምጥ።
ንመርከብ ኤምቪ ዓብደላን ሰራሕተኛታታን ንምፍታሕ 5 ሚልዮን ዶላር በጃ ከምዝተኸፍሎም ክልተ ሸፋቱ ባሕሪ ከምዝነገርዎ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።
ሓደ ካብቶም ሸፋቱ ባሕሪ ዝዀነ ዓብዱረሺድ ዩሱፍ "እቲ ገንዘብ ስኑዕ ድዩ ኣይኰነን ኣረጋጊጽና። ድሕሪኡ ነቲ ገንዘብ ኣብ ጕጅለታት መቒልና ካብ ሓይልታት መንግስቲ ርሒቕና ኬድና" ከምዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።
ወናኒ እታ መርከብ ዝዀነ ኬኤስኣርኤም ጉሩፕ [KSRM Group]፡ እታ መርከብን ሰራሕተኛታታን ድሕሪ ልዝብ ነጻ ከምዝወጽኡ ገሊጹ።
ሚዛኑል እስላም ካብ ኤስ.ኣር ሺፒን ዝተባህለ ክፍሊ ባሕሪ ናይቲ ጕጅለ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ምስቶም ሸፋቱ ባሕሪ ስምምዕ ፈጺምና" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ካብዚ ንላዕሊ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኵሎም ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ደሓን'ዮም" ክብል ኣፍሊጡ።
እታ መርከብ ድሕሪ ምፍናዋ ብኽልተ መራኽብ ውግእ ተዓጂባ ናብ ኢማራት ዓረብ ኣቕኒዓ ኣላ።