ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ቆጸራ ህዝብን ኣባይትን ክካየድ’ዩ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት፡ ራብዓይ ቆጸራ ህዝብን ኣባይትን ክካየድ ምዃኑ ሚኒስተር ትልምን ልምዓትን ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ቆጸራ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ስለዝጸንሐ፡ ብዛዕባ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዘተኣማምን ሓበሬታ የለን።

እቲ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቆጸራ ህዝብን ኣባይትን ዝተናወሐሉ ቀንዲ ምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናትን ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ክሳብ 2018 (ግዕዝ) ዝጸንሕ ናይ ሰለስተ ዓመት ትልሚ ኢንቨስትመንት ይሕንጸጽ ከም ዘሎ’ውን ዝገለጸ ዶክተር ፍጹም፡ ኣብዚ ትልሚ ካብ ዝተኻተቱ መደባት፡ ሓደ ካብቶም ግልጋሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ዘካይዶም ዓይነታት መጽናዕቲ ዝዀነ ቆጸራ ህዝብን ኣባይትን ምዃኑ ገሊጹ።

"እቶ ቆጸራ ብንጹር መዓስ እዩ ዝካየድ ዝብል ዝውስን፡ ተጸዋዕነቱ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝዀነ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕን መራሕቲ ክልላትን ዝምልከቶም ትካላት ፌደራልን ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኮሚሽን እዩ" ኢሎ።

“እቲ ቆጸራ ዝያዳ ቴክኒካዊ እዩ። ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንኽረክብ ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኵነት ኣለዉ። ሓደ ኣብነት፡ ብሓደ ግዜ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ብርትዓዊ መንገዲ ንምብጻሕ'ዩ" ይብል።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ብዝሒ ህዝቢ ከይተቖጸረ ምጽንሑ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ ዝበለጸን ቅኑዕን ሓበሬታ "ሎሚ ክንደይ ሰባት ከም ዘለዉ" ምፍላጥ ምዃኑ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቆጸራ ህዝቢ፡ ኣብቲ ክካየድ ዝግበኦ ግዜ እንተዘይተኻይዱ፡ ዓመት ዓመት ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ኣገባብ ግምት ብምጥቃም፡ "ዘድልየና መረዳእታ ብዝሒ ህዝቢ ንረክብ ነይርና" ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማእኸላይ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ፡ ቆጸራ ህዝብን ኣባይትን ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ግዜ እዩ ተኻይዱ።

ኣብ 1976 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ንፈለማ እዋን፡ ኣብ 1987 ንኻልኣይ ግዜ ከምኡ’ውን ካብ 1999 ክሳዕ 2000 ንሳልሳይ ግዜ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ተቖጺሩ ነይሩ።

ንመበል ራብዓይ ግዜ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ቆጸራ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ክሳዕ 2014 ሓሙሽተ ግዜ ከም ዝተናውሐ ይፍለጥ።

ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድሚ 60 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ወሲኹ’ዩ።

ካብዚ ትንበያታት ብምብጋስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 110 ሚልዮን ከም ዝዀነ ይግመት።