እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ: ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ተራ ዝነበሮም ኤርትራዊ
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ኣቦታት ብሕጽረት ሰነዳት መንነቶም ብደቂቕ ደኣ ኣይፈለጥ'ምበር ብዕላል ወትሩ ዝዝከሩ ሰባት ኣለዉ።
ሓደ ካብኦም ብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ እዮም።
ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ሎረንዞ ታእዛዝ ብሓደ ጕዳይ'ዮም ዝዝከሩ።
እቲ ጕዳይ ከኣ ብ1936 ንጉስ ሃይለስላሰ ከም ዕቝባኛ ኰይኖም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦምሉ ዝነበርሉ እዋን እቲ ኣብ ጀነቫ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ ሓያል መደረ ብሎረንዞ ታእዛዝ ከም ዝተጻሕፈ'ዩ ዝዝንቶ።
እዚ ግዜ ጣልያን ካብ ኢትዮጵያ ንኽወጽእ ይጕስጕስሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ማለት'ዩ።
መደረ ሃጸይ ሃይለስላሰ
እቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብ30 ሰነ 1936 ኣብ ጀነቫ ኣብ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓደ ኣብ ታሪኽ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ካብቶም ፍሉጣት መደረታት ነበረ።
ፋሺሽታዊ ስርዓት ቤኒቶ ሙሶሊኒ ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ ዝቐረበ መደረ ኰይኑ፡ ንመጥቃዕቲ ዝዅንንን ንኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (League of Nations) ድማ ሓቢሮም ንድሕነት ኢትዮጵያ ክቃለሱ ዝጸውዐ ኣቤቱታ ነበረ።
እቲ መደረ'ቲ ንናይ ፓን-ኣፍሪቃዊ ምንቅስቓስ መሰረት ዘንበረ ኰይኑ፡ ኣንጻር ገዛእቲ ንምጕስጓስ ዘለዓዓለ መደረ ምንባሩ'ውን ይንገረሉ።
ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ "ሎሚ ኢትዮጵያ ተወሪራ'ላ፣ ጽባሕ ከኣ ግደኹም ምዃኑ ኣይጠራጠርን፡" እናበሉ መተሓሳሰቢ ብምቕራብ ንኣኼበኛታት፡ "ኢትዮጵያ ክትግፋዕ ስቕ እንተ ደኣ ኢልኩም ኣምላኽን ታሪኽን ፍርዶም ከንብሩልኩም እዮም፡" እናበሉ መጐቱ።
እቲ መደረ ንመግዛእቲ ጣልያን ብምዅናን፡ ብቕዓትን ሕጽረታትን ሕቡራት ሃገራት ብምጥቋም ንሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ኣህጕራዊ መድርኽ ፍሉይ መለለዮ ዘንበረ መደረ ነበረ ክበሃል ይከኣል።
ብህይወትን ውልቃዊ ናብራን ሎረንዞ
እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ እሞ ከኣ ታሪኽ ናይ ፍሉያት ሰባት ብቐረባ ዝፈልጡ፡ ዳርጋ ኵሎም ሓደ-ሓደ ሓሊፎም'ዮም፣ እቶም ብኻልኣይ-ኢድ ነቲ ታሪኽ ዝፈልጡዎ ድማ ኣፎም መሊኦም እዝን-እትን ክብሉ ይሽገሩ'ዮም።
እቲ ዘሎ ወለዶ ከኣ ብዓል እከላ ዝበሃሉ ሰባት'ኮ ነይሮም እናበለ ንወዝቢ ጥቕስ ኣቢኡምዎ ይሓልፍ።
ንብላቴን-ጌታ ሎረንዞ ታእዛዝ ብስሞምን ማዕርጎምን ብዙሕ ሰብ ይፈልጦም ይኸውን፣ እንታይ ዝገበሩ፡ እንታይ ዝዀኑ'ዮም ኢልና ምስ እነዕምቖ ግን ባዶ-ገጽ'ዩ ዝፈጥር ክበሃል ይከኣል።
ዝዀነዀይኑ ብቝጽሪ ይውሓዱ'ምበር ንታሪኾም ምስ ታሪኽ ካልኦት ሓዋዊሶም ዝሰነዱ ጸሓፍቲ ኣለዉ።
ኣብ'ቶም ጽሑፋት'ቲኦም ዝተመርኰሰ ጽማቝ ከኣ እንሆ።
ሎረንዞ ብ30 ሰነ 1900 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ (ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ክውለዱ ከለዉ፡ ጣልያን ድማ ንኣስመራ ርእሰ-ኸተማኦም ገይሮም ዕብለላኦም ክብ ዘበልሉ ዘመን ነበረ።
ከም ብዙሓት ደቂ'ቲ ዘመን፡ ሎረንዞ ብምስዮናውያን ቋንቋ ጣልያን እናተማህሩ ክዓብዩ ከም ዝጀመሩ ባህሩ ዘውዴ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ታሪኽ ኣብታ 'ሃዋርያን ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ' (Pioneers of Change in Ethiopia) ዘርእስታ መጽሓፉ እስፊሩዎ ይርከብ።
ሚስዮን ካቶሊክ ከኣ ኣብ ህይወት ሎረንዞ ዓቢይ ተራ ከም ዝነበሮ'ውን ይጥቀስ'ዩ።
ሎረንዞ ብንእሽትኦም ኣብ ኣስመራን ከረንን ይመሃሩ ከም ዝነበሩ'ውን ይንገረሎም'ዩ።
ብጐበዞም ብጣልያን ተቘጺሮም ኣብ ስርሓት ምፍራይ ጨው ተዋፊሮም ነበሩ።
እቲ ስራሕ'ቲ ምስ ዓደን (የመን) ዝተኣሳሰር ስለ ዝነበረ ብስርሖም ምኽንያት ናብ ዓደን ናተመላለሱ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ሰፊሩ ንረኽቦ።
እቲ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ ከኣ ኣብ ዓደን'ዮም ምስ ራእሲ ተፈሪ መኰነን (ናይ ደሓር ሃጸይ ሃይለስላሰ) ዝተራኸቡ።
ብናቶም ማዕዳ ከኣ'ዮም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝበቕዑ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተፈሪ መኰነን ትምህርቶም ድሕሪ ምጥንቃቕ ከኣ ብሕርያ ምስ ካልኦት ብጾቶም ኰይኖም ናይ መንግስቲ ማሕደረ-ትምህርቲ ረኺቦም ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ንፈረንሳ ተላእኩ።
በቲ እዋን'ቲ - ድሕሪ ሞት ንግስቲ ዘውዲቱ ማለት'ዩ - ተፈሪ መኰነን ከም ሃጸይ ሃይለስላሰ ተሸይሞም ኣብ መንበረ ስልጣኖም ኮፍ ዝበልሉ እዋን ነበረ።
ብ1933 ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞንፐሌር ናይ ሕጊ ትምህርቶም ድሕሪ ምጥንቃቕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመልሱ።
ሎረንዞ ኣብ ፈረንሳ እናተማህሩ ሓይሊ ፋሺሽታዊ በኒቶ ሙሶሊኒ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ ዘመን ነበረ።
ግዝኣት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ኰነ ኢጣልያዊት-ሶማሊላንድ እናሓየለን እናኸፍአን ብምኻዱ ንኢትዮጵያ ንምውራር ይሸባሸብ ነበረ።
ሎረንዞ ቅድሚ ወራር ጣልያን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ፡ ሞያዊ ህይወቶም ጀሚሮም ኣባል ምኒስትሪ ፍርዲ ኰይኖም ይሰርሑ ነበሩ።
ከምኡ'ውን ኣባል ናይ ዶብ-ኮምሽን (ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ብሪጣንያዊ ሶማሊላንድን) ኰይኖም ከም ዘገልገሉ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ንረኽቦ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ምስ ኦጋዴን ዝተኣሳሰሩ ስርሓት ተወዲቦም'ውን ሰሪሖም'ዮም።
ግጭት ወል-ወል፡ ኣብ ታሕሳስ 1934 ኣብ መንጎ ሓይልታት ጣልያንን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ግጭት ነበረ።
እቲ ዝተላዕለ ንትርኽ፡ ጣልያን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ድፋዕ ናተይ ኢላ ብምትዅታኻ ኢትዮጵያ ግብራዊ መልሲ ንኽትህብ ተዅሲ ከፈተት ይበሃል።
ሎረንዞ ነቲ ዝተፈጥረ ጐነጽ ንኸጽንዑ ተመዲቦም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ'ዩ።
ይዅን'ምበር፡ ጣልያን ብምስምስ ምኽንያት ረኺቦም፡ ብዘይ ብኡ ድማ ኣብ ዓድዋ ናይ ዝተሳዕርዎ እሉኽ ስለ ዝነበሮም ሆጭ ዝበለ መጥቃዕቲ ፈነዉ።
ኣብቲ ዘመን'ቲ ሎረንዞ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ሃይለስላሰ ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ፣ ምስኡ ከኣ ምስ ወ/ሮ ሰነዱ ገብሩ ብ1934 ሓዳር መስሪቶም ነበሩ። ወ/ሮ ሰነዱ መን'የን?
ወ/ሮ ሰነዱ ገብሩ ኣብ ኢትዮጵያ (ድሒረን) ዓቢይ ታሪኽ ዝነበረን ሰብ ነበራ።
ንሰን ጓል እቶም ክቡርን ብዙሕ ዘበርከቱን ከንቲባ ገብሩ ደስታ እየን።
ከንቲባ ገብሩ ፍሉጥ መምህር፡ ቋንቋታት ኤውሮጳ ዝመልኩ፡ ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ (ናብ ኣምሓርኛ) ዝተሳተፉ፡ ምስ ኢየሩሳሌም ናይ ቀረባ ርክባት ዝነበሮምን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ትምህርቲ ዝነጠፉን ብዓልመዚ ነበሩ።
ጓሎም ሰነዱ ከኣ ሕልፍ ዝበለ ተውህቦን ዓቕምን ዝነበረን ኣዝየን ስልጥንቲ ሰብ ነበራ።
ኣብ ድሒሩ ዝሰዓበ ክፋል ህይወተን ድማ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ምኽትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ባይቶ (የሕግ መወሰኛ ምክር ቤት) ኰይነን ዘገልገላ ምህርቲ ሰብ ነበራ።
ንምዃኑ፡ ሓብተን ንሰነዱ እተን ኣብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ቀረባ እዋን ብህይወተን ዝነበራ ብሙዚቃን ስነጥበብን ዝበሰላ ፍልጥቲ ፈላሲት እማሆይ ጽገ-ማርያም እየን።
ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ...
ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ ሎረንዞ ከም ዋና/ኣማኻሪ ሰክረታሪ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኰይኖም ምስኦም ናብ ስደት ኣምርሑ።
ጃንሆይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦምሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሎረንዞ ከኣ ከም ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራን ሃገራት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።
ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ከም ዝገልጾ፡ ብ1938 ሎረንዞ ብትእዛዝ ጃንሆይ ካብ ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ ብሕቡእ ብምጕዓዝ ኵነታት 'ኣርበኞች' (ሓርበኛታት ኢትዮጵያ) ክርእዩን ከጽንዑን ከተባብዑን ከም ዝለኣኽዎም ይሕብር።
እዚ ማለት ካብ ህዝብን ተዋጋእትን ደገፍ ነይሩዎምዶ ኣይነበሮምን ንምፍላጥ ነበረ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ሎረንዞ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ነቶም ኣብ ሞንጎኦም ባእሲ ዝነበሮም መራሕቲ ከም ዝሳነዩ ብምግባርን ሓቢሮም ንኽዋግኡ ክዳለዉን ኣኽኣሉዎም ይብል።
ሃጸይ ሃይለስላሰ በቲ ሎረንዞ ዘብጽሕሎም ሓበሬታ ዓጊቦም ክወፍሩ ብድድ ከም ዝበሉ፡ ግናኸ እንግሊዝ እቲ ኵነታት እዋኑ ኣይበጽሐን ክብሉ ከም ዝዓገቱዎም ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ንረኽቦ።
ሎረንዞ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ጎንደርን ጎጃምን ዝርከቡ ሓርበኛታት መሳርያ ንኸብጽሑሎም ብስቱር ንኢትዮጵያ ብ1939 ተጓዕዙ።
ኣብ ካርቱም ናይ ስለያ ቤትጽሕፈት ብምቛም ድማ ንጃንሆይ ምሉእ ሓበሬታ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ከም ዝበጽሖም ገበሩ።
ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ክፍሊ ጸጥታ እንግሊዝ (ኣብ ካይሮ) ሓበሬታ ብምቕራብ ሰራዊት ጣልያን ሞራሉ ባይታ ዘቢጡ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ነቶም ዓጢቖም ዝነበሩ ሓርበኛታት መሪሖም ክቃለሱ ድሌት ከም ዝነበሮም ሓበርዎም።
ባህሩ ዘውደ ከም ዝብሎ፡ ሎረንዞ ዘፍረይዎ ፍልይ ዝበለ ቍውም-ነገር ንዕቝበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ - ካብ ዕስክርና (ኣብ ሶማል) ኣምሊጦም ንኬንያ ዝሰገሩ ዓሳክር ማለቱ'ዩ - ኣኪቦም ኣብ ጐድኒ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ከሰልፍዎም ብምኽኣሎም'ዩ ይብል።
ደጊሞም እንግሊዝ ድሌት ሃጸይ ሃይለስላሰ ንምኽባር ድሕር-ድሕር በሉ።
ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት (ብ1938) ኣብ ጎንደር ዝተኻየደ ኣኼባ ሓርበኛታት ንጉሳዊ ስርዓት ኣልዮም ኢትዮጵያ ብረፑብሊካዊ ስርዓት ክትትካእ ድልየት ከም ዝነበሮም ብጽሑፍ ንሕቡራት ሃገራት ኣስሚዖም ከም ዝነበሩ ስለ ዝፈለጡ።
ንሳልሳይ ግዜ ሎረንዞ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ድሌት ሓርበኛታት እንታይ ከም ዝነበረ ምእንቲ ከጻርዩ ተላእኩ።
ግዜ ኣይወሰደሎምን፣ ሎረንዞ ናይ 10,000 ሓርበኛታት ክታማት ኣኪቦም ኣረከቡ። ሽዑ እንግሊዝ ዓገቡ።
ብ10 ሰነ 1940 ጣልያን ኣብ ልዕሊ ፈረንሳን እንግሊዝን ውግእ ብምእዋጆም ሃጸይ ሃይለስላሰ ንሓርበኛታት ኢትዮጵያ ንከኽትቱ ዕድል ረኸቡ።
ከነሕጽሮ፡ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት እንግሊዝ ሓቢሮም - ብወፍሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ - ንኢትዮጵያ ሓራ ከውጽኡ ወፈሩ።
ኢትዮጵያ ከኣ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብ1941 ሓራ ወጽአት። ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ግንቦት 1941 ኣብ ስልጣኖም ተመልሱ።
ኢትዮጵያ ሓራ ምስ ወጽአት ሎረንዞ ከም ናይ ወጻኢ ምኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ኰይኖም ተሾሙ።
እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ከም ጽግዕተኛኣ ክትገብራ ትፍትን ስለ ዝነበረት፡ ሎረንዞ ንኢትዮጵያ ካብ ጽግዕተኛነት ከም ዘድሓንዋ ኣብ ሰንዳት ታሪኽ ንረኽቦ።
ብድሕሪኡ (ብ1942 ማለት'ዩ) ሎረንዞ ብርግጽ ዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብቲ ዝነበሮም ልዑል ሓላፍነት ለጠቕ ዝበለ ስራሕ ተመደቡ - ከም ምኒስተር ጶስጣ።
ባህሩ ዘውደ ከም ዝብሎ ብድፍኢት ጸሓፊ ትእዛዝ ወልደግዮርጊስ ወልደዮሃንስ ከይኰነ ኣይተርፍን ይብል።
ብድሕሪኡ ከኣ ኣይጸንሑን ከም ኣምባሳዶር ኣርሒቖም ንሩስያ ተላእኩ (1944 -1946)። ካብ መሰረት-ስልጣን ኢትዮጵያ ከኣ ከም ዝርሕቁ ተገብረ ይበሃል።
ብድሕሪኡ ሎረንዞ ጥዕና ኣይረኸቡን። ሽዑ ዕድሚኦም 46-47 ጥራይ ነበረ።
ኢንሳይክሎፒድያ አትዮፒካ ከም ዝብሎ ክሕከሙ ናብ ሽወደን ከይዶም ኣብኡ ዓረፉ።
ባህሩ ዘውደ ግን ንሩስያ ምስ ተመደቡ ኣብኡ ዓረፉ ይብል። ሬሳኦም ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቅድስት ስላሰ ካቴድራል ተቐብረ።
ተወሳኺ ሓቂ ንምጥቃስ፡ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ሓዳር ሎረንዞን ወ/ሮ ሰነዱን ተበተነ።
ብድሕሪኡ ሎረንዞ ንእመቤት የምስራች እምሩ (ጓል ራእሲ እምሩ ሃይለስላሰ) ተመርዓዉ።
ራእሲ እምሩ ሃይለስላሰ መቕርብ ሃጸይ ሃይለስላሰ'ዮም ነይሮም፣ ንሎረንዞ ከኣ ከም ውላዶም ይርእይዎም ነበሩ ይበሃል።
እዚ ሎረንዞ ኣብ ላዕለዋይ ማሕበራዊ ጽፍሒ ስርዓተ-መሰረት ኢትዮጵያ በጺሖም ከም ዝነበሩ እዩ ዘርኢ።