ሓተትቲ ዕቝባ ታክሲ ከይጥቀሙ እትእግድ ዘላ ሃገር

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ለካቲት ጀሚሮም ናብ ሕክምናዊ ቈጸራ ንምኻድ ታክሲ ከይጥቀሙ ዝኽልክል ሕጊ ኣጽዲቑ።

እዚ ቢቢሲ ኣብ ዘዳለዎ ምርምራዊ ጽሑፍ፡ ሓደ ካብቶም ቃለመሕተት ዝተገበረሎም ሓተትቲ ዕቝባ፡ ናብ ሕክምናዊ ቈጸራ ንምኻድ 400 ኪሎሜተር ብታክሲ ከም ዝኸደን እዚ ከኣ ን'ሆም ኦፊስ' 600 ፓውንድ ክኸፍል ከም ዘገደዶን ዝገልጽ ጽሑፍ ድሕሪ ምሕታሙ'ዩ።

መንግስቲ ከም መልሰ ተግባር ናይቲ ብቢቢሲ ዝተዳለወ ጽሑፍ፡ ሓተቲ ዕቝባ ኣብ መስከረም ካብቲ ክጸንሕሉ ዝተመደብዎ ሆቴል ናብ ናይ ሕክማን ቈጸራኦም ንክኸዱ ኣብ መስከረም ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ከም ዝሃለኸ ንምፍላጥ ቅልጡፍ መርመራ ከካየድ ኣዚዙ።

ድሕሪ ዝተገበረ መርመራ፡ መንግስቲ ንሓተትቲ ዕቝባ ካብን ናብን መንበሪኦምን ሕክምናን ንምምልላስ ዓመታዊ 15.8 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘውጽእ ከረጋገጽ ክኢሉ።

ሓተትቲ ዕቝባ ኣብቲ ክጸንሕሉ ዝተመደብዎ ሆቴል ኣብ ዝነብርሉ፡ ናይ ሕክማና ቈጸራ ምስ ዝህልዎም መንግስቲ ዝኸፍሎ ታክሲ ከጥቀሙ ይፍቐዶም'ዩ።

ሓደ ከም ኮንትራክተር ኰይኑ ንሓተትቲ ዕቝባ ካብን ናብን ዝጸንሕሉ ሆቴልን ሆስፒታልን ዘመላልስ ብዓል ታክሲ ብዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳዕ 15 ግዜ ካብ መጽንሒ ሓትቲ ዕቝባ ናብ ሆስፒታል ሰባት ከም ዘመላልስ ገሊጹ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ክቕየር ምዃኑ'ያ ገሊጻ።

ንሳ "ሓተትቲ ዕቝባ ንቘጸራ ሆስፒታል ብዘይ ገደብ ዝጥቀምሉ ታክሲ፡ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ የብቅዕ ኣሎ፡" ኢላ።

"ንመጽንሒ ሆቴላት በብሓደ ንምዕጻው ኣብ እንሸባሸበሉ ዘለና እዋን፡ ኣብ ነፍሲወከፍ መጽንሒ ሆቴላት ዝህሉ ዘየድሊ ወጻኢታት ካብ ስሩ ንምምሓው ክቕጽል እየ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ምኒስተራት ኣብ ክንዲ ታክሲ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ከም ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት ክጥቀሙ'ዮም ዝደልዩ።

ሰብመዚ ዓዲ እንግሊዝ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ክንዲ ታክሲ ካልእ ከም ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኣመሰለ ኣማራጺታት ክጥቅሙ'ዮም ዝደልዩ ዘለዉ።

ኣካላዊ ስንክልና ንዘለዎም ሰባት፡ ሕዱር ሕማማትን ምስ ጥንሲ ዝተኣሳሰሩ ጸገማትን ንዘለዎም ገለ ሓለፋታት ክህሉ ምዃኑን እዚ ከኣ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ ብቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ተፈሪሙ ዝፍቐድ'ዩ ክኸውን።

እቲ ካልእ ታክሲ ምጥቃም ዝፍቀደሉ ከኣ ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ሓደ መጽንሒ ሆቴል ናብ ካልእ መጽንሒ ሆቴል ኣብ ዝግዕዝሉ'ዩ።

ምኒስተራት፡ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ክንዲ ኣብ ሆቴላት ኣብ ከም ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝጸንሕሉ ኣማራጺታት ክተኣታቶ ምዃኑ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተዘርግሐ ኣሃዛት ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 36,273 ሰባት ገና ኣብ ሆቴላት መጽንሒ ሓተትቲ ዕቝባ ከም ዝርከቡ የርኢ፣ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ሰነ ክነጻጸር እንከሎ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

መንግስቲ ምስ ስርዓት ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዝተሓሓዝ'ውን ናይ ሕጊ ምምሕያሻት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ክልወጥ ተደልዩ ዘሎ ከኣ ንሓተትቲ ዕቝባ ዝወሃብ ደገፍ መንበሪ ገዛ ደው ክብል ዝብል'ዩ።

ምስዚ ኣብ ዝተሓሓዝ፡ መንግስቲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር 74 ሚልዮን ፓውንድ ክወጽእ ዝነበሮ ገንዘብ ካብ ምብኻን ከም ዘድሓነ'ዩ ዝገልጽ።