ፈረንሳ፡ ጓል 12 ዓመት ተማሃሪት ዝቐተለት ጓልኣንስተይቲ ንሕልፈት ተፈሪዳ

ሎላ ዴቪየት ክትቅተል እንከላ ጓል 12 ዓመት እያ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ፓሪስ ንሎላ ዴቪየት ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ዝዓመጸትን ዝቐተለትን ሰበይቲ ንመላእ ፈረንሳ ዘሰንበደ ብይን ተዋሂብዋ። ንሳ እቲ ሳሕቲ ተዘይኰይኑ ብዙሕ ዘይሪአ ንሕልፈት ማእሰርቲ እያ ተፈሪዳ።

ጕጅለ ደያኑን ዳኛታትን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተረረ ዝብሃል መቕጻዕቲ ብምውሳኖም ድማ ጓል 27 ዓመት ዳህብያ ቤንኪሬድ እንተ ወሓደ ን30 ዓመት ክትእሰር ኣለዋ።

ኣብ ፈረንሳ ብይን ሕልፈት ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዝወሃብ። ቤንኪሬድ ከኣ ነታ ከባድ ውሳነ ዝተቐበለት ቀዳመይቲ ጓላንስተይቲ እያ።

ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ንሕልፈት ዝተፈርዱ ዕሉል ገበነኛ ቀታልን ዓማጽን ሚሸል ፎርኒሬትን እቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ 130 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ እተሳተፈ ጂሃዳዊ ሳላሕ ዓብደስላምን ይርከቡዎም።

እቲ ብይን ድሕሪ ምውሃቡ፡ ኣደ ሎላ ደልፊን ዴቪየት "ፍትሒ ክንረክብ እምነት ኔርና ፡ ረኺብናዮ ድማ" ክትብል እንከላ፡ ሓዋ ቲቦልት ብወገኑ "ንዝኽሪ ሓፍተይ መሊስናዮ ፡ ንሓቂ ድማ መሊስናዮ" ኢሉ።

ጓል 12 ዓመት ሎላ እንታይ'ዩ ኣጋጢምዋ?

መጠንቀቕታ፦ እዚ ዛንታ እዚ ዜጨንቕ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ ።

ሎላ ኣብ ጥቅምቲ 2022 እያ ተቀቲላ። ሬሳኣ ድማ ኣብ ቀጽር እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፓሪስ እትነብረሉ ዝነበረት ህንጻ ኣብ ፕላስቲክ እዩ ተረኺቡ።

ብ14 ጥቅምቲ 2022 ድሕሪ ቐትሪ ብሲሲቲቪ እተሳእለ ቪድዮ ፡ እታ ሽዑ ጓል 24 ዓመት ዝነበረት ቤንኪሬድ ነታ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤታ ዝተመልሰት ሎላ ኽትቀርባ እንከላ የርኢ።

ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ ቤንኪሬድ ንሎላ ናብቲ ዓባይ ሓፍታ ኣብቲ ህንጻ እተካርዮ ዝነበረት ኣፓርታማ ሓባቢላ ኣእትያታ።

ቤንኪሬድ ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ነታ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራድ ብመቀስን መቑረጺ ሳጹንን ኣጥቂዓታ።

ቤንኪሬድ ንሎላ ኣብ ርእሳ 'ውን ብፕላስተር ጠምጢማታ እዚ ድማ ሕጽረት ኦክስጅን ብምሳዐብ ተዓፊና ክትመውት ምኽንያት ኮይኑ።

እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኣኽባር ሕጊ ፡ቤንኪሬድ እቲ ዝነውሐ ፍርዲ ክወሃባ ሞጒቱ።

ቤንኪሬድ ብኽኢላታት ስነ-ኣእምሮ ኣብ ዝተመርመረትሉ "ሳይኮፓቲክ" ባህርያት እኳ እንተ ነበራ ጥዕይቲ ኮይና እያ ተረኽባ።

እቲ ዓቃብ ሕጊ ነቲ ሰለስተ ደያኑ 6 ሰብ ሞያን ዝሓቘፈ ጕጅለ "ኣይትጋገዩ ዝዀነ ይኹን ሕክምና ንባህርያት ወይዘሮ ቤንኪሬድ ክቕይሮ ኣይክእልን ኢዩ። ሕማም ኣብ ዘይብሉ ድማ ፍወሳ'ውን ኣይክህሉን እዩ" ኢሉ።

እቶም ዳኛታት ዓርቢ ምይይጥ ቅድሚ ምጅማሮም ድማ ቤንኪሬድ ነቲ ቤት ፍርዲ "እቲ ዝገበርክዎ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ እዩ። ይቕሬታ ይሓትት ኣለኹ፡ እዚ ጥራይ እየ ዝብል።" ኢላ።

እቲ ዳጃ ነቲ ብይን ከንብቦ ኸሎ ነቲ "ናይ ሓቂ ስቓይ" ኢሉ ዝገለጾ "ኣዝዩ ጭካነ ገበናዊ ተግባራት" ጠቒስዎ።

"እቲ ቤት ፍርዲ ግቡእ ፍርዲ ክውስን ከሎ ነቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽን ዳርጋ ክግለጽ ዘይከኣልን ኵነታት ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ ኰነ ስድራቤታ ዘስዓቦ ዘይግለጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጕድኣት ኣብ ግምት ኣእትዩ ኢዩ" ይብል።

ቤንኪሬድ ኣብ ፈረንሳ ናይ ተማሃራይ ቪዛ ሒዛ'ኳ እንተ ነበረት ኣየሐደሰቶን። ኣብ ሓምለ 2022 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዛ ካብታ ሃገር ንኽትወጽእ 30 መዓልቲ ተዋህባ ነይራ እያ።

ሎላ ኣብ ጥቅምቲ እታ ዓመት እቲኣ ምስ ተቐትለት ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ፕረዚደንት የማናዊ ሰልፊ ናይ ፈረንሳ ናሽናል ራሊ ጆርዳን ባርዴላ ኣብ ኤክስ እታ ሰበይቲ "ኣብ ፈረንሳ ዘጽንሕ ዋላ ሓንቲ ስራሕ ኣይነበራን" ኢሉ ጸሒፉ።

እቲ ተሪር የማናዊ መቐናቕንቲ ኤሪክ ዘሞር'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ቀታሊት ሎላ መንገዳ ክትሰግር ኣይነበራን " ኢሉ ጽሒፉ።

ሚኒስተር ፍትሒ ፈረንሳ ዠራልድ ዳርማኒን ግን ነቲ 'ፖለቲካዊ ዘይውርዙይነት' ዝበሎ ብምንቃፍ "ብዛዕባ ሳዕቤን ቃላቶም ክሓስቡ" ኣተሓሳሲቡ።

ኣደ ሎላን ኣቦኣ ዮሃን ዴቪየትን ብወገኖም "ስምን ምስልን ውሉድና ንፖለቲካዊ ዕላማታት ምጥቃም ደው ይብል " ብምባል ኰኒኖምዎ።

ወላዲ ግዳይ ኣቶ ዴቪየት ኣብ 2024 ኣብ 49 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።