ምብታኽ ገመድ ትሕቲ ባሕሪ ጀርመንን-ፊንላንድን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ

ዓባይ መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራት ጀርመንን ፊንላንድን ብትሕቲ ባሕሪ ዘራኽበን ዝነበረ ገመድ ምብታዅ “ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰበን” ገሊጸን።

ምብታኽ እዚ 1170 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ ገመድ ቴሌኮሙዩኒኬሽን - ጠንቍ ይጻረ ኣሎ- ምስ ሩስያ ዘሎ ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ‘ዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

ሚኒስትሪታት ጕዳይ ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ “ድሕነት ኣውሮጳ በቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ኲናት ጥራይ ዘይኰነ፡ እከይ ተዋሳእቲ ብዝፍጽምዎ ድቓላ ኲናት’ውን ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ” ኢሎም።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ዝርከብ መስመራት ሻምብቆታት ጕድኣት ከይወርድ ክስጋእ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ መንጐ ፊንላንድን ኢስቶንያን ዝነበረ መስመር ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ኣዝዩ ተሃስዩ።

ድሒሮም ሰበስልጣን ፊንላንድ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ሓደጋ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ቻይና መልህቓ ክትስሕብ እንከላ ከም ዘጋጠመ ገሊጾም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን’ውን፡ ነቲ ኣብ 2022 ኣብ መንጐ ሩስያን ጀርመንን ዝተፈጸመ ነትጒ መስመራት ነዳዲ ኖርድ ስትሪም ክሳብ ሕጂ ይምርምሩ ኣለዉ።

ብድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ መንግስቲ ዩክረይን፡ ሩስያ ወይ ኣመሪካ ክህልው ከም ዝኽእሉ ዝገልጹ ዘይተረጋገጹ ወረታትንን ትንተናታት ውዲትን ክቐርቡ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ንርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሀልሲንኪን ንከተማ ሮስቶክ ጀርመንን ዘራኽብ ‘C-Lion1’ ፋይበርኦፕቲክ ገመድ ዘጠቓልል እዩ።

ተቘጻጻሪ ኔትወርክ ፊንላንድ ሲንያ፡ ኵሉ ርክባት ፋይበር ከም ዝተበትከ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሲንያ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብዞም ማያት፡ ካብ ግዳማዊ ጽልዋ ወጻኢ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ኣይክእልን” ኢሉ።

ክኢላ ድሕነት ሳይበር መንግስቲ ፊንላንድ ሳሙሊ በርግስትሮም፡ ካልኦት መስመራት ገመድ ስለ ዘለዉ፡ እቲ ጸገም ኣብ ልዕሊ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዋሕዚ ኢንተርነት ጽልዋ ከም ዘየሕደረ ግን ገሊጹ።