'ዶክተር ሞት'፡ ንሕሙማቱ መሪዙ ብምቕታል 'ንክሊኒክ ናብ መቓብር' ዝቐየረ ሓኪም

ፍረደሪክ ፔቺየር

ምንጪ ስእሊ, ARNAUD FINISTRE/AFP

ብኣኽበርቲ ሕጊ 'ዶክተር ሞት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈረንሳዊ ኣደንዛዚ ሓኪም ንሕልፈት ክእሰር ፈሪደሞ።

እቲ ፍረደሪክ ፔቺየር ዝተበሃለ ወዲ 53 ዓመት ሓኪም ን30 ተሓከምቲ ኮነ ኢሉ ብምምራዝን ካብኣቶም 12 ብምቕታልን እዩ ተኸሲሱ።

ኣብ ምብራቓዊ ፈረንሳ ከተማ ቤሳንሶን ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ፍረደሪክ ፔቺየር፡ ኣብ ተሓከምቲ ብሰራውር ደም ብዝወሃብ ወቕዒ ልቢ ወይ መፍሰስቲ ደም ከስዕቡ ዝኽእሉ ንጥረ ነገራት ብምውሳኽ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ካብቶም ግዳያት ፔቺየር፡ እቲ ዝነኣሰ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ህጻን እዩ። ኣብ 2016 መጥባሕቲ ሓናት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ካብ ክልተ ግዜ ዘጋጠመ ወቕዒ ልቢ ክድሕን ክኢሉ እዩ። ካብቶም ግዳያት እቲ ዝዓበየ ዕድመ ዘለዎ ድማ ወዲ 89 ዓመት እዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ዝሓለፈ ሰሙን፡ "ንስኻ ሓኪም ሞት ኢኻ፡ መራዚ፡ ቀታሊ ኢኻ። ኣብ ኹሎም ሓካይም ድማ ሕፍረት ኣስዒብካ" ክብሉ ገሊጾምዎ ነይሮም። ወሲኾም እውን "ነቲ ክሊኒክ ናብ መቓብር ቀይርካዮ" ኢሎምዎ።

ፔቺየር ናብ ሰራውር ደም ዝውስኾም ኬሚካላት፡ ኣብ ሕሙማት ምቁራጽ ልቢ ወይ ወቕዒ ዘስዕቡ ኰይኖም፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ህጹጽ ምትእትታው ይጠልቡ።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ድማ ህጹጽ ምትእትታው ዝፍጽም ባዕሉ ፔቺየር እዩ፤ ኣብዚ ኣጋጣሚታት ከም መድሓኒ ተሓከምቲ ኰይኑ ይቐርብ።

ኣብ 12 ኣጋጣሚታት ግን ጣልቃ ክኣቱ ኣይከኣለን፡ ወይ ድማ ደንጉዩ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ተሓከምቲ ሞይቶም።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፔቺየር፡ ነቶም ቂምታ ዝነበሮ ብጾቱ ኣደንዘዝቲ ሓካይም ንምጽላም ኢሉ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከምዝፍጽም ተማጒቶም።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ቀዳማይ ኣደንዛዚ ሓኪም ኣይነበረን። ነቲ መስርሕ ሕክምና ንምትዕንቓፍ ጥራይ ብኣግኡ ናብቲ ክሊኒክ ከም ዝመጸ ይግለጽ።

ብድሕሪኡ፡ ነገራት ናብ ሕማቕ ከምርሑ እንከለዉ፡ ነቲ ጸገም ብምምርማር ጸረ-መርዚ ብምእዛዝ ኢዱ የተኣታቱ።

እቲ ሓኪም ፈለማ ከምዝመረዛ ዝተጠርጠረት ንጓል 36 ዓመት ሳንድራ ሲማርድ እያ። ንሳ፡ መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቖ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዋ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ውነኣ ስሒታ'ኳ እንተነበረት፡ ፔቺየር ጣልቃ ብምእታው ህይወታ ኣድሒኑዋ።

ኣብ ቦርሳታታ ኢንፉጅን ዝተገብረ መርመራታት፡ ትሕዝቶ ፖታሽየም ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ መጠን 100 ዕጽፊ ብምዃኑን ሓበሬታ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ከባቢ ክበጽሕ ተገይሩ።

ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ፈተነ፡ ፔቺየር፡ ገለ ካብቶም ዝሓመሙ ወይ ዝሞቱ ሕሙማት ተመሪዞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እኳ እንተኣመነ፡ ዝኾነ ጌጋ ከምዘይፈጸመ ግን የስምር።

"ቅድሚ ሕጂ'ውን ተዛሪበ'የ፡ ደጊመ'ውን ክብሎ'የ፡ ኣነ መራዚ ኣይኮንኩን... ኩሉ ግዜ ናይ ሕክምና ማሕላይ የኽብር'የ" ኢሉ።

ፔቺየር ኣብ እዋን መስርሒ ፍርዲ ከይተኣሰረ ስለዝጸንሐ ሕጂ እንተወሓደ 22 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፍ እዩ።

ይግባይ ንኽብል ከኣ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።