ቀታሊ ናይታ ሬሳኣ 'ብዝብኢ' ዝተበልዐ ግዳይ ይእለሽ ኣሎ

አዳነች ኩምሳ

ምንጪ ስእሊ, FB

መግለጺ ስእሊ, አዳነች ኩምሳ

መጠንቀቕታ: እዚ ዛንታ ክርብሽ ዝኽእል ትሕዝቶ ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንሓንቲ ሰራሕተኛ ባንክ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ብፖሊስ ይድለ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እታ ግዳይ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሰንዳፋ፡ ኣዳነች ኩምሳ ዝተበሃለት ሰራሕተኛ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ እያ ነይራ።

ሓላፊ ክፍሊ መርመራ መደበር ፖሊስ ሰንዳፋ (ክልል ኦሮሚያ) ንቢቢሲ ከምዝበሎ እቲ ቅትለት ሰኑይ 6 ታሕሳስ 2018 (ግ) እዩ ተፈጺሙ።

"ኣብ ሰንዳፋ ከተማ በኬ፡ ናብ ጎማጣ ዝተበሃለ ከባቢ ተወሲዳ ምሸት ሰዓት 3 (ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ) እዩ እቲ ቅትለት ተፈጺሙ" ይብል ኮማንደር ንጋቱ ኣለሙ።

እቲ ጥርጡር ቅድሚ ሕጂ ናብ ስራሕ ቦታኣ እናኸደ የፈራርሓ ከምዝነበረ ስድርኣ መተዓቢታን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ዘመዳ፡ እታ መዋቲት ንስድራኣ ምፍርራሕ ይበጽሓ ከምዘሎ ሓቢራ ምንባራ ገሊጹ።

"ኣብታ ዝተቐትለትላ መዓልቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ባንክ ንግዲ ስልጠና ወሲዳ እናተመልሰት ነይራ" ብምባል ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ይዛረብ።

ኣብታ ምሸት እቲኣ "ካብ ሰዓት ሓደ ክሳብ ክልተ ናብ ሰባት ተሌፎን እናደወለት ነይራ።"

ኣዳነች ኣብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ኣለልቱ ንሰለስተ ዓመት ከምዝሰርሐትን ኣብ ትውልዲ ዓዳ፡ ምዕራብ ወለጋ እውን ንዓመታት ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ከምዝጸንሐትን መተዓቢታ ሓቢሩ።

"እቲ ዝተረኽበ ኣካል ሬሳኣ ብዙሕ ኣይኰነን። እቲ እንኮ ዝተረኽበ ጥራይ እዩ ብኣንሶላ ተጠቕሊሉ ተቐቢሩ። እቲ ሳንዱቕ ሬሳ ገለ ክብደት ንኽህልዎ ፍርቁ ብሑጻ መሊእናዮ" ኢሉ።

ብተወሳኺ እቲ ጥርጡር፡ "ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ስለዝኾነ ስድራ ኣለውዎ" ብምባል፡ ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ከባቢ ፕሮጀክት ኮንስትራክሽን ስለዝነበሮ ይመላለስ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ ነቲ ቅትለት ምፍጻሙ "ብማስክን ጸሊም መነጽርን ተሸፊኑ 'ክምርዓወኪ እየ' ኢሉ የፈራርሓ ነይሩ" ኢሉ።

ኮማንደር ንጋቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መርመራታት ፖሊስ፡ እቲ ጸጋየ ኣሰለፈው ዝተባህለ ጥርጡርን ኣዳነችን "ኣብ ፍቕራዊ ርክብ" ከምዝነበሩ ከምዘመልክት ሓቢሩ።

ንኣዳነችን ስድራኣን ብቐረባ ዝፈልጥ እቲ ምንጪ ቢቢሲ ግና ርክብ ከምዘይነበሮም እዩ ገሊጹ። ብተደጋጋሚ 'ክምርዓወኪ'የ' ኢሉ የፈራርሓ ከምዝነበረ ግን ኣስሚሩሉ።

ኮማንደር ንጋቱ ብወገኑ፡ ኣብታ ቅትለት ዝተፈጸመላ መዓልቲ፡ እቲ ጥርጡርን ኣዳነችን "ኣብ ሆቴል መግቢ ኣዚዞም" ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።

"ኣብ ሆቴል ሮሰን መግቢ ኣዚዞም ነይሮም። [ኣዳነች] ነቲ መግቢ ከይበልዐት ካብቲ ሆቴል ምስ ወጸት፡ እቲ ጥርጡር ብመኪና ተኸቲሉዋ። ብድሕሪኡ ናብ ከባቢ ጎማጣ ወሲዱ ብጥይት ቀቲሉዋ" ይብል እቲ ኮማንደር።

ጎማጣ ካብ ከተማ ሰንዳፋ ወጽእ ኢልካ ዝርከብ ከባቢ እዩ።

አዳነች ኩምሳ

ምንጪ ስእሊ, FB

ቢቢሲ ዘዘራረቦ መተዓቢታ ከምዝበሎ፡ ኣዳነች "ኢደይ ክሓጽብ" ብምባል "ካብቲ ሆቴል ክትሃድም" እያ ፈቲና። እቲ ጥርጡር ግን ደድሕሪኣ ከምዝኸደ ወሲኹ ሓቢሩ።

"እቲ ጥርጡር ነቲ ቅትለት ምስ ፈጸመ መኪንኡን ነቲ ብረቱን ኣብ ከተማ ኣለልቱ ደርብዩ" ከምዝተሰወረ እቲ ሓላፊ ፖሊስ ሓቢሩ።

"ኣብታ መኪና ደምን ብረትን ተረኺቡ። እዚ ድማ እቲ ቅትለት ኣብ መኪና ከምዝተፈጸመ ዘመልክት'ዩ" ይብል ኮማንደር ንጋቱ።

ብተወሳኺ እቲ ጥርጡር ነታ ግዳይ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሬሳ ደርብዩ ከምዝኸደን እቲ ሬሳ ብዝብኢ ከምዝተበልዐን ኣብሪሁ።

ኣብቲ ከባቢ ድምጺ ጠያይቲ ዝሰምዑ ሰባት ሓበሬታ ከምዝሃቡ ዝገለጸ ኮማንደር ንጋቱ፡ ፖሊስ ዝረኸቦ መኪና ምስቲ ሕብረተሰብ ዝሃቦ ሓበሬታ ተመሳሳሊ ምዃኑ እውን ገሊጹ።

ካብ ዝብኢ ዝተረፈ ሬሳ ናይታ ግዳይ፡ ንመርመራ ናብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ተወሲዱ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሩ ስርዓተ ቀብራ ከምዝተፈጸመ ተፈሊጡ'ሎ።

ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንምእታው ኣለሻ እናካየደ ይርከብ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓለም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቓይቕ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብእትፈልጦ ሰብ ከም እትቕተል ይጠቅስ።

እዚ ድማ፡ መዓልታዊ 137 ደቂ ኣንስትዮ ይቕተላ ኣለዋ ማለት እዩ።

እቲ ቀታሊ፡ መጻምድቲ፡ በዓልቤት ወይ ኣባል ስድራ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይሕብር።