እዚ ቢልዮኔር ንቻይና ፈቲኑዋ - ናጽነቱ ግን ስኢኑ

ሓበራዊ ምስሊ ጂሚ ላይን ደገፍቲ ዴሞክራሲ ዝዀኑ ሰልፈኛታትን ብ2019 ኣብ ሆንግ ኮንግ ተቓውሞ እንተኻይዱ
መግለጺ ስእሊ, ሓበራዊ ምስሊ ጂሚ ላይን ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ሰልፈኛታትን ብ2019 ኣብ ሆንግ ኮንግ ተቓውሞ ኣብ ዘካየዱሉ
ንባብ: 10 ደቓይቕ

ብ2022 ሓደ ንግሆ ራፋኤል ቮንግን ፊጎ ቻንን ናብ ቤት ማእሰርቲ ስታንሊ ሆንግ ኮንግ ኣምሪሖም። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ብ2020 ብገበናት ሃገራዊ ድሕነት ተኸሲሱ ፍርዲ ዝጽበ ዝነበረ ጂሚ ላይ ዝተባህለ ቢልዮነር ሚድያ ነይሩ።

ኵሎም ኣካል ናይቲ ኣብ 2019 ንሆንግ ኮንግ ዘናወጸ ዕግርግር ዝመልኦ ተቓውሞታት ኰይኖም፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣብ መሬት ቻይና ዲሞክራስን ዝያዳ ናጽነትን ክህሉ ዝጠልቡ ሰልፊታት ከካይዱ ናብ ጐደናታት ወጺኦም ነይሮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ድራር ይራኸቡ ነበሩ፤ ሓሓሊፉ ድማ ኣዝዩ ክቡር መኣዲ ይቋደሱ ነይሮም። ብዛዕባ ዲም ሳም፣ ፒዛ ወይ ክለይፖት ሩዝ የዋግዑን ይላገጹን ነበሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ "ሩዝ ምስ ዝተጠብሰ ጅንጅብል ምብላዕ ይፈቱ ነይሩ፡" ይብል ቻን።

"ጂሚ ላይ ከምዚ ዝኣመሰለ መግቢ ክበልዕ'ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ የለን!"

ኣብ ዝለዓለ ጸጥታ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ዳግማይ ክንራኸብ ኢና ኢሎም ዝሓሰቡ'ውን ኣይነበሩን። እቲ ተቓውሞታት ተዓፊኑ፣ ኣዕሩኾምን ተሓለቕቲ መሰላትን ተኣሲሮም፣ ሆንግ ኮንግ ዕግርግር ዝመልኣን ዝተቐየረትን ኰይና።

እቲ "Fatty Lai" ዝብል ሳጓ ዝነበሮ ቢልየነር'ውን ሚዛን ሰብነቱ ጐዲሉ። ንዓሰርተታት ዓመታት ተፈላልዮም - ላይ ኣብ 70ታት ዕድመኡ፡ ቮንግን ቻንን ድማ ኣብ 40ታት ዕድመኦም ኰይኖም- ዝተፈለየት ሆንግ ኮንግ ክትህሉ ይሓልሙ ነይሮም።

ላይ ኣብቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ቀንዲ ተዋሳኢ ኰይኑ፡ ንሆንግ ኮንግ ናብ ሊበራል ዲሞክራሲ ንምስጋር ተስፋ ብምግባር፡ እታ ኣዝያ ጽልዋ ዘለዋ ኣዝያ ህቡብቲ ጋዜጣ ኣፕል ደይሊ ሒዙ ይቃለስ ነይሩ።

እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ 2020 ብገዛእቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ በይጂን ዝተኣወጀ ኣካታዒ ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ሓደገኛ ኰይኑ።

ንላይ፡ ወትሩ ንሆንግ ኮንግ ዕዳ ከም ዘለዎ ይዛረብ ነይሩ። ዋላ'ኳ ዜጋ ዓባይ ብሪጣንያ እንተዀነ፡ ኣይወጽእን ኢሉ ኣበየ።

ኣብ 2020 ቅድሚ ምእሳሩ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ ቦታ'ዩ እቲ ኵሉ ዘለኒ ሂቡኒ፤ እዚ ንዕኡ ዝኸፍሎ በጃ'ዩ፡" ኢሉ።

እታ ከተማ፡ እቲ ንሱ ዝረኸቦ ናጽነት ክትቅጽሎ'ዩ ዝደሊ። እዚ እዩ ናብ ፖለቲካ ዝደረኾ - ንዴሳዊ ሰልፊ ብትሪ ዝነቕፍን ዲሞክራሲ ንዝድግፉ ምንቅስቓሳት ሆንግ ኮንግ ብግልጺ ዝድግፍን ኰይኑ። ነዚ ዅሉ ክኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጽነት ከፊሉሉ።

ተሬዛ ላይ (ማእከል)ን ላይ ሹን-ያን (የማን)ን በዓልቲ ቤትን ወድን ደጋፊ ዲሞክራሲ ወናኒ ሚድያ ጂሚ ላይን ካርዲናል ጆሴፍ ዜን (ጸጋም) ጳጳስ ሆንግ ኮንግ ነበርን ኣብ ቤት ፍርዲ ዌስት ኖውሉን ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በዓልቲ ቤት ላይ ተረዛን ወዱ ሹን-ያንን ኣብቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ተረኺቦም ነይሮም። ብጸጋም ድማ ብ1997 ንላይ ዘጠመቑ ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ነበር ብጹእ ካርዲናል ጆሴፍ ዜን ይርኣዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ላይ፡ ኣብ ልዕሊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና (ሲሲፒ)ን "ክቱር ጽልኢ" ነይሩዎ፤ "ክብርታት ናይቲ ሰልፊ ናብ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ንምቕያር፡" ድልየት ነይሩዎ ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ወሲኑ።

ላይ እቲ ሰልፊ ካብ ስልጣኑ ክእለ - ወይ ድማ እንተወሓደ መራሒኡ ሺ ጂንፒን ክእለ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ላይ በቲ ወትርይ ዝነጽጐ ዝነበረ ኵሉ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። እቲ ዝኸበደ - ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምትሕብባር - ዝለዓለ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ።

ብዕለት 9 ለካቲት ድማ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ትሕቲ 30 ደቓይቕ ኣብ ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ ን20 ዓመት ክእሰር ፈሪዱዎ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ዝኸበደ ፍርዲ'ዩ - ብመሰረት ተሓለቕቲ ጕጅለታት መሰላት ከኣ፡ ዕድመኡ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ውሳነ "ውጽኢታዊ ናይ ሞት ፍርዲ፡" እዩ።

ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ፡ ላይ እንትርፎ ንክብርታት ሆነግ ኮንግ ዝዀኑ "ልዕልና ሕጊ፡ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ናይ ምዝራብ ናጽነት፡ ናጽነት ሃይማኖት፡ ናጽነት ምትእኽኻብ" ምሕላቕ" ምስ ካልኦት ወገናት ምትሕብባር ዝብል ክሲ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ'ዩ።

እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብዋና ፈጻሚ ስራሕ ሆንግ ኮንግ ጆን ሊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ ላይ ጋዜጣኡ "ብዘይ ዕላማ ማሕበራዊ ግርጭታት ንምፍጣርን "ዓመጽ ንምትብባዕን" ከም ዝተጠቕመሉ ገሊጹ።

እቲ ሕጊ፡ "ብጕልባብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስን ናጽነትን" ዝዀነ ሰብ ነታ ሃገር ክጐድእ ፈጺሙ ከም ዘይፈቅድ ወሲኹ ገሊጹ።

ብ9 ለካቲት 2026 ድማ ተፈሪዱ።

ኣብ 2022፡ ቮንግን ቻንን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምውጽኦም፡ ላይ ምስኡ ክጽልዩ ሓቲትዎም፡ ቮንግ ተገሪሙ።

ላይ፡ ኣብቲ ንብሕቲ ዝተኣሰረሉ ሸላ ኰይኑ ካቶሊካዊ እምነት ዝያዳ ጸኒዑ። ሰብ መዚ ንብሕቱ ክእሰር ከም ዝሓተተ ይገልጹ።

ኣብ መዓልቲ ንሽዱሽተ ሰዓታት ይጽሊ ነበረ እሞ ስእሊ ክርስቶስ ይስእል ምንባሩ፤ እዚ ድማ ብፖስታ ናብ ኣዕሩኽቱ ይሰዶ ከም ዝነበረ ይገልጹ።

"ዋላ'ኳ ይሳቐ እንተነበረ፡ ኣየማርርን ኣይፈርሐን'ውን። ኣብ ናይ ባዕሉ ሰላም እዩ ነይሩ፡" ይብል ቮንግ።

ሰላማዊ ህይወት፡ ጂሚ ላይ ንመብዛሕትኡ ህይወቱ ዝሰዓቦ ኣይነበረን።

ንሱ፡ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ንዝሓሸ ህይወት ካብ ቻይና ሃዲሙ፡ ብስራሕን ሃብትን ንኽዓቢ ኣብቲ ኣድካሚ ሰንሰለት ፋብሪካታት ሰሪሑ፤ ፍሉጥ በዓልቲ ሃብቲ ሆንግ ኮንግ ምስ ኰነ ድማ፡ ሚድያኡ በይጂን ወሲዳቶ።

ሆንግ ኮንግ፡ ንላይ ኵሉ እቲ ቻይና ዘይኰነትሉ እያ ነይራ - ርእሰማላዊት፡ ዓዲ ዕድላትን ደረት ኣልቦ ሃብትን፡ ከምኡ'ውን ነጻ።

ንሱ ብ1959 ናብ ሆንግ ኮንግ ክመጽእ ከሎ፡ ገና መግዛእቲ እንግሊዝ እያ ነይራ፤ ኣብኡ ዓወት ረኺቡ - ድሕሪኡ ድማ ድምጺ ረኺቡ።

ጋዜጣ ኣፕል ደይሊ ኣብ 1995 ድሕሪ ምዝርጋሓን ዳርጋ ብቕጽበት ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መሸጣ ዘለዋ ጋዜጣታት ኰይና። ብሞዴል ዩኤስኤ ቱደይ ዝተቐረጸት ኰይና ኣብ ቅርጺን ኣቀማምጣን ጋዜጣታት ሰውራዊ ለውጢ ኣምጺኣ፣ ዋጋታት ኣዐርዩ ክጐድል ገይራ።

ካብ መምርሒ ምቝጻር ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ክሳብ ጸብጻባት መርመራ፡ ካብ ዓምድታት ቍጠባን ጸሓፍቲ ልብ-ወለድን፡ ንዅሉ ደረጃ ማሕበረሰብ ዘለው ኣንበብቲ ዝኸውን ትሕዝቶታት ዝነበራ ምዃና፡ ፕሮፌሰር ጋዜጠኝነት ቻይናዊ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ፍራንሲስ ሊ ይዛረብ።

ኣዳለውትን ሰራሕተኛታትን እታ ጋዜጣ ዝነበሩ "ክትገብሮ እንተደፊርካ ኣይፋል ዘይብል፡" ምትብባዕ ዝነበሮን ቍጡዕ ምዃኑን ይዛረቡ። ሓደ ኸኣ፡ ብዙሕ ግዜ ከም ዝምሕል ይዛረብ።

ዘይተለምደ፡ ነገራት ኣብ ምፍታን ዝኣምን በዓል ራኢ ነይሩ ብምባል ይገልጹዎ።

"ኣይፎን ቅድሚ ምምጽኡ'ውን እንተዀነ፡ ሞባይል ዕጫ መጻኢ ህይወት እየን ይብል ነይሩ፡" ክብል ሓደ ካብ ኤዲተራት እታ ጋዜጣ ይጠቅስ።

ንሱ ወሲኹ፡ ወትሩ "መዓልታዊ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ከም እንፈጥር፡" ብዙሓት ሓሳባት ዝመልኦ ሰብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ናይ ባዕሉ ብራንድ ዘለዎ ዓለባ ምስ ኣምጽአ'ውን ከምኡ'ዩ ነይሩ።

"እቲ ኢንዳስትሪ ኣብ ምብዳህ ፈሪሑ ኣይፈልጥን፤ ጸላእቲ ኣብ ምፍጣር'ውን ኣይፈርሕን፡" ክብል ኣብ ሓደ ተቐናቓኒ ትካል ንግዲ ዳይሬክተር ዕዳጋታት ዝነበረ ሀርበርት ቾው ገሊጹ።

ነታ ጋዜጣ ንምውዕዋዕ ኣብ ዝተሰርሐ መላለዪ፡ ሽዑ ወዲ 48 ዓመት ዝነበረ ላይ ነቲ ዝተኸልከለ ፍረ ኣፕል እናበልዐ ሰብነቱ ብዓሰርተታት ፍላጻ ክውጋእ ዘርኢ ነበረ።

እዚ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ትንቢት ኰነ።

ኣዳለውትን ሰራሕተኛታትን እታ ጋዜጣ ዝነበሩ "ክትገብሮ እንተደፊርካ ኣይፋል ዘይብል፡" ምትብባዕ ዝነበሮን ቍጡዕ ምዃኑን ይዛረቡ። ሓደ ክኣ፡ ብዙሕ ግዜ ከም ዝምሕል ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Jimmylai.substack.com

ካብ ቻይና እንክሃድም

ላይ፡ ቈልዓ ከሎ ናብ ሆንግ ኮንግ ምኻድ ክሓስብ ዝገበሮ ክስተት፡ መጀመርታ ቸኮሌት ዝጠዓመላ መዓልቲ እያ ነይራ።

ላይ ኣብ ቻይና ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ናይ ተሳፋራይ ሻንጣ ድሕሪ ምጽዓኑ፡ መቝሽሽን ቸኮሌትን ተዋሂብዎ።

ጥዒሙዋ፡ "ካበይ ከም ዝመጽአ ሓቲተዮ፣ ሆንግ ኮንግ ኢሉኒ። ከምዚ ዓይነት ነገር ጥዒመ ስለ ዘይፈልጥ 'ሆንግ ኮንግ መንግስተ ሰማይ ክትከውን ኣለዋ' ኢለዮ፡" ክብል ላይ ኣብታ ብ2007 ዝተሰርሐት 'ዘ ኮል ኦፍ ዘ ኢንተርፕረነር ' እትብል ሰነዳዊት ፊልም ተዛሪቡ ነይሩ።

ህይወት ኣብታ ብማኦ ዜዶንግ እትመርሓ ቻይና ብማዕበል ጨቋኒ ጐስጓሳት ዝተሰነየ እዩ ነይሩ - ንቻይና ኣብ ሓደ ለይቲ ኢንዱስትርያዊት ንምግባር፡ ንርእሰማላውያን "ደርባዊ ጸላእቲ" ንምውጋድ።

ኣብ ሓደ እዋን ስድራቤት ነጋዶ ዝነበሩ እንዳ ላይ ድማ፡ ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም። ኣቦኡ ድማ ገዲፉዎም ናብ ሆንግ ኮንግ ሃዲሙ፣ ኣደኡ ናብ መዓስከር ዕዮ ተላእከት።

ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ላይ፡ ንሱን ኣሓቱን ከመይ ጌሮም ካብ ገዛኦም ተጐቲቶም ከም ዝወጽኡ፡ ኣደኦም እናተደፍአትን እናተላገጸላን እንከሎ ተንበርኪኻ ክትፈሓዅ ክዕዘቡዋ ዝተገብረሉ ክስተት ጽሒፉ። እዚ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ ልሙድ ዝዀነ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትሽቝረር ናይ ምግባር ልምዲ ኰነ።

ላይ ንመጀመርታ ግዜ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ፡ "ንብዓተይ ውሒዙ ዓለባይ ኣጠልቅዩዎ፤ ኣይተንቀሳቐስኩን። ውሽጠይ ግን ብውርደት ይነድድ ነይሩ፡" ክብል ጽሒፉ።

ዓባዩ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዛንታ ብተመሳሳሊ መልእኽቲ እያ ዛዚማቶ፡ "ዋላ'ውን ዓተር ጥራይ እንተሸጥካ ነጋዳይ ክትከውን ኣለካ!" ትብሎ ነይራ።

ስለዚ ድማ፡ ኣብ መበል 12 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ መንጐ ሚልዮናት ካብቲ ኣዕናዊ ምሕደራ ማኦ ዝሃደሙ ኰይኑ- ኣብ ናብ ሆንግ ኮንግ ኣምሪሑ።

ኣብታ ናብ ሆንግ ኮንግ ዝበጽሓላ መዓልቲ፡ ኣብ ትሕቲ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ምስ ኣስታት 80 ተጓዓዝቲ ባሕሪ ኰይኑ እዩ ኣትዩ።

ሽዑ፡ ኣብ ፋብሪካ ሚተን ተቘጺሩ።

ነቲ ነዊሕ ​​ናይ ስራሕ ሰዓታት "ኣዝዩ ሕጕስ ግዜ፡ መጻኢ ከም ዘለኒ ዝፈለጥኩሉ እዋን" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብኡ እዩ ድማ ሓደ ካብቶም መሳርሕቱ እንግሊዝኛ ንኽመሃር ዝሓገዞ።

ድሕሪ ዓመታት ቃለመሕትት ይገብርን ኣብ ቤት ፍርዲ እውን ከይተረፈ ብስሉጥ እንግሊዝኛ ይምስክር ነበረ።

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመኡ ፋብሪካ ዓለባ እናመሓደረ ኣብ ዕዳጋ ኣክስዮን ገንዘብ ድሕሪ ምእካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኮሚቴክስ ኒተርስ ዝተባህለ ትካል ጀመረ። ወዲ 27 ዓመት እዩ ነይሩ።

 ጂሚ ላይ ዓርሱ ዝሃነጸ ቢልዮነር ኰይኑ፡ ኣብ 27 ዓመቱ እዩ ፈላማይ ትካል ንግዲ መስሪቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጂሚ ላይ ገዛእ ርእሱ ዝሃነጸ ቢልዮነር ኰይኑ፡ ኣብ 27 ዓመቱ እዩ ፈላማይ ትካል ንግዲ መስሪቱ

ብስራሕ ምኽንያት፡ ላይ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ኒውዮርክ ይኸይድ ነይሩ።

ኣብ ሓደ ካብቲ መገሻታቱ ድማ ንዓለም ዝርእየሉ መነጽር ዝቐየረት መጽሓፍ ተለቂሑ ኣንበበ። እዛ መጽሓፍ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ክኢላ ስነ ቑጠባ ፍሬድሪክ ሃየክ ዝጽሓፋ 'The Road to Serfdom' እያ ነይራ።

ካብዛ መጽሓፍ ክልተ ነገራት ወሲዱ፤ "ሰባት ዝህብዎ ድንገታዊ ግብረመልሲ"ን "ምልውዋጥ ሓበሬታ"ን ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ነገር ፈጢሮም ዝብል ነበረ።

ንዕኡ ድማ፡ ሓይሊ ሆንግ ኮንግ እዚ እዩ ነይሩ።

እታ መጽሓፍ ናይ ምንባብ ልምዱ ከዕቢ ገይራ። ንሓንቲ መጽሓፍ ደጋጊሙ የንብባ፤ ነፍሲ ወከፍ ብዘድንቘም ጸሓፍቲ ዝተጽሓፈት መጽሓፍ ድማ የንብባ ነበረ።

"ሓሳባት ደራሲ ናብ ጀርዲን ድሕሪት ገዛይ ክቕይሮ እየ ዝደሊ። ጀርዲን ክገዝእ እምበር ዕምባባታት ክቘርጽ ኣይደልን፡" ክብል ኣብ 2009 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ኣብ ፋብሪካ ንዓሰርተ ዓመት ከሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ተሰላችዩ። ኣብ 1981 ድማ 'Giordano' ትካል ዓለባ መስሪቱ፤ በዚ ፈላሚ ፋሽን ኰይኑ። ኣዝዩ ዕዉት ብምንባሩ፡ ታዳሺ ያናይ ጃፓናዊ ትካል ዩኒክሎ ምስ ኣበገሰ ካብ ላይ ምኽሪ ሓቲቱ።

ላይ ኣብታ ማኦ ምስ ሞተ ዕዳጋታታ ክትኸፍት ዝጀመረት ቻይና ድኳናት ከፊቱ።

"ተሓጒሱ"፡ ቻይና "ከም ምዕራባዊት ሃገር ክትቅየር እያ" ክብል ኣብታ ኣብ 2007 ዝተሰርሐት ሰነዳዊት ፊልም ገሊጹ።

ድሕሪኡ ኣብ 1989 በይጂን ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን ንዝነበረ ንዲሞክራሲ ዝድግፍ ተቓውሞታት ጨፍሊቓቶ፤ ንላይን ሆንግ ኮንግን እዚ ጨካን ዝኽሪ ኰነ። ሽዑ፡ ቻይና ኣብ 1997 ብመሰረት ኣብ መንጐ ቻይናን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተገብረ ስምምዕ ንሆንግ ኮንግ ናብ መግዛእቲ ቻይና ክትምለስ ተሓሲባ ነይራ።

ጆርዳኖ ስእሊ መራሕቲ ተቓውሞ ቲያንመንን ጸረ-በይጂን ዝብሉ ጭርሖታትን ዝሓዘ ማልያታት ይሸይጥ፡ ኣብ መላእ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝርከባ ድኳናት ድማ ንደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝድግፉ ባነራት ሰቒሉ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ምስቶም ኣብ በይጂን ዝርከቡ ተምሃሮ ሰልፈኛታት ብምትሕብባር ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰልፊ ኣካይዶም። ክሳብ 2020 ሆንግ ኮንግ ነቲ ህልቂት ብኸቢድ ሓዘን ትዝክሮ ነይራ።

ላይ ድሒሩ ክሳብ ሽዑ "ብዛዕባ ቻይና ዝዀነ ስምዒት ከም ዘይነበሮ" ገሊጹ።

ንሱ ወትሩ ነቲ ክፋል ህይወቱ ክርስዖ ይደሊ ነይሩ፤ ግን "ሃንደበት፡ ኣደይ ኣብ ጸልማት ለይቲ ትድውል ከም ዝነበረት ኰይኑ ተሰሚዑኒ"።

ላይ ኣብቲ ኣብ 1989 ኣብ ኣደባባይ ቲያንመን ዝተፈጸመ ጨፍጫፋ ንምዝካር ዝተኻየደ ናይ ሽምዓ ምብራህ ምድላው ብተደጋጋሚ ይሳተፍ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን እቲ ዝዓበየ ምንቅስቓስ ሆንግ ኮንግ ዝነበረ ካብ 2020 ጀሚሩ ተኣጊዱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ላይ ኣብቲ ኣብ 1989 ኣብ ኣደባባይ ቲያንመን ዝተፈጸመ ጨፍጫፋ ንምዝካር ዝተኻየደ ናይ ሽምዓ ምብራህ ምድላው ብተደጋጋሚ ይሳተፍ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን እቲ ዝዓበየ ምንቅስቓስ ሆንግ ኮንግ ዝነበረ ካብ 2020 ጀሚሩ ተኣጊዱ ኣሎ።

'ምርጫ ናጽነት'ዩ'

ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ላይ 'ኔክስት' ዝተሰምየት መጽሔት መስሪቱ፤ ኣብ 1994 ድማ ናብቲ ኣብ ቅትለት ቲያንመንን ወሳኒተራ ዝነበሮ "ሓራዲ በይጂን" ሊ ፔንግ ዘቕንዐ ደብዳበ ኣሕተመ።

"ዜሮ ብልሒ ዘለዎ ወዲ እንቋቑሖ ዕንቅርቢት፡" ኢሉዎ።

በይጂን ተቘጢዓ።

ካብ 1994 ክሳብ 1996 ኣብ በይጂን ዝርከብ ፍሉጥ ድኳን ጆርዳኖን ኣብ ሻንጋይ ዝርከብ 11 ፍራንቸይዛትን ተዓጽዩ።

ላይ ኣክስዮኑ ሸይጡ ካብ ኣቦ መንበርነት ወሪዱ።

"ገንዘብ ምእካብ ጥራይ እንተቐጺለ ንዓይ ትርጕም የብሉን፣ ናብ ሚድያ እንተኣትየ ግን ሽዑ ሓበሬታ የብጽሕ፤ እዚ ድማ ምርጫ'ዩ፡ ምርጫ ድማ ናጽነት'ዩ፡" ክብል ላይ ኣብቲ ኣብ 2007 ዝተዘርግሐ ሰነዳዊ ፊልም ገሊጹ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ደጋፊ ዲሞክራሲ ምንቅስቓስ ሆንግ ኮንግ "ኣዝዩ ንጡፍ ተሳታፊ" ኰይኑ፡ ምስ መራሕቲ ተራኺቡ ኣብ ስትራተጅያዊ ጕዳያት ክዘራረብ ከም ዝኸኣለ ኣብ ሆንግ ኮንግ ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣባል ባይቶ ነበር ሊ ዊንግ ታት ገሊጹ።

ንሱ ንሲሲፒ ብግልጺ ነቓፊ ኰይኑ፡ ኣብ 1994 "ንውልቃዊ ናጽነት ዝገትእ ኵሉ ስለ ዝጸልእ ምሉእ ብምሉእ ንዴሳዊ ሰልፊ'የ ዝቃወሞ፡" ክብል ጽሒፉ። ብተወሳኺ ኣብ 1997 ሆንግ ኮንግ ካብ ብሪጣንያ ናብ ቻይና ክትወሃብ ምዃና ስክፍታታቱ ከስምዕ ጀሚሩ።

"ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን መግዛእታዊ ምሕደራ፡ ደቂ ሆንግ ኮንግ ናብ ሕቑፊ ኣደ ሃገር ምምላሶም ሓበን ይስምዖም፡" ክብል ጽሒፉ። "ኣደ ሃገር ግን ዋላ ናጽነት እንተዘይብላ ከነፍቅራ ዲና?"

እቲ ስግግር ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ሽዑ መራሒ ቻይና ዝነበረ ጂያንግ ዘሚን፡ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ንሆንግ ኮንግ ከም ዘመሓድሩን እታ ከተማ ንዝቕጽሉ 50 ዓመታት ልዑል ደረጃ ርእሰ-ምሕደራ ከም ዝህልዋን ቃል ኣትዩ።

ትካል ፋሽን ጆርዳኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2014 በይጂን ኣብ ሆንግ ኮንግ ምሉእ ብምሉእ ነጻ ምርጫ ክካየድ ብምእባያ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ 'ኣምብሬላ'፡ ንላይ ካልእ ነጥበ መቐይሮ ኰይኑ።

ሰልፈኛታት ቀንዲ ንግዳዊ ወረዳታት እታ ከተማ ን79 መዓልታት ሒዞም።

ላይ መዓልታዊ ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ይርከብ ነይሩ።

"ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ክተኩሱ ምስ ጀመሩ፡ ኣነ ምስ ፋቲ እየ ነይረ፡" ክብል እቲ ሓጋጊ ኣባል ባይቶ ነበር ሊ ተዘክሮኡ ይገልጽ።

እቲ ምንቅስቓስ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ተቓውሞ ቦታታት ክዕጸው ምስ ኣዘዘ እዩ ተዛዚሙ።

መንግስቲ ግን ምንቅስቓስ ኣይገበረን።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ 2019፡ ሆንግ ኮንግ መሊሳ ናብ ናዕቢ ኣትያ፤ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ተቓውሞ፡ ሰንኪ'ቲ ናብ ዓባይ መሬት ቻይና ኣሕሊፍካ ምሃብ ዘፍቅድ ኣካታዒ ውጥን ዝስዓበ'ዩ ነይሩ።

እቲ ብሰላማዊ ሰልፊ ዝጀመረ ዓመጽ እናወሰኸ ብምኻዱ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ነታ ከተማ ናብ ሜዳ ውግእ ቀየራ።

ጸሊም ክዳን ዝለበሱ ሰልፈኛታት ሕጡብን ሞሎቶቭ ኮክቴልን ደርብዮም፤ ንባይቶ ወሪሮም ሓዊ ኣቃጺለሞ፤ ፖሊስ ዘንብዕ ትኪ፡ ጎማ ጥይት፡ መዳፍዕ ማይን ጥይትን ተኲሶም።

ላይ፡ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ተቓውሞታት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዘይተፈቕደ ጉባኤታት ብምስታፉ ን20 ኣዋርሕ ተኣሲሩ።

ሓደ ሰልፈኛ ንላይ ምርኣዩ ከም ዝገረሞ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታገሊጹ፤ "ንዓይ ምቕሉል ነጋዳይ'ዩ፤ ግን [ናብቶም ሰልፊታት] መጺኡ።"

ጂሚ ላይ ኣብቲ ኣብ 2019 ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞ ብተደጋጋሚ ይርአ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጂሚ ላይ ኣብቲ ኣብ 2019 ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞ ብተደጋጋሚ ይርአ ነይሩ

ኣፕል ደይሊ፡ ከምቲ ነቐፍቲ ዝምጕትዎ፡ ንምንቅስቓስ ጸረ-መንግስቲ ድምጺ ዝህብ ዓምዲ ሸፈነ ሂባቶ።

እታ ጋዜጣ፡ ናይ ዓመጽ ተራ ተጻዊታ ድያ ኣይተጻወትን፡ ከምኡ'ውን ላይ ኣብ ልዕሊ መርገጺኣ ክሳብ ክንደይ ቍጽጽር ከም ዝገበረት ኣብቲ ን156 መዓልታት ዝቐጸለ ፍርዲ ሃገራዊ ድሕነት ይቐርብ ነይሩ።

ላይ፡ ንጕጅለ ኣዳለውቲ "ሰባት ናብ ጐደናታት ክወጽኡ ክላቦ፡" መምርሒ ከም ዝሃበ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ወላዲ ኩባንያ ኣፕል ደይሊ ኔክስት ዲጂታል ነበርን ምስክርን ቸንግ ኪም-ሃንግ ገሊጹ።

ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ እታ ጋዜጣ ክልተ ግዜ ተወሪራ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 2021 ተዓጽያ።

እቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ላይ ናብ ኣመሪካ ከይዱ።

ኣብኡ ድማ ምስ ናይ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ተራኺቡ ብዛዕባ ኵነታት ሆንግ ኮንግ ተዘራሪቡ።

ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ቅድሚ ምጽዳቑ ሓደ ወርሒ፡ ላይ ዋላ'ኳ ውሽጣዊ ድፍኢት እንተሃለዎ፡ ኣካታዒ ጐስጓስ ብምጅማር፡ ኣንበብቲ ኣፕል ደይሊ ናብ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ንሆንግ ኮንግ ንምድሓን" ደብዳበታት ክሰዱ ተማሕጺኑ።

እዚ ዅሉ፡ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሆንግ ኮንግ ኢዱ ከእቱ ህዝባዊ ጻውዒት ከም ዝዀነ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ቶንግ፡ "ዝዀነ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፡ ሆንግ ኮንግ እንተወሓደ ካብ በይጂን ተቐባልነት ከይረኸበት ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ጽገና ክትገብር ትኽእል እያ ኢሉ ክሓስብ የብሉን፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ 2014ን 2019ን ዝተኻየደ ተቓውሞ "ፍጹም ኣንጻር ልቦና'ዩ።"

ላይ ብደገፍቲ ቤጂንግ ከም ከዳዕን ልኡኽ ምዕራባውያን እዩ ዝረአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ላይ ብደገፍቲ ቤጂንግ ከም ከዳዕን ልኡኽ ምዕራባውያን እዩ ዝረአ

በይጂን፡ ሆንግ ኮንግ ሕጂ ብሰንኪ ሕጊ ሃገራዊ ድሕነትን ካብ "ህውከት ናብ ምሕደራ" ከምኡ'ውን ናብ "ዝዓበየ ብልጽግና" ተሰጋጊራ ኣላ ትብል።

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ዝወጽኡ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ ሆንግ ኮንግ ዝርከብዎም ነቐፍቲ ግን፡ ተቓውሞ ከም ዝተጐናደበን፡ ናጽነት እታ ከተማ ድማ ብኸቢድ ከም ዝተገትአን ይዛረቡ።

ሓጋጊ ሊ ካብኣቶም ሓደ ኰይኑ፡ "መጀመርታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክመጽእ ከለኹ፡ ዘባህርር ሕልሚ'የ ዝርኢ ነይረ። ስምዒት ገበነኛነት ሓዲሩኒ፤ መሓዙትና ተኣሲሮም ከለው ከመይ ኢልና ኣብ ካልእ ቦታ ብናጽነት ንነብር?" ኢሉ ከም ዝሓሰበ ይዛረብ።

ስድራ ላይ፡ ሕማም ሽኮር ስለ ዘለዎ ብዛዕባ ጥዕናኡ ዘለዎም ስክፍታታት ብምጥቃስ ንዓመታት ክፍታሕ ክጽውዑ እኳ እንተጸንሑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝሰምዖም ኣይረኸቡን።

መንግስትን ጕጅለ ሕጊ ሆንግ ኮንግ ላይን ሕክምናዊ ድሌታቱ ይማላእ ከም ዘሎ ገሊጾም።

ካርመን ሳንግ ዝተባህለት ምስ ስድራኣ ኣብ ሆንግ ኮንግ እትነብር ሰበይቲ ወዲ ላይ፡ ደቃ ንኣባሓጎኦም - ከምኡ'ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ዘአንግዶ ዝነበረ ዓበይቲ ናይ ስድራቤት ድራር - ከም ዝናፍቑ ትዛረብ።

ደቃ፡ "ናብ ኣቦ ሓጎኦም ምኻድ ይፈትዉ ነይሮም... መስሓቕ እዩ ዝመስሎም።"

ሕጂ ዘላ ሆንግ ኮንግ ንላይ ቦታ ከም ዘለዋ ርግጸኛ ኣይኰነትን።

"ኣብ ዓይንኻ ዶሮና እንተሃልዩ፡ ተልግሶ፡ ሓቀይ?!"