እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግዝያዊ መራሒ ባንግላድሽ ኰይኑ ዝተመዘዘ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ፕሮፌሰር ዮኑስ
ንነዊሕ እዋን ፖለቲካዊ ጸላኢ ናይታ ካብ ስልጣና ዝተኣልየት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሸኽ ሓሲና - ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል መሓመድ ዩኑስ - ግዝያዊ መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ተመዚዙ።
እቲ ወዲ 84 ዓመት ተዓወቲ ሽልማት ኖቤል፡ ወ/ሮ ሓሲና ካብታ ሃገር ካብ እትሃድም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክመርሕ ተሸይሙ ዘሎ።
ፕሮፌሰር ዩኑስ፡ ብ ‘ማይክሮ ልቓሕ’ ንብዙሓት ካብ መዓሙቕ ድኽነት ኣናጊፉ ተባሂሉ ብእወታ ዝለዓል ኰይኑ፡ ሓሲና ግን ከም ህዝባዊ ጸላኢ እያ ትቘጽሮ ነይራ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ብዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ፡ ኣብቲ ‘ፖለቲካዊ ድራኸ ኣለዎ’ ዝበሎ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝተፈርዶ ማእሰርቲ ይግባይ ሓቲቱ ይርከብ።
እቲ ንወ/ሮ ሓሲና ካብ ስልጣና ኣውሪዱ ዘባረረ፡ ብተምሃሮ ዝተጐሃሃረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብወተሃደራዊ መንገዲ ዝምራሕ መንግስቲ ብምንጻግ፡ ፕሮፌሰር ዩኑስ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ጠሊቡ።
ፕሮፌሰር ዩኑስ ዋና ኣማኻሪ ግዝያዊ መንግስቲ ክኸውን ዝተበጽሐ ውሳነ፡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት መሓመድ ሻሃቡዲን፣ ወተሃደራዊ መራሕቲን መራሕቲ ተምሃሮን ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ እዩ።
ፕሮፌሰር ዩኑስ፡ "እቶም ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ተምሃሮ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ጣልቃ ክኣቱ ክሓቱኒ ከለዉ፡ ከመይ ገይረ እየ ክኣቢ?" ኢሉ።
ንሱ፡ ካብ ፓሪስ ቀሊል ሕክምናዊ መጥባሕቲ ኣካይዱ ናብ ዳካ ይምለስ ከምዘሎ ወሃቢ ቃሉ ገሊጹ።
ኣብ ባንግላድሽ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣብ መጀመርታ ሓምለ ካብ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ስራሕ ሲቪል ኣጋልግሎት ዝጸንሐ ኮታ ክስረዝ ብዝቐረበ ጠለባት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ናብ ሰፊሕ ጸረ መንግስቲ ናዕቢ ዓሪጉ።
ብድምር ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ሰልፈኛታትን ብዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ - መብዛሕትኦም ብፖሊስ ብጥይት ዝተሃርሙ ሰለማውያን ሰልፈኛታት እዮም።
ዝሓለፈ ሰኑይ ጥራይ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም፤ እታ መዓልቲ ድማ እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ብዝሒ መቕተልቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ፤ ኣማኢት መደበራት ፖሊስ እውን ተቓጺለን እየን።
ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ንዝርከብ መንበሪ እታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ነበር ድሕሪ ምውራርን ምዝማትን፡ ወ/ሮ ሓሲና ስልጣና ለቒቓ ናብ ጐረቤት ሃገር ህንዲ ከምዝሃደመት ዝዝከር እዩ።
እዚ ድማ ነቲ ንኣስታት 15 ዓመት ዝጸንሐ ዓፋኒ ዘበነ ስልጣና ሃንደበት ኣብቂዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ቍጠባ ባንግላድሽ እናዓበየ እንተኸደ’ውን፡ እታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ነበር ነቐፍታ ብምዕፋን፣ ንመራሕቲ ተቓውሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምድጓንን እዩ ስማ ዝለዓል።
ገለ ካብኣቶም ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኻሊዳ ዚያን ፖለቲከኛ ኣሕመድ ቢን ቓስምን፡ ወ/ሮ ሓሲና ሃገር ምስለቐቐት ነዊሕ ከይጸንሑ ተፈቲሖም።
ንእሽቶ ብዛዕባ ፕሮፌሰር ዮኑስ
ኣብ ጥሪ ሕጊ ዕዮ ብምጥሓሱ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክእሰር ዝተፈርደ ፕሮፌሰር ዮኑስ፡ ግዳይ ቍጥዐ ወ/ሮ ሓሲና ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ ካልእ ክስታት’ውን ተመስሪትዎ ነይሩ፤ ኣብ 2011 ንፖለቲከኛታት ባንግላድሽ ‘ኣጸሊሙ’ ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ።
ኣብ 1983፡ ድኻታት ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ንኽጅምሩ ዝሕግዝ ማይክሮ ፋይናንስ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ልቓሕ ዝህብ ግራሚን ባንክ ጀሚሩ - እዚ ኣምር ድማ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ እዩ።
ንሱ ግን፡ ካብ ግብሪ መንግስቲ ብምህዳምን ካብቲ ግዴታዊ ዕድመ ጥሮታ ንላዕሊ ኣብ ባንክ ግራሚን ብምግልጋልን ተኸሲሱ።
እዚ ድማ ካብ ስርሑ ክእለ ምኽንያት ኰይኑ - ፕሮፌሰር መሓመድ ዮኑስ ግን እዚ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ንሱ ምስቲ ባንክ፡ "እቶም በተኽ ድኻታት ከይተረፉ ናይ ገዛእ ርእሶም ምዕባለ ንምምጻእ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ" ኣብነት ብምዃን፡ ኣብ 2006 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተቐቢሉ።
ብደረጃ ዓለም'ውን "ባንኪ ድኻታት" ተባሂሉ ክፍለጥ ጀሚሩ፤ እንተዀነ ሓሲና "ደም ድኻታት ዝመጺ" ኢላ ብምጽዋዕ፡ ባንኩ ልዕሊ ዓቐን ወለድ ከም ዘኽፍል ከሲሳቶ።
መበገሲ ናይቲ ምስ ወ/ሮ ሓሲና ዝነበረ ቅርሕንቲ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኰይኑ ኣይፈልጥን፤ ብዙሓት ግን ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቛም ዝገበሮ ዘይዕዉት ጻዕሪ ምዃኑ ይኣምኑ።