እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤተ-መንግስታ ብሰልፈኛታት ዝተወረረ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካብ ሃገራ ሃዲማ
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባንግላድሽ ሸኽ ሓሲና፡ ቤተ መንግስታ ብኣሸሓት ሰልፈኛታት ድሕሪ ምውራሩ፡ ካብ ስልጣና ወሪዳ ካብታ ሃገር ከምዝሃደመት ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ካብ 2009 ጀሚሩ ንባንግላድሽ ዝመርሐት ሓሲና፡ ናብ ከተማ ኣጋርታላ ህንዲ እትኸይድ ሄሊኮፕተር ተሰቒላ ክትበርር ከምዝተርኣየት ቢቢሲ ቤንጋሊ ኣቃሊሑ።
ሓለቓ-ስታፍ ጀነራል ዋከር-ኡዝ-ዛማን ነታ ሃገር መደረ ከስምዕ እኳ ትጽቢት እንተተገበረሉ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ተደናጒዩ ኣሎ።
እቲ ኣዛዚ ነሰራዊት፡ ምስ ‘መሻርኽቲቲ ኣካላት’ ይራኸብ ከምዘሎ ግን ይንገር ኣሎ።
ሸኽ ሓሲና ካብ ስልጣና ዝወረደት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ናብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ዳካ ኣብ ዝወጹሉ ዘለዉ እዋን'ዩ።
ካልኦት ኣሽሓት ክስዕቡ ተዳልዮም ከምዘለዉ'ውን ይግመት።
እዚ ናይ ሎሚ ክስተት፡ ኣብ መንጐ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 90 ሰባት ድሕሪ ምማቶም ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ'ዩ።
ገለ ሰልፈኛታት ኣብ ዳካ ኣብ ዝርከብ ወግዓዊ መንበሪ ገዛ ሓሲና ከምዝወረሩ እውን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሰብስልጣን ኣብ ልዕሊ ጸረ-መንግስቲ ሰልፈኛታት ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ኣብ ዝወሰዱሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት 300 ሰባት ተቐቲሎም።
እቲ ናይ ተመሃሮ ተቓውሞ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰላማዊ መገዲ፡ ኣብ ስራሓት ሲቪል ኣጋልግሎት ኮታ ይሰረዝ ብዝብል ዝጀመረ ኰይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ናብ ሰፊሕ ጸረ መንግስቲ ምንቅስቓስን ሃገር-ለኸ ናዕብን ተቐይሩ።
ከይዱ ከይዱ ድማ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸኽ ሓሲና ካብ ስልጣኑ ክትወርድ ናብ ዝጽውዕ ሓያል ናዕቢ ኣምሪሑ።
ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ንዝርከብ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሸኽ ሓሲና ክዘምቱ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ይዝርጋሕ ኣሎ።
ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ካብ መንበሪ ገዛ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር መንበር፡ ሶፋ፡ ዓራትን ካልኦት ኣቝሑ ገዛን ተሰኪሞም ክኸዱ ተራእዮም።