እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሪምየርሊግ፡ ብሓደስቲ ሕጊታትን ገጻትን ተሰንዩ ሎሚ ዓርቢ ይጅምር ኣሎ
ፕረምየርሊግ እንግሊዝ ሎሚ ዓርቢ ምሸት ሰዓት ሸሞንተ ክጅምር’ዩ። ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ልዕልናኣ ክትቅጽል ክትጽዕር ትጽቢት ይግበር። ኢፕስዊች ድማ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ተመሊሳ'ላ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ሎሚ ዓርቢ ንፉልሃም ኣብ ሜድኣ ከተአንግድ’ያ። ኣብዚ ፈላማይ ሰሙን ዝካየዱ ጸወታታት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መዓልታት ተደልዲሎም ኣለዉ።
ማንቸስተር ሲቲ ሰንበት ናብ ቸልሲ ቅድሚ ምጋሻ እታ ሓዳስ ናብ ፕሪምየርሊግ ዝደየበት ኢፕስዊች፡ ንሊቨርፑል ከተአንግዳ እያ። ክልቲኦም ጸወታታት ከኣ ሰሓብቲ ናይ መኽፈቲ ግጥማት ኰይኖም ኣለዉ።
ናይዚ ዓመት ፕሪምየርሊግ፡ ምስ ኵዕሶ ብኢድ ምትንካፍ፣ ብቪድዮ ዝተሓገዘ ዳንነት (ቫር)፣ ንመጕዳእቲ ዝወሃብ ግዜን ካልእን ምትዕርራይ ክህልዎ እዩ።
ቢቢሲ ስፖርት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝጅምር ፕሪምየር ሊግ 2024-25 መንን እንታይን ሓድሽ ለውጢ ትጽቢት ይግብር ንዝብል ዳህሲሱ’ሎ።
እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ?
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት እቲ ናይ ቪድዮ ተሓጋጋዚ ዳኛ ስርዓት (ቫር) ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ንላዕሊ ገደባት ክግበረሉ እዩ።
ብመሰረት እቲ "ሪፈሪስ ኮል" [referee’s call"] ዝብል ሓድሽ መስርሕ፡ ዝዀነ ፍጻመ ብቫር ክረኣይን ክውስንን ዝግበር "እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ ዳኛ ንጹር ጌጋ ከምዝፈጸመ እንተተረጋጊጹ ጥራይ" ይኸውን።
እንተዘይኰይኑ እቲ ናይ መጀመርታ ውሳነ ናይቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ ዳኛ ኰይኑ ክጸንዕ እዩ። እዚ ከኣ ቪድዮ ዳንነት ንምሃብ ብዝብል ጸዋታ ተቛሪጹ ዝጠፍእ ግዜ ንምንካይ የኽእል።
እቲ ካልእ ለውጢ ከኣ ሸቶ ድሕሪ ምቝጻር ንጽምብል ዝጠፍእ ግዜ ዝግድብ ክኸውን’ዩ።
ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ኣካይዳ፡ ሸቶ ካብ እትቝጸር ግዜ ክሳብ ጸዋታ መሊሱ ዝጅመር ኣብ ዘሎ እዋን ዝጠፍእ ግዜ ተጸብጺቡ ኣብ መወዳእታ ክውሰኽ ይግበር ነይሩ።
ድሕሪ ሕጂ ግን ሸቶ ካብ ዝቝጸር 30 ካልኢት ምስዝመልእ እቲ ናይ ጸዋታ ሰዓት ምቝጻር ክጅምር’ዩ። ስለዚ ንኣብነት ሽዱሽተ ሸቶታት ዝተመዝገበሉ ጸወታ እንተዀይኑ ትሕቲ ሰለስተ ደቓይቕ ተወሳኺ (ዝባኸነ ግዜ ወሰኽ) ይህልዎ ማለት’ዩ።
ንሸቶ ኣብ ዝቐረበ ቦታ፡ ንናይ መጋጥምቶ ተጻወትቲ ዝዓግቱ ወይ ዝዕንቅፉ ኣጥቃዕቲ ከኣ ዝያዳ ጽኑዕ መቕጻዕቲ ይጽበዮም።
ሕጊ ኩዕሶ ብኢድ ምትንካፍ ቅሩብ ፉዅስ ዝበለ ክኸውን እዩ። ተጻወትቲ ነታ ኩዕሶ ንዘይምትካፍ ኢዶም ናብ ጎኒ ወይ ናብ ድሕሪቶም ክገብሩ ከምዘይግደዱ ተነጊርዎም ኣሎ።
ኣቀማምጣ ቅልጽሞም ወይ ኢዶም ምስ ምንቅስቓስ ኣካላቶም ብምትእስሳር ዝዳነ ክኸውን እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናብ ፍጹም ቅላዕ ዝመርሕ፡ ኰነ ኢልካ ብኢድ ዘይተተንከፈ ኩዕሶ ድሕሪ ደጊም ከም ጥፍኣት ኣይትቝጸርን።
ፍጹም ቅላዕ ብዝምልከት ድማ እታ ኩዕሶ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዘይኮነስ ኣብ ማእከል ወይ ኣብ ዙርያ እቲ ናይ ፍጹም ቅላዕ ነጥቢ ክትህሉ ኣለዋ።
ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝውቃዓሉ እዋን ተጻወትቲ ናብ ክልል (ሳንዱቕ) ቅላዕ ጥሒሶም ብምእታዎም ዝቕጽዑ፡ ሸቶ ኣብ ምቝጻር ዝዀነ ጽልዋ ምስ ዝህልዎም ጥራይ እዩ።
እዚ ማለት፡ ሓደ ተጻዋታይ ኣንጻር ጋንታ ዘሊሉ ምእታዉ ኣብ ልዕሊ ወቓዒ ፍጹም ቅላዕ ጽልዋ እንተሃልይዎ ወይ ሸቶ ይዅን ብሓላዊ ልዳት ካብ ዝተተፍአት ኵዕሶ ንዝፍጠር ዕድል እንተኸልኪሉ ከም ጥፍኣት ይቝጸር።
ብተወሳኺ ወዲ ጋንታኡ ነቲ ፍጹም ቅላዕ ዝሃርም ተጻዋቲ ጥሒሱ ብምእታው ንሓላዊ ልዳት ዝጸልዎ ወይ ዘደናግር እንተዀይኑ ወይ'ውን ሸቶ እንተ ኣመዝጊቡ ወይ ዕድል እንተፈጢሩ ዘቕጽዕ ይኸውን።
ካልእ ተወሳኺ ንእሽቶ ለውጢ ድማ ሓሙሽተ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ብሓንሳብ ወጺኦም ካብ መስመር ሜዳ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ቦታ ናይ ምድላው ምንቅስቓስ ክገብሩ (ንኣካላቶም ከራስኑ) ከምዝፍቀደሎም ተፈሊጡ’ሎ። ቅድሚ ሎሚ ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራይ ሰብነቶም ከራስኑ (ንጸወታ ከዳለዉ) ይፍቀድ ነይሩ።
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ሓዳስ ኩዕሶ እያ ክትህሉ። ‘ናይክ ፍላይት’ ዝብል ስም ዝተወሃበ እዛ ኩዕሶ፡ ብቴክኖሎጂ ‘ኤሮስካልፕት’ ዝተሰርሐት ኰይና፡ ኣየር ኣብ ዙርያኣ ብዘይ ገለ ጸገም ክጓዓዝን ብዝሓሸ ክትበርርን ትኽእል።
መን እዩ ሓድሽ? ሓደስቲ ኣሰልጠንትን ተጻወትን
ርብዒ ካብ ኣሰልጠንቲ ፕሪምየር ሊግ፡ ኣብ መኽፈቲ ሰሙን ፕሪምየሊግ እንግሊዝ ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ንፈለማ እዋን ንጋንታኦም መሪሖም ዝኣትዉ እዮም።
ንሳቶም ድማ ኣርነ ስሎት -ሊቨርፑል፡ ኤንዞ ማሬስካ - ቸልሲ፡ ራስል ማርቲን - ሳውዝሃምፕተን፡ ኪራን ማኬና - ኢፕስዊች፡ ፋብያን ሃርዘለር - ብራይተን እዮም።
ሓደስቲ ተጻወትቲ እውን ብዙሓት እዮም።
ማንቸስተር ዩናይትድ ብ52 ሚልዮን ፓውንድ ንተኸላኻላይ ሌኒ ዮሮ ካብ ጋንታ ሊል፤ ብ33.7 ሚልዮን ፓውንድ ንኣጥቃዓይ ቦሎኛ ጆሹዋ ዚርክዚ ከምኡ’ውን ተኸላኸልቲ ባየር ሙኒክ ማቲየስ ደ ሊግትን ኖሳየር ማዝራውይን ብድምር 60 ሚልዮን ፓውንድ ከፊላ ከምዘፈረመት ይፍለጥ።
ሻምፕዮን ማንቸስተር ሲቲ ድማ ንብራዚላዊ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ሳቪንዮ ብ30.8 ሚልዮን ፓውንድ ከተምጽኦ ከላ፡ ኣርሰናል ነቲ ኣብ ዩሮ 2024 ንኢጣልያ ዘስደመመ ተኸላኻላይ ቦሎኛ ሪካርዶ ካላፊዮሪ ክሳብ 42 ሚልዮን ፓውንድ ብዝግመት ወጻኢ ኣፈሪማቶ’ላ።
ብራይተን ንጋምብያዊ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ያንኩባ ሚንተህ ካብ ኒውካስል ዩናይትድ ብ30 ሚልዮን ፓውንድ ከምኡ’ውን ንማትስ ዊፈር ካብ ፈየኖርድን ብራጃን ግሩዳ ካብ መይንዝን ኣፈሪማ።
ቸልሲ ኣጥቃዓይ ባርሴሎና ማርክ ጊዩን ሓላዊ ልዳት ጋንታ ቪላርያል ፊሊፕ ጆርገንሰንን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ተጻወትቲ ከምዘፈረመት ይፍለጥ።
መንእሰይ ኣከፋፋሊ ኣርቺ ግራይ ብኣስታት 30 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ሊድስ ዩናይትድ ናብ ቶተንሃም ድሕሪ ምጽንባሩ ንፕሪምየር ሊግ ሓድሽ ተጻዋቲ ክኸውን’ዩ።
ዌስትሃም ብወገና ንጀርመናዊ ኣጥቃዓይ ኒክላስ ፉልክሩግ ካብ ዶርትሙንድ፤ ንብራዚላዊ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ልዊስ ጊልሄርመ ካብ ፓልሜራስ ኣምጺኣ'ላ።
ሓደስቲ ጋንታታት - ነዊሕ ዝጸንሐ ትጽቢታ ዝተመለሰላ ኢፕስዊች
ካብተን ናብ ፕሪምየርሊግ ዝደየባ ሰለስተ ጋንታታት እተን ክልተ ምስቲ ሊግ ጽቡቕ ሌላ ኣለወን። እተን ጋንታታት ከኣ ሌስተር ሲቲን ሳውዝሃምፕተንን እየን።
ኢፕስዊች ታውን ግን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ናብቲ ሊግ ምድያባ ንብዙሓት ዘገረመ ብቕዓት ኰይኑ እዩ ሓሊፉ። ካብ ፕሪምየርሊግ ካብ እትርሕቕ ድሕሪ 22 ዓመታት እያ ተመሊሳ ዘላ።
ተጻወትታ ምስ ፕሪምየርሊግ ብዙሕ ሌላ ዘይነበሮም ክኾኑ እዮም።
ሌስተር ኣብ ሚያዝያ 2023 ንብሬንዳን ሮድጀርስ ካብ እተፋንዎ ንደሓር ምስ ሳልሳይ ኣሰልጣኒኣ ትርከብ። ኣሰልጣኒ ማሬስካ ነታ ጋንታ ናብ ፕሪምየርሊግ ክትምለስ እንተገበረ'ኳ ብድሕሪኡ ናብ ቸልሲ ተጸምቢሩ’ሎ። ኣሰልጣኒ ኖቲንግሃም ፎረስት ነበር ስቲቭ ኩፐር ድማ ተኪእዎ።
ወዲ 37 ዓመት ጂሚ ቫርዲ ዝሓለፈ ዓመት ብ20 ሸቶታት ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶኣ ነይሩ።
ራሰል ማርቲን ንሳውዝሃምፕተን ካብ መስከረም ክሳብ ለካቲት 25 ጸወታታት ከይተሳዕረት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ፕሪምየር ሊግ ክትምለስ ዘብቅዓ ኣሰልጣኒ እዩ።
ውድድር ዋንጫ
ማንቸስተር ሲቲ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ግዜ ዋንጫ ከይትወስድ ዝገትኣ ይህሉ’ዶ ይኸውን?
ሲቲ 4 ተኸታተልቲ ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ክትዓትር ዝኸኣለት ናይ መጀመርታ እንግሊዛዊት ጋንታ እያ። ንሓምሻይ ግዜ ክትወስዳ’ዶ ትኸውን?
ኣርሰናል ቀንዲ መወዳድርታ ንምዃን ተስፋ ኣለዋ።
ብሚከል ኣርቴታ እትስልጥን ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሓያል ተወዳዳሪት ኰይና ምዝዛማ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ክሳብ መወዳእታ ተፋጢጣ ካብ ሲቲ ብኽልተ ነጥቢ ብምድሓር ካልአይቲ ኰይና ዛዚማ።
ሊቨርፑል እውን ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዋንጫ ዝዓተረት ካልእ ተወዳዳሪት ጋንታ እያ።
ሎሚ ከኣ ካብ ድሕሪ 2015-16 ንፈለማ እዋን ብዘይ ኣሰልጣኒ ጀርገን ክሎፕ ናብ ግጥም ፕሪምየርሊግ ክትኣትው ተገዲዳ’ላ።
ምስ ጋንታ ፈየኖርድ ሊግ ሆላንድ ዝተዓወተ ኣርነ ስሎት ነታ ጋንታ ሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ብኣሰልጣንነት ክወፍር’ዩ።
ማንቸስተር ዩናይትድ እውን ዝሓሸ ዓመተ ስፖርት ከተሕልፍ ተስፋ ትገብር።
ቸልሲ ግን ካልእ ኣሰልጣኒ ድሕሪ ምቕያራን ብዝሒ ዘለዎም ተጻወትቲ ድሕሪ ምፍራማን እንታይ ትጽቢት ከምዝግበር ምግማቱ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ።
ቶተንሃም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝረኸበቶ 5ይ ደረጃ ምምሕያሽ ንምግባር ክትዕጠቕ ትጽቢት ይግበር።