ህወሓት ከም ሓድሽ ውድብ ንኽምዝገብ ዝተወሃቦ ውሳነ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ፡ በቲ ውድባት ፖለቲካ ብፍሉይ ኩነታት ንምምዝጋብ ዝወጽአ ኣዋጅ መሰረት ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ህወሓት ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርግሖ በዓል ሰለስተ ገጽ መግለጺ፡ “ዘቕርበክዎ ካልእ ዝተመለሰለይ ግን ካልእ” ክብል ሓቢሩ።

“ህወሓት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንጽር ውዕሊ ፕሪቶርያን ሕዚ ካብ ዘለዎ ጭቡጥ ምንቅስቓስን እቲ ዝተሰረዞ ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ’ዩ” ይብል እቲ መግለጺ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ምምላስ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ይምልከቶም ዝበልዎም ትካላት መንግስቲ ፌደራል ክላዘቡ ከምዝጸንሑን “እወንታዊ ምላሽ” ረኺቦም ምንባሮምን ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ’ሎ።

ይኹን እምበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ “በቲ ዘቕረበናዮን ዝተላዘብናሉን” ዝበልዎ ዘይኮነስ በቲ ኣብ 2016 ዝወጽአን ውድባት ፖለቲካ “ብፍሉይ ኩነታት” ዝምዝገብሉ ሓድሽ ኣዋጅን መሰረት መዝጊቡ ደብዳቤ ከምዝለኣኸሎም ህወሓት ይገልጽ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ነሓሰ 3 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝወጽአ ሓድሽ ኣዋጅ ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን መመሓየሺ ስነ ምግባርን፡ ብዛዕባ ምምላስ ቅድሚ ሕጂ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ዝብል ዓንቀጽ ስለዘይብሉ ህወሓት ዘቕረቦ ሕቶ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ካብ ዝምስረት 50 ዓመቱ ክመልኦ ሒደት ኣዋርሕ ዝተረፎ ህወሓት፡ ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ናይ ምብታን ሓደጋ ከምዝገጠሞን ኣብ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ከምዝጠሓለን ዝገለጸ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን እዩ ነይሩ።

ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ንጉሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኮሚሽን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ-ህወሓት ከም ብሓድሽ ‘ብፍሉይ ኩነታት ክምዝገብ’ ዝሃቦ ፍቓድ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ “እቲ ህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘይፈልጦ፤ ንሕና ድማ ነዚ ምዝገባ ኢልና ዝፈረምናዮ ዝኾነ ዓይነት ሰነድ እንከይሃለወ ውልቀሰባት ብጕጅለ ተወዲቦም ዝገበርዎ ዘይግቡእ ተግባር እዩ” ብምባል ተቓዊሙ።

ንሱ ኣስዒቡ “ብሽም ህወሓት ምዝገባ ዝሓተቱ ውልቀሰባት ፍቓድ እንከይሓተቱ ዝፈፀምዎን ስኑዕ ሰነድ መሰረት ብምግባር ዝተዋህበን’ዩ” ብምባል፡ እቲ ዝተገበረ ከይዲ ርትዓዊ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ “ነዞም ውልቀሰባት” ዝሃቦ ምዝገባ ዳግማይ ክምርምሮ ሓቲቱ።

ቤት ጽሕፈት ህወሓት ንውሳነ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበሎን ቅድሚ ሕጂ ዝተሰረዞ ሕጋዊ ሰብነቱ ክሳዕ ዝምለሱ ድማ ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ፖለቲካዊ ስራሕቱ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነቶም ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይኖም “ዝተጭበርበረ ሰነዳት ብምሓዝ ህወሓት ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ” ተንቀሳቒሶም ዝበሎም መሪሕነት እቲ ውድብ ከምዝቓለሶምን “ስዒቡ ንዝመጽእ ዝኾነ ጉድኣት ተሓተቲ ምዃኖምን” ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ “ህወሓት ሕጋውነት ገና ብቦር መረጻ ከይተረጋገጸ እንከሎ ጉባኤ ዘካይድ እንተኾይኑ ዳርጋ ኵናት ምእዋጅ’ዩ” ዝብል ሓሳብ ሂቡ ነይሩ።

ህወሓት ንስርዓት ደርግ ብወተሃደራዊ ስዒሩ መንግስታዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ምቕላስ ዓብይ ተራ ዝነበሮ ውድብ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ምምጻኡ ተኣሳሰሩ ድማ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ትግራይ ክድረት ተገዲዱ ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ናይ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኵናት ድማ ብደረጃ ሃገር ዝነበሮ ሕጋዊ ኣፍልጦ ተሰሪዙ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ናይ ዝለሓዀ ኵናት ከብቅዕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ተደራዳሪ ኣካል ኮይኑ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ።