ሓድሽ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብዛዕባ ዘይፍለጡ በረርቲ ነገራት (ዩፎ) እንታይ ኢሉ?

ኣብ 1950ታትን 60ታትን ብበዝሒ ተራእዮም ዝተባህሉ ዘይፍለጡ በረርቲ ነገራት (ዩኤፍኦ ወይ ዩኤፒ) ፈተነታት ምዕቡላት ነፈርቲ ስለላ ኣመሪካን ናይ ጠፈር ቴክኖሎጅን ምንባሮም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ደምዲሙ፡፡

ሰብመዚ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ፍጡራት ምርካቡ'ውን ‘‘ዝኾነ መርትዖ የለን’’ ኢሎም፡፡

ብመሰረት እቲ ብዓርቢ ናብ ባይቶ ዝቐረበ ጸብጻብ መብዛሕተኦም እቶም ተራእዮም ዝተባህሉ በረርቲ ነገራት ተራ ኣካላት እዛ መሬት እዮም፡፡

እንተኾነ እቲ ሰብመዚ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ነቲ ብዛዕባ ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ጓና ፍጡራት ዝምልከት ኣብ ማሕረሰብ ዘሎ እምነት ክድምስሶ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ይኣምኑ፡፡

‘‘ዘይፍለጡ ጓና ክስተታት (ዩኤፒ) ብዝምልከት ኣብ መደባት ቴሌቪዥን፣ መጻሕፍቲ፣ ፊልምታት፣ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚድያን ሓበሬታታት ምብዘሖም፡ ማሕረሰብ ኣብዚ ዛዕባ ኣብ ዝገብሮም ዘተታት ጸቕጢ ኣሕዲሮምን ኣብ ገሊኡ ክፋል ማሕበረሰብ ዘሎ እምነት ክሰፍሕ ገይሮምን እዮም’’ ይብል እቲ ጸብጻብ፡፡

እቲ ጸብጻብ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዩፎታት ዘካይዶ ሰፊሕ መጽናዕቲ እዩ፡፡

እቲ ጻዕሪ ምስ ሰብመዚ ናሳ ዝተገበሩ ኣኼባታትን ናይ ባይቶ ምስክርነትን ዝሓወሰ እዩ፡፡

መንግስቲ ነፋሪትን ቅሪታት እቶም ዘይፍለጡ ፍጥረታትን ረኺቡን ኣብዞም ፍጥረታት ዝገብሮ ምርምር ብሕቡእ የካይዶ ኣሎን ዝብሉ ‘‘ዝቐጸሉ ተረኻት’’ ማሕበረሰብ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ነቲ ጸብጻብ ብኽፉት ኣእምሮ ከምዝተመልከትዎን ካብ ካልእ ዓለም ብዛዕባ ዝመጹ ፍጥረታት ዝኾነ መረዳእታ ከምዘይረኸቡሉን ተዛሪቡ፡፡

ሜጀር ጀነራል ፓት ረይደር ‘‘ ኣብ ኩሉ ብርኪታት ዝተኻየዱ ምርመራታት፡ እቶም ዝተርኣዩ ነገራት ተራ ኣካላትን ናይ ግጉይ ርድኢት ውጽኢትን ከምዝኾኑ እዮም ደምዲሞም’’ ኢሉ፡፡

ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ምእካብ ርእይቶታት፡ ልዕሊ 40 ምኢታዊት ኣመሪካውያን ጓና በረርቲ ነገራት ናብ መሬት በጺሖም እዮም ኢሎም ከምዝኣምኑ የረድእ፡፡ እዚ እምነት ካብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ 33 ምኢታዊት ዝወሰኸ እዩ፡፡

እቶም ኣጽናዕቲ ንድሕሪት ክሳብ 1945 ተመሊሶም መንግስታዊ መጽናዕቲታት መርሚሮም እዮም፡፡ ኣብ 1961 ልሒኹ ወጺኡ ነይሩ ብዛዕባ ዝተባህለ ጸብጻብ ዩፎ ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣረጋጊጾም፡፡

እቶም ኣብ 1950ታትን 60ታትን በዚሖም ዝነበሩ ዩፎታት ርእይና ዝብሉ ጸብጻባት እቶም ኣብቲ እዋን ዝምዕብሉ ዝነበሩ ሓደሽቲ ቴክሎጂታት ዝፈጠርዎም ከምዝኾኑ እዮም እቶም ተመራመር ዝኣምኑ፡፡

ካብኣተን ኣብ ልዑል ብራኸ ዝበርራ ፍሕኛታት፡ ንኣብነት ሓንቲ ኣብ 1947 ኣብ ከባቢ ኒው ሜክሲኮ ድሕሪ ምውዳቓ ጥርጣረታት ዩፎ ዘስዐበት፡ ከምኡ ድማ ዩ-2 ዝዓይነታ ነፋሪት ስለላ ይርከበአን፡፡

ማእከላይ ስለላ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ጸብጻባት ዩፎ፡ ኮለላታት ነፈርቲ ኣመሪካ ከምዝኾኑ የረድእ፡፡

መንግስቲ ኣመሪካ ንዓሰርተታት ዓመታት መጽናዕቲታት ዩኤፒ ዘካየደ ኮይኑ፡ መብዛሕተኦም ብምስጢር ዝተታሕዙ እዮም፡፡

ዋላኳ ዝሑል ኲናት ምዕባለ ቴክሎጂ ዘፋጠነ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ ዘሎ እምነት ምጉዳልን ኣብ ኢንተርነት ዝፈሪ ጸብጻባትን ጉዳይ ዩፎ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብዚ እዋን ከምዝተላብዐ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ፡፡

ብተወሳኺ በዝሒ ዩፎ ርእይና ዝብሉ ካብ 50 ከሳብ 100 ምኢታዊት ብዝበሃል ብርኪ ይዓቢ ከምዘሎን መንግስቲ መረዳእታታት ይሓብእ እዩ ዝብል ጥርጣረታት ከምዝወሰኸን እቲ መጽናዕቲ የመልክት፡፡

ኣብ 2023 ነበር በዓል መዚ ድሕነት ደቪድ ግራሽ፡ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ባይቶ ቀሪቡ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ጓና ኣካላትን በረርቲ ነገራትን ሒዙ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ፡፡ ንሱ እዚ እምነቱ ካብ መዛግብቲ፣ ቅዳሓትን ምስ መሳርሕቱ ዝገበሮም ዕላላትን ዝብገስ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ተራእዮም ብዛዕባ ዝተባህሉ ክስተታትን ወረታትን ተወሳኺ ጸብጻብ ከምዘቕርብ እውን ኣፍሊጡ፡፡