ዝተለቈመን ክብተኽ ዝበለን ቻርጀር ምጥቃም ንስልክና ከም ዝጐድእ ንፈልጥ’ዶ?

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክብተኽ ዝበለን ዝተለቈመን ቻርጀር ሞባይል ሳዕቤን ዘይብሉ’ዩ ዝመሰልና። ይኹን’ምበር፡ ሓሓሊፉ ትጽቢት ዘይገበርናዮ፤ ካብኡ ብዝዘለለ ድማ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል።

ከምዚኦም ዝበሉ ዝተበላሸውን ዝተጸጋገኑን ናይ ቻርጀር ገመዳት፡ ኣብ ልዕሊ ቴሌፎንና ወይ’ውን ኣብ ነብስና ከስዕቡዎ ዝኽእሉ ጸገማት ኣለው።

1 ብኤሌክትሪክ ምትሓዝ

ብዝተበጣጠሰን ዝተለቛቘመን ገመድ፡ ስልክኻ ምምላእ፡ ብኤሌክትሪክ ናይ ምትሓዝ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዓለም ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ዝጠፍአ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሓሓሊፉ ምስ ስልክና ዘይጠዓዓሙ ወይ’ውን ኦሪጅናል ዘይኰኑ ቻርጀራት ክንጥቀም እንከለና’ውን ከምዚ ዓይነት ጸገም ክኽሰት ይኽእል።

ኣብ ለንደን ኣብ ዙርያ ድሕነት ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ሓደ ትካል፡ “ተመሳሲሎም ዝስርሑ ቻርጀራት ሓደገኛ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ይብል።

ብዙሓት ኦረጅናል ዘይኰኑ ቻርጀራት ብምእካብ ብዝገበርናዮ ምጽራይ “98 ሚኢታዊት ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ጉድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ’ዮም” ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ ኣሎ።

2 ሓውን ነትጕን

ትኽክለኛ ዘይኰኑ ቻርጀራት ሓደጋ ሓዊ ከስዕቡ ይኽእሉ’ዮም።

ስኑዓትን ጸገም ዘለዎምን ገመዳት፡ “ስልክና ልዕሊ ዓቐን ክረስንን ክፍንድእን ክገብሩዎ ይኽእሉ’ዮም። በዚ ምኽንያት ስልክና ካብ ጥቕሚ ወጻእ ክኸውንን ከቢድ ጉድኣት ከስዕብን ተኽእሎታት ይፍጠሩ” ክብል እቲ ትካል ድሕነት የጠንቅቕ።

“ስኑዓት ቻርጀራት ዝስርሕሉ እታወታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኤሌክተሪክ ናይ ምትሓዝ፣ ውሽጣዊ ክፋል ቴሌፎንና ናይ ምቅጻልን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክፍጠርን ክገብሩ ይኽእሉ”።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ሓዊ ዝምልከት ማፕሬ ፋውንዴሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብዚኦም እቶም 25 ሚኢታዊት ብምኽንያት ገመዳት ኤሌክትሪክ ዘጋጥሙ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ድማ ጸገም ዘለዎም ገመዳት ቻርጀር ዘበግሱዎ’ዩ ይብል።

3 ባትሪ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ምግባር

ስኑዓት ወይ ዝተለቛቘሙ ቻርጀራት ስልክና ክቃጸል’ዮም ዝገብሩ። ይኹን’ምበር፡ ከምዚ ዓይነት ቻርጀራት ክንጥቀም እንከለና ዓቕሚ ባትሪ እቲ ቴሌፎን እናደኸመ ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ዝዀነሉ ዕድል ይፍጠር።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ጸገም ዘለዎም ቻርጀራት ናይ ስልክና ባትሪ ዘድልዮ መጠን ሓይሊ ክንድ’ቲ ክኸውን ዝግብኦ ስለ ዘይኰነ እቲ ባትሪ ቀስ ብቀስ ይቐትሉዎ።

ኣብ ዝዀነ ክፋሉ ክብተኽ ዝበለ ወይ ዝተበትኸ ቻርጀር እንተሃልዩ፡ ብፕላስተር ወይ ካልእ ነገር ምልቋምን ምሽፋንን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቴሌፎንና ዝፈጥሮ ጸገም ኣይከላኸልን።

እቲ ዝሓሸ ፍታሕ፡ ምስ ጠለብ ሓይሊ ባትሪ ስልክና ብዝጠዓዓም ኦሪጅናል ቻርጀር ምትካእ ንድሕነት ስልክና ኣገዳሲ’ዩ።

ስኑዓት ቻርጀራት ብኸመይ ንፈልጥ?

ቻርጀር ክንዕድግ እንከለና፡ ኣብ ሞንጐ ትኽክለኛን ስኑዕን ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍላጥ፡ ዓሚቕ ፍልጠት ዝሓትት ኣይኰነን ዝብሉ ሰብ ሞያ፡ ‘ፌክ’ ዝዀኑ ብቐሊሉ ክንፈልጦ ዝሕግዙ መገዲታት ከም ዘለው ይሕብሩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ቻርጀር ዝሰፈረ ጽሑፍ፡ ምልክት እቲ ፍርያትን ጽርየትን ልቢ ኢልካ ምርኣይ የድሊ።

ሶኬት፡ ጫፍ እቲ ሶኬት ርኣዩዎ፤ ስኑዕ እንተኰይኑ መብዛሕትኡ ዘንጸባርቕን ልክዕ ዘይኰነ ነገርን ክትርእዩ ትኽእሉ።

ክብደት፡ ብመሰረት እቲ ዝስርሕሉ ናውቲታት ክብደት እቲ ቻርጀር ዝተፈላለየ’ዩ፤ እቶም ስኑዓት ጥርሖም ስለ ዝዀኑ ፎከስቲ’ዮም።

ቅርጽን ዓቐንን፡ እቲ ቻርጀር ስኑዕ እንተዀይኑ እቲ መሰኵዒ ዓብዪ’ዩ ዝኸውን።

ኣተሓሕዛ ቻርጀር

ገመድ ቻርጀርና ንከይበላሾ ወይ ድማ ከይብተኽ ተጠንቂቕና ክንሕዞ ይግባእ። ተወሳኺ ወጻኢ ንከይነውጽእን ድሕነት ነብስናን ስልክናን ክንሕሉ’ውን ይሕግዘና።

ስለዚ፡ ገመድ ናይ ስልክና ቻርጀር፡ ተላጊቡ ንከይተኣሳሰር ከምኡ’ውን ጽሓይ ወይ ዋዒ ከይረኽቦ ንግበር።

ስልክና ቻርጅ ክንገብር እንከለና’ውን፡ ናይቲ ባትሪ ዓቕሚ ክውዳእ ክብል እንከሎ ክኸውን ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ስልክና ኣጥፊእና ቻርጅ ምስ እንገብር፡ እቲ ባትሪ ንነዊሕ ግዜ ክንግልገለሉ ንኽእል።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ስልክና መሊኡ ክሓድር’ዩ ብዝብል ለይቲ ሰኲዕናዮ ክንሓድር የብልናን።

ናይ ስልክና ባትሪ ንክመልእ ዘድልዮ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረክብ ምግባር ጥራይ እዩ ዘድልዮ።