ዕጽውቲ ናብ ዝዀነት ሰሜን ኮርያ ‘ሓዋላ’ ገንዘብ ዝሰርሑ ተኣምረኛታት

ምንጪ ስእሊ, JUNGMIN CHOI / BBC KOREAN
ንልዕሊ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ነቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ናብ ስድራኦም ገንዘብ ንኽሰዱ ዝሕግዞም ሀዋንግ ጂ ሱንግ ዝተበሃለ ደቡብ ኮርያዊ፡ “እቲ መስርሕ ልክዕ ከምዚ ንስለያ ዝምልከት ብፊልም እንርእዮ’ዩ፡ ህይወትካ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ዝስራሕ ስራሕ’ዩ” ይብል።
ካብ ቅድሚ ዓመታት ጀሚሮም ሰሜን ኮርያውያን ነቶም ካብ ደቡብ ኮርያ ዘለዉ ስድራኦም ሰልዲ ንዝመጽኦም ሰባት፡ ‘ሃላሳን ስተም’ ዝብል ስም ከምዘጠመቕዎም ሀዋንግ ጂ ሱንግ ይገልጽ።
ሃላሳን ካብቲ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ዘለዎ ሃላ ዝብሃል እምባ ዝርዓመ’ዩ።
ሀዋንግ “ሃላሳን ስተን ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት እኹል ሰልዲ ስለዘለዎም ኣዝዮም ተባሃግቲ’ዮም” ብምባል ብሕብረተሰብ ዝውሃቦ ክብሪ ልዕሊ ኣባላት ደሳዊ ሰልፊ እታ ሃገር ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ 2023 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ሃዲሞም ዝኣተዉ ሰሜን ኮርያውያን እቶም 63 ሚእታዊት ናብቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘለዉ ስድራኦም ሰልዲ ከምዝሰዱ የርኢ።
ኣብዚ እዋን ግን ካብ ደቡብ ኮርያ ናብ ሰሜን ኮርያ ሰልዲ ክልእኩ ዝደልዩ ሰባት ስለዝወሰኹ እቲ መስደዱ ክፍሊት ኣዝዩ ይውስኽ ከምዘሎ ይግለጽ።
እቲ መስርሕ ምስዳድ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኰይኑ ናይቶም ሓወልቲ መርበብ ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ዝርገሐ ኣለዎ።
ካብ ቻይና ተሓቢአን ናብ ደቡብ ኮርያ ብዝኣተወ ተሌፎናት እቲ ርክብ ሓወልትን ኣብ ሰሜን ኮርያን ዘለዉ ተቐበልቲ ይፍጠር፡ እቶም ሓወልቲ ነቶም ተቐበልቲ ምስጢራዊ ኮድ ይህብዎም፡ ኣብ ኣዝዩ ጽሙውን ካብ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታን ኰይኖም ከኣ እቲ ምቕብባል ናይ ሰልዲ ይፍጽምዎ።
ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ሕጋዊ ምዝውዋር ሰልዲ ዝርከቦ ዝዀነ ዓይነት ርክብ ስለዘይብለን እቲ መስርሕ ብኣዝዩ ዓቢ ጥንቓቐን ብብዙሕ ዋጋን’ዩ ዝካየድ።
ካብ 2020 ጀሚሩ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ነቲ መርበብ ናይ ሓወልቲ ንምብታኽ ኣብ ዓቢ ጻዕሪ’ዩ ዝርከብ።
ንሱ ብስም ሰልዲ ካብ ደቡብ ኮርያ በካሊ ዝዀነ ባህሊ ይመጽኣና ኣሎ በሃሊ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, JUNGMIN CHOI / BBC
ኣብ ስራሕ ሓዋላን ኣብ ምቕባልን ዝተረኸቡ ሰባት ናብቲ ኣማኢት ኣሽሓት ፖሎቲካውያን እሱራት ሞይቶሙሉ ከምዝኾኑ ዝእመን ካዋሊ ሊ ሶ ዝተብሃለ ኣዝዩ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ’ዮም ዝውሰዱ።
ጆ ሱ ይወን ንሀዋንግ ጂ ሱንግ ብዓልቲ ቤቱ’ያ ንሳ’ውን ሰልዶ ኣብ ናብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምሕዋል ትሰርሕ’ያ።
ንሳ “ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ዝነበረ ብምንጽጻር ቁጽሪ ናብ ሰሜን ኮርያ ሰልዲ ዝሕውሉ ዝነበሩ ብ70 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ” ትብል።
ደቡብ ኮርያ’ውን ነቲ ናብ ሰሜን ኮርያ ዝግብር ናይ ሰልዲ ሓዋላ ከልኪላቶ’ያ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ከምኡ ኣይነበረን።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ኣብ ኣውራጃ ግየንጊ ዝርከብ መንበሪ ጆ ሱ ይወን ሀዋንግ ጂ ሱንግን ብምምጻእ ንስርዓተ ሸርፊ ጥሒስኪ ብምባል ንቤታ ወሪሮሞ።
ብዘይካኣ ብውሕዱ ሸውዓተ ዝኾኑ ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ደቡብ ኮርያውያን’ውን ይምርመሩ ኣለዉ።
ቢቢሲ ንጆ ሱ ይወን ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ደቡብ ኮርያ’ኳ እንተሓተተ መልሲ ግን ክረክብ ኣይክኣለን።
ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ ንሀዋንግ ጂ ሱንግ ዝዀነ ካብ ደቡብ ኮርያ ናብ ሰሜን ኮርያ ዝግብር ምስግጋር ናይ ገንዘብ በተን ሕጋውያን ባንክታት ክካየድ ከምዘለዎ’ዮም ሓቢሮሞ።
ንሱ ኸኣ “ሕራይ ካብ ደቡብ ኮርያ ናብ ሰሜን ኮርያ ሰልዲ ተሰጋግር ባንኪ እንተሃልያ ሓብሩኒ” ድሕሪ ብምባል፡ ክልቲአን ሃገራት ዳርጋ ኣብ ኲናት ስለዘለዋ ብወገን ሰሜን ኮርያ’ውን ካብዚ ንዝተሰደደ ሰልዲ ክቕበል ዝኽእል ትካል ከምዘየለ ገሊጽሎም።
ምስጢራውያን ደወላት
እቲ መስርሕ ክጅምር እንከሎ ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ ሰሜን ኮርያውያን ናብቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከቡ ስድራኦም በተን እቶም ሓወልቶም ዝህብዎም ናይ ቻይና ሲም ካርድ ዝጥቀማ ቴሌፎን ገይሮም ይረኽብዎም።
እቲ ደወል ናብ ዶባት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ቀሪብካ ‘ኔት ዎርክ’ ንምርካብ ኣብ ጎቦታታት ደይብካ’ዩ ዝካየድ።
ድሕሪ ናይ ሰዓታት ትጽቢት ምስ ስድራኦም ዝገብርዎ ዝርርብ፡ ብሰለያ ሰሜን ኮርያ ከይጭወ ብምስጋእ ብቕልጡፍ ንስድራኦም ክንደይ መጠን ሰልዲ ከምዝቕበሉ ይሕብርዎም።
እዚ ዘረባ ምስ ተወድአ፡ እቲ ኣብ ሰልዲ ክሰድድ ዝደለየ ሰሜን ኮርያዊ፡ ብመንገዲ እቶም ሓዋሎ ኣብ ቻይና ናብ ዘሎ ቍጽሪ ሕሳብ ሰልዲ የስግር፡ ቻይና’ውን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰልዲ ብደቂቕ ስለእትከታተሎ ጥንቃቐ ብዝተሓወሶ ኣገባብ’ዩ ዝካየድ።
እቲ ኣብ ቻይና ኰይኑ ሰልዲ ዝተቐበለ ሓዋሊ ከኣ ብናቱ መንገዲ እቲ ሰልዲ ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝኣቱ ይገብር።
ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ደሓን ክበሃል ዝኽእል ርክብ ስለዘለዋ’ዩ እቲ ሰልዲ ካብ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝኣቱ ዝግበር።
እቶም ሰልዲ ዝሕውሉ ሰባት ናብ መላእ ሰሜን ኮርያ ሰልዲ ንምብጽጻሕ ኣብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲኦም ዝሰርሑ ብዙሓት ሰባት’ዮም ዘለዉዎም።
ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ኣከፋፋሊ ሰልዲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ካብታ ሃገር ኣብ 2013 ሃዲሙ ዝወጽአን ኪም ጂን ስዮክ “እቶም ሰልዲ ዘከፋፍሉ ሰባት ንሓድሕዶም ኣይፋለጡን’ዮም እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ’ዩ ዝግበር፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ስለዘሎ ሓደ እንተተታሒዞ ንዅሎም ክልክሞም ይኽእል’ዩ” ይብል።
እቶም ሓዋሎ ነቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከቡ ተቐበልቲ ገንዘብ መረዳድኢ ኮድ ይህብዎም’ዮም፤ እዚ ከኣ መዓስን ኣበይን ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ኣቐዲሙ ብዝወሃቦም መምርሒታት ብኮድ’ዮም ዝረዳድኡ።
ኣብ ሰሜን ኮርያ ልዕሊ 800 ዓማዊል ዘለዉዎ ሀዋንግ ጂ ሱንግ ሓደ-ሓደ ግዜ እቶም ሰልዲ ዝተለኣኾም ስድራቤታት ካብ ፍርሒ ነቒሎም ሰልዲ ምቕባል ከምዝኣብይዎ ይሕብር።
“ዝዀነ ብስለያ ሰሜን ኮርያ ዝተዳለወ መጻወድያ ከይከውን ስለዝፈርሑ፡ ካብ ከዳዓት ሰልዲ ኣይንቕበልን ኢና” ኢሎም ከምዝኣብይዎ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, JUNGMIN CHOI / BBC KOREAN
እቶም ሓወልቲ ካብቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ኮይኖም ሰልዲ ክሰዱ ዝደልዩ ሰባት ዝቕበልዎ ገንዘብ፡ 50 ሚእታዊት ቈሪጾም’ዮም ነቲ 50 ሚእታዊት ናብ ስድራኦም ዘብጽሕሎም።
ሀዋንግ ጂ ሱንግ “እቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከቡ ሓወልቲ 500 ክሳብ 600 ሽሕ ዎን ንምርካብ ህይወቶም’ዮም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ” ይብል።
ንሱ ምስዓብ “እንተተታሒዝካ ብውሕዱ ን15 ዓመታት ኢኻ ትእሰር፡ ስለያ ኢኻ ኢሎም እንተጠርጢሮምኻ ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዋን ሊ ሶ የእትውኻ” ይብል።
ሀዋንግ ጂ ሱንግ ብመንገዲ እቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘለዉ ተሓበበርቱ ኣቢሉ ሰልዲ ዝለኣኸሎም ሰባት ዝሃብዎ ናይ ቃል ምስክርነት’ውን ንቢቢሲ ከርኢ ክኢሉ’ዩ።
ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ እናበኸየት፡ “ብሰንኪ ጥምየት ክሳብ ሳዕሪ ክበልዕ ዝተገደድክሉ ግዜ ነይሩ’ዩ” እናበለት ክትዛረብ ትስማዕ።
ኣብ ተመሳሳሊ ቪድዮ ካልእ ሰበይቲ፡ “ኣብዚ ሕማቕ ኢና ዘለና 100 ግዜ ከመስግነካ እፈቱ” ትበል።
ሀዋንግ ጂ ሱንግ ነዚ ከምዚ ቪድዮታት ክርኢ እንከሎ ኣዝዩ ከምዝሓዝን ይገልጽ።
“ገለ ስድራኦምን ደቆምን ገዲፎም’ዮም ናብ ደቡብ ኮርያ መጺኦም፤ ሓደ መዓልቲ ክራኸቡ ምዃኖም ብምትስፋው እቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘለዉ ስድራኦም ከይጠምዩ’ዮም ዝጋደሉ ዘለዉ” ይብል።
ኣስዒቡ ሓደ ሚልዮን ዎን ንሰለስተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራ ንሓደ ዓመት ንቐለባ ከምዝኣኽላ ከኣ የብርህ።
ሕሱም ህይወት

ምንጪ ስእሊ, HANDOUT
ደቡብ ኮርያ ነቲ መስመር ሓዋላ ንምንታይ ከተቋርጾ ትደሊ ከምዘላ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
እንተዀነ ነቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ሃዲሞም ዝመጽኡ ጠበቓ ኣማኻሪ ሕጊ ፓርክ ኦወን የን፡ ስግኣት ጸጥታ ቀዳማይ ረቋሒ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
እዚ ጠበቓ፡ ደቡብ ኮርያ ነዚ ትኽተሎ ዘላ ሕጊ እንተኣኽሪራቶ ህይወት ናይቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ብሓዋላ ዝናበሩ ዘለዉ ስድራቤታት ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከምዝኽል’ዩ ዝገልጽ።
ሀዋንግ ጂ ሱንግ በዓልቲ ቤቱ ብፖሊስ ምስ ተኣሰረት ንጉዳያ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ዩ ይግባይ ኢሉሉ።
ንሱ፡ “ንሰሜን ኮርያ ብዘይ ኲናት ክንስዕረሉ ንኽእል ኣገባብ’ዩ፤ እቲ ህዝቢ ደቡብ ኮርያ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣዝያ ዝበለጸት ሃገር ምዃና ክኣምን ጀሚሩ ኣሎ፡ ንኪም ዮንግ ኡን ከኣ እዚ’ዩ ዘፍርሖ” ይብል።
ኪም ጂን ስዮክ፡ እቶም ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኮርያ ሃዲሞም ዝኸዱ ሰባት ናብ ስድራኦም ሰልዲ ከምዝሰዱ ይፍለጥ’ዩ ብምባል ደቡብ ኮርያ ነዚ መስርሕ ሓዋላ ክትክልክሎ እንተፈቲና፡ ንሱ ባዕሉ ናብ ቻይና ከይዱ ናብ ሰሜን ኮርያ ሰልዲ ምስዳድ ከምዝቕጽል ይገልጽ።
ኪም ጂን ስዮክ ኣስዒቡ፡ “ካብ ሰሜን ኮርያ ክወጽእ እንከለኹ ንደቀይ ዳግማይ ከምዘይርእዮም እናተረድኣኒ’የ ወጺአ፤ ግን ብድሕረይ ጽቡቕ ህይወት ከምዘሕልፉ ናተይ ሓላፍነት’ዩ ነዚ ከኣ ከረጋግጾ ኣለኒ” ኢሉ።
“ዝሃለወ ሓደጋ ይሃልዎ ብዝዀነ ገይርና ገንዘብ ምስዳድ ኣይከነቋርጽን ኢና” ይውስኽ ኪም ጂን ስዮክ።
ኪም ጂን ስዮክ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ መራሒ ዓባይ መኪና ኰይኑ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ናብ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ዓመታዊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዎን ንኽሰደሎም ገንዘብ ንምቝጣብ ከኣ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልታት ኣብታ መኪና’ዩ ዝድቅስ።
ነቲ ካብ ስድራኡ ብመንገዲ እቶም ሓወልቲ ዝመጽኦ ናይ ድምጺ መልእኽቲ እናሰመዐ ከኣ ናፍቘቱ የውጽእ።
ሓደ ካብቶም ደቁ፡ “ሰላም ባባ፡ ንዓና ሰልዲ ክትሰድድ ክሳብ ክንደይ ሓሳረ መከራ ትረክብ ከምዘለኻ ይርድኣኒ’ዩ፤ ምስ ናትካ ክወዳደር እንከሎ፡ እዚ ንሕና ነሕልፎ ዘለና መከራ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን” ዝብል ዝሰደደሉ መልእኽቲ ከኣ እቲ ጻዕሩ ስድራኡ ይርድእዎ ምዃኖም ‘እፎይ’ የብሎ።
እዚ ኪም ጂን ስዮክ ዝብል ስም ንደሕነቱን ድሕነት ሰድራኡን ብምስጋእ ባዕልና ዘጠመቕናዮ ስም’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







