እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢቢሲ እዋናዊ ኵነታት ሱዳን ንምሕባር ዝዓለመ ሓድሽ መደብ ራድዮ ጀሚሩ
ቢቢሲ፡ ንእዋናዊ ኵነታት ሱዳን ዝድህስስን ንህጹጽ እዋን ዝዓለመን ሓድሽ መደብ ራድዮ ቋንቋ ዓረብ ከፊቱ።
እዚ መደበር ራድዮ ንሰለስተ ወርሒ ዝቕጽል ኰይኑ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ፈነወ ከካይድ’ዩ።
ቢቢሲ ኣብዛ ሎሚ ዝጀመረት መደበር ራድዮኡ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ካብ ዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝወሃብ ሓበሬታ፡ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዝካየዱ ዘለዉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ብዛዕባ ሱዳንን እቲ ኲናትን ዝዝርጋሕ ዝንቡዕ ሓበሬታን ኣብ ምቅላዕ ክሰርሕ’ዩ።
ዳይረክተር ጀነራል ቢቢሲ ቲም ደቪ እዛ መደበር ራድዮ፡ “ኣብ ዘየላቡን ብዙሕ ዘየተኣማምንን ሃዋሁ” ትኽፈት ምህላዋ ወሳኒ ተራ ከምዝህልዋ ገሊጹ።
እቲ ፈነወ ኣብ ዖማንን ካይሮን ካብ ዘለዉ ጕጅለ ብዝተዳለወ መደባት ብቐጥታ ኣብ ለንደን ካብ ዘሎ ስቱድዮ’ዩ ክፍኖ።
እቲ መደብ ራድዮ ኣብ ሱዳን ብሓጺር ማዕበል ክስማዕ ዝኽእልን ኣብ ‘ኦንላይን’ውን’ ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ሰማዕቲ ኣበይን ብኸመይን ወሰንቲ ቀረባትን ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ ክዝርግሕ ምዃኑ’ውን ቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ።
ዳይረክተር ጀነራል ቢቢሲ ቲም ደቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ቢቢሲ ኣብ መላእ ዓለም ቅኑዕ ሓበሬታን ዜናን ምርካብ ውሑድ ኣብ ዝዀነሉ ኣገዳሲ መስመር ህይወት’ዩ ዝህብ” ብምባል ኣገዳስነት ምጅማር እዛ ራድዮ ወሳኒ ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጐ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን (ሕሜቲ) ዝነበረ ወጥሪ፡ 15 ሚያዝያ’ዩ ናብ ውግእ ዓሪጉ፤ ብፍላይ ከተማ ካርቱም ከኣ ናብ ማእከል ውግእ ተቐይራ ትርከብ።
ዳይረክተር ዎርልድ ሰርቪስ ሊልያን ላንዶር “ኣብ ሱዳን፡ ኲናት ናብ ዝኸፍአ ኵነታት ኣብ ዝዓረገሉ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ንጹር፡ ዘይሻራውን ሓቀኛ ሓበሬታን ከምኡ ከኣ ምኽሪ ኣብ ዝደልይሉ ክረኽቡ ኣለዎም” ኢላ።
እቲ መደብ ብኣቆጻጽራ ሱዳን፡ ንግሆ ሰዓት ትሽዓት ብ21510 ኪሎ ሀርዝ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ብ15310 ኪሎ ሀርዝ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ክፍኖ’ዩ።