ፈላመይቲ በዓልቲ ቤት ትራምፕ ኢቫና ዓሪፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈላመይቲ በዓልቲ ቤት ዶናልድ ትራምፕን ኣደ ሰለስተ ደቁን ኢቫና ትራምፕ ኣብ መበል 73 ዓመታ ዓሪፋ።
ትራምፕ፡ ኣብቲ ናይ ባዕሉ ዝዀነ ማሕበራዊ ሚዲያ “ዓብዪን ዘተባብዕን ህይወት ዝመርሐት ብጣዕሚ ጽብቕቲ፣ እትንኣድን ኣገራሚትን ጓል ኣንስተይቲ ነይራ” ክብል ጽሒፉ።
ኢቫና፡ ኣብታ ሕጂ ቼክ ሪፐብሊክ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገር ክትውለድ ኮይና፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 1977 ሓዳር መስሪቶም።
እንተዀነ፡ ድሕሪ 15 ዓመታት ብ1992 ዓ.ም ተፋቲሖም።
ኣብ ናይ ሓዳር ዘመኖም፡ ንዶናልድ ጁኒየር፣ ኢቫንካን ኤሪክን ኣፍርዮም'ዮም።
ኣሶሽየትድ ፕረስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ፖሊስ ምኽንያት ሞት ኢቫና ሃንደበታዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ኢቫና፡ ኣብ መደያይቦ መንበሪ ገዝኣ ውኒኣ ኣጥፊኣ ክትርከብ እንከላ፡ ምናልባት ወዲቓ ክትከውን ትኽእል ኢሎም ከም ዝግምቱ ምንጪታት እቲ ማዕከን ዜና ይገልጹ።
ዶናልድን ኢቫናን፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ ኣመሪካ ኣዝዮም ጸለውቲ ሰባት እዮም ነይሮም። ከም ውጽኢቱ፡ ጉዳይ ፍትሕ ሓዳሮም ንብዙሓት ኣዘራሪቡ።
ምስ ተፈላለዩ፡ ኢቫና ናይ ባዕላ ንግዲ ምህርታት መመላኽዒ፣ ክዳውንትን መጋየጺታትን ጀሚራ።
ኣብቲ ብ2017 ዝጽሓፈቶ ንጉዕዞ ህይወታ ዘዘንቱ መጽሓፍ ‘Raising Trump’፡ ደቃ ክሳብ ኮሌጅ ዝኣትው “ብዛዕባ ትምህርቶም፣ መዓልታዊ ንጥፈታቲም፣ ጉዕዝኦምን” ካልእን ውሳነታት ብምሃብ ከም ዘዕበየቶም ገሊጻ’ያ።
ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ፍትሕ ሓዳራ ምስ ትራምፕ ዝነበሮም ርክብ ከም ዝተመሓየሸን፡ ብዛዕብኡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ከም እተዕልልን ጠቒሳ።
ትራምፕ ድሕሪ ሕልፈታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢቫንካ “ኣብ ቢዝነስ ጉልበት፣ ዓለምለኻዊት ኣትሌት፣ ጽብቕቲ፣ ሓላይት ኣደን መሓዛን” ነይራ ክብል ናእድኡ ገሊጹ።
ጓላ ኢቫንካ፡ “ልበይ ተሰይሩ” ክትብል ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፋ።
“ኣደይ፡ በላሕ፣ ደስ ብሃሊ፣ ግድስትን ተዋዛይትን ነይራ። ኣብ ኩሉ ነገራት ጥንካረ፣ ጽንዓትን ቆራጽነትን ነይሩዋ። ህይወት ኣስተማቒራቶ እያ ሓሊፋ፤ ካብ ስሓቕን ተልሂትን ቦዂራ ኣይትፈልጥን” ኢላ።
ኢቫና፡ ዜግነት ኣውስትራሊያ ንምርካብ ብዝብል ዝተመርዓወቶ ኣልፍረድ ዊንክማር ዝተባህለ ኣውትስራሊያዊ መምህርን መሓዛን ናይ መጀመርታ በዓል ቤታ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ፡ ካብታ ኣብቲ ግዜ ቼኮስላቫኪያ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ብዴሳዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገራ ክትወጽእ ሓጊዙዋ እዩ።
ንነዊሕ ዓመታት፡ ተወዳዳሪት ምንሽርታት በረድ ዝነበት ኢቫና ኣብ ሃገራ ብልጽቲ ተወዳዳሪት ነይራ።
ኣብ 1970ታት ኣብ ካናዳ ክትነብር እንከላ፡ ኣሰልጣኒትን ሞዴልን ኰይና ትሰርሕ ነይራ። ኣብ 1976 ድማ፡ ምስ ካልኦት ሞዴላት ብምዃን ንትራምፕ ረኺባቶ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ክኣ ተመርዒዮም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ትካል ትራምፕ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ሒዛ ሓያሎ ንጥፈታት ተሰላስል ነይራ።
ብ1992 ክፋትሑ እንከለው ግን፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ሓዳሮም ንከይዛረቡ ውዕል ብምፍራም፡ 14 ሚልዮን ዶላርን ኣብ ኮነቲከት ዝርከብ ዓብዪ ኣዳርሽን ሒዛ ተፈላልዮም።
ድሕሪኡ፡ ካብ 1995 ክሳብ 1997 ንኢጣልያዊ በዓልቲ ሃብቲ ሪካርዶ ማዙቼሊ ክትምርዖ እንከላ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2009 ድማ ካልእ ኢጣልያዊ ተዋሳኢ ሮሳኖ ሩቢኮንዲ ተመርዒያ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







