ሮቤል ተኽለሚኪኤል፡ ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሊጋት ኣውሮጳ ንርእዮዶ ንኸውን?

ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሮቤል ተኽለሚኪኤል ኣብ 2000 እዩ ኣብ ኣስመራ ንእሽተይ ገጀረት ተወሊዱ።

ሮቤል ዓበይቲ ኣሕዋቱ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ስለዝነበሩን፡ ብዓቢኡ እቲ ንሱ ዝዓበየሉ ከባቢ ገጀረት ብዙሓት ተጻወትቲ ዝፈረይሉን ስለዝነበረ’ዩ ካብ ንእስነቱ ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪ ክሓድሮ ዝጀመረ።

በዚ ኸኣ፡ ኣብ ገዛውቱ ጸወታ ኵዕሶ ዝጀመረ ሮቤል፡ ናብ ጋንታ ገጀረት፡ ድሒሩ ኸኣ ናብ ዓባይ ጋንታ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ [ኤልፓ] ብምጽንባር ኣብ ማእከል ስታድዮም ኣስመራ፡ ብውሕሉል ኣጸዋውታኡ ክእለቱ ኣመስከረ፤ ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ ኣብ ኣዒንቲ ኣሰልጠንቲ ሃገራዊት ጋንታ ክኣቱ ከኣለ።

ደጋፊ ጋንታ ኣርሰናል ሮቤል፡ ኣድናቒ ሃንዳሲ ማእከል ሜዳ ኣርሰናልን ስጳኛን ዝነበረ ሰስ ፋብሪጋስ’ዩ፤ ካብዚ ድርኺት’ዚ እዩ ድማ ማልያ ቍጽሪ ኣርባዕተ ከም ዝፈቱ ዘዕልል።

ሮቤል፡ ኣብ 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ንኽትከውን ብሉጽ ብቕዓት ከርኢ እንከሎ፡ ንሱ ብውልቁ ኰኾብ ተጻዋቲ እቲ ውድድር ኰይኑ ተሸለመ።

ኣብ ቦታ ምክፍፋል ብዘርእዮ ብሉጽ ክእለት፡ ሮቤል፡ ኣብ ኣዒንቲ ብዙሓት ጋንታት ስለዝእተወ፡ ካብ ክለብ ቡና ናይ ኢትዮጵያ ጻውዒት ቀሪቡሉ፣ ምስታ ጋንታ ክጽንበር ኣብ ስምምዕ በጽሐ።

ምስ ጋንታ ቡና ተሰሊፉ ኣንጻር ሰበታ ከነማ ኣብ ዝነበረ ግጥም፡ ካብ ፍርቂ ሜዳ ዘመዝገባ ሸቶ’ውን ብሱፐር ስፖርት ዝበለጸት ሸቶ ናይ ሓደ ዓመት ኰይና ዋንጫ ክሽለም ክኢሉ’ዩ።

ሮቤል ተኽለሚኪኤል፡ ነዚን ንናይ ሕጂ ተመኵሮኡን ትዕዝብቱን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ይስዕብ፤

ቢቢሲ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትስለፍ ዝጀመርካሉ ካብ መዓስ እዩ?

ሮቤል፡ ኣብ 2016 ተዓሊም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምውሳድ ኣብ መበል 30 ዙርያ ምስ ኵሎም ስፖርተኛታት [ምስ በዓል ናትናኤል፡ ቢንያም ግርማይ] ናብ ኣፍዓበት ኬድና ኣብቲ ዓመት’የ ምስ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ፈሪመ።

ምስ ቀይሕ ባሕሪ ክልተ ዓመታት ምስ ተጻወትኩ ኸኣ፡ ብ 2018 ካብ ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ጻውዒት ቀሪቡለይ።

ኣብታ ጋንታ ንኽንምረጽ መጀመርታ ናይ ዞባታት ውድድር ኢና ኣካይድና፣ ኣነ ንዞባ ማእከል ወኪለ ተወዳዲረ ዋንጫ ወሲድና፡ ድሕሪ’ዚ’የ ተመሪጸ።

ንሃገራዊት ጋንታ ወኪለ ኸኣ ናብ ዩጋንዳ ገይሸ፣ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም’ውን ኣብ ጐድኒ በዓል ሄኖክ ጐይትኦም ዝርከብዎም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ብምዃን ኣብ ኣስመራን ኣብ ናሚብያን ተጻዊተ።

ኣብ 2019 ኣብ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዩጋንዳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ናይ 23 ዓመት ንሃገረይ ወኪለ ዝተፈላለየ ጸወታታት ኣካይደ።

ቢቢሲ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ሴካፋ ኤርትራ ብሩር መዳልያ ክትረክብ እንከላ ንስኻ ዝበለጸ ተጻዋታይ እቲ ውድድር ክትበሃል ክኢልካ ኢኻ?

ሮቤል፡ ኣብቲ ውድድር ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ምስታ ኣአንጋዲት ሃገር ዩጋንዳ እዩ በጺሑና፣ ብሓቂ ክብድ ዝበለ ጸወታ’ዩ ነይሩ።

ኣነ ከም ሮቤል ክርእዮ እንከለኹ ኣብ ተጻወታ ዓቢ ኒሕን ዘይተሳዓርነትን’ዩ ነይሩና፣ ኣብቲ ጸወታ ተሳዒርና ኢና፡ እቲ ጸወታ ኣዝዩ ጽቡቕ ካብ ምንባሩ ዝተለዓለነ ግን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ኣብ መዛዘሚ ምስ ሃገራዊት ኤርትራ ኢና ክንራኸብ ኢሉ ብርእሰ ተኣማንነት ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰይኑ ኣብ መዛዘሚ ደጊምና ተራኺብና።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ’ዩ ካብ ዝተፈላለያ ጋንታታት ጻውዒት ዝቐርበለይ ነይሩ፣ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ዴንማርካዊ’ዩ ነይሩ፣ ንሱ’ውን ንዓይ ትኸውን ጋንታ ክረኽበለይ ምዃኑ ንኣሰልጠንተይ ሓቢርዎም ነይሩ። ካብ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት’ውን ሓያለ ጻውዒታት ቀሪቡለይ ነይሩ።

ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ክኸውን ምኽኣለይ፡ ብሓፈሻ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን ካብ ዝበጻሕክዎ ደረጃ እታ ደስ ትብለኒ ህሞት’ያ ክብል እኽእል።

ቢቢሲ፡ ካብ ንእስነትካ ኢኻ ሓለቃ ጋንታ ኴንካ፣ እዚ ካብ ምንታይ እዩ?

ሮቤል፡ ሓለቃ ጋንታ ካብ ሳልሳይ ዲቪዥን እንከለኹ’የ ኰይነ። ብሓቂ ኣነ ሓለቃ ጋንታ ናይ ምዃን ባህጊ የብለይን።

እንተዀነ፡ ካብ ሳልሳይ፡ ካልኣይ ዲቪዥን ከምኡ እናበለ ኸአ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሓለቓ ጋንታ ክኸውን ክኢለ። ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ናሚብያ መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዘካየድናሉ፡ ሄኖክ ጐይትኦም እንከሎ ከመይ ኢሉ ሮቤል ሓለቃ ጋንታ ይኸውን ዝብል ዘረባታት ነይሩ’ዩ።

ባህርያተይ ኣብ ሜዳ ካብ ብንእሽተይ ክስዓር ኣይፈቱን’የ፣ ዝዀነ ሰብ ክስዓር ኣይደልይን’ዩ፡ ኣነ እንተተሳዒረ ድቃስ’ዩ ዝኣብየኒ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሓለቃ ምስ ኰንኩ ኸኣ ኣሰልጠንቲ ዘይብሉ፡ ንተጻወትቲ ናብ ክፍለይ ጸዊዐ ኣኼባ ይገብረሎም’የ፤ ንሓድሕድና ኸኣ መን እንታይ ጸገማትን ጕድለታትን ከምኡ ኸኣ ብልጫታታት ኣለዎ ኣዕሚቝና ኢና ንመያየጥ።

ሓደ መዘናኻ ጕድለታት ክነግረካ እንከሎን እቲ ሓበሬታ ብኣሰልጣኒ ክመጽኣካ እንከሎን በበይኑ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ንጥቀመሉ ኢና። እዚ ዅሉ ተደሚሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ እቲ ሓለቃ ጋንታ ክኸውን ዘኽኣለኒ። 

ቢቢሲ፡ ምስ ቡና ተሰሊፍካ ኣብ ልዕሊ ሰበታ ከነማ ዘመዝገብካያ ሸቶ ንውድድር ዝበለጸት ሸቶ ፑሽካሽ ክትወዳደር ብብዙሓት ጐስጓስ ተጀሚሩ ነይሩ፣ ንስኻ ኸ ‘ታ ሸቶ ከመይ ኢኻ ትገልጻ?

ሮቤል፡ ዓሚ ኣብ ልዕሊ ክለብ ሰበታ ዘመዝገብክዋ ሸቶ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘመዝገብክወን እታ ዝጸበቐት እያ። ኣብኣ ደው ክብል ግን ኣይደልይን’የ ብሕጂ ካብኣ ትበልጽ ሸቶ ከመዝግብ እደሊ’የ።

ምስ ክለበይ ይዅን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ልምምድ እንከለኹ ካብ ፍርቂ ሜዳ ዘመዝግቦ ሸቶ ነይሩ’ዩ።

ብሱፐር ስፖርት ናይ ሓደ ዓመት ዝበልጸት ሸቶ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ተባሂላ ዋንጫ ክሽለመላ ክኢለ’የ፤ እቲ ናይ ፑሽካሽ መደብ ግን ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥክዎ ነገር የለን።

 ቢቢሲ፡ ካብ ተጻወትቲ ዓለም እተድንቘን ጽልዋ ኣሕዲሩለይን እትብሎን ተጻዋቲ መን’ዩ?

ሮቤል፡ ኣነ ደጋፊ ኣርሰናል’የ ካብ ተጻወትቲ ኸኣ ንፋብሪጋስ’የ ዘድንቕ፡ ካብኡ ዝተላዓለ እየ ኸኣ ማልያ’ውን ቍጽሪ ኣርባዕተ ዝፈቱ።

ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ሃገራዊት ጋንታን ማልያ ቍጽሪ ኣርባዕተ’የ ዝኽደን።

ንሰስ ፋብሪጋስ ዝፈተኽሉ ምኽንያት ምናልባት ክልቴና ኣብ ሓደ ቦታ ስለንጻወት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናብ ክለብ ቡና ምስ መጻእኩ’ውን ማልያ ቍጽሪ ኣርባዕተ ንኽለብሳ ዘይገበርክዎ ነገር ኣይነበረን፣ ክሳብ ሕጂ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኩን ዘለኹ። 

ቢቢሲ፡ ኣብዛ ክለብካ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ የሸግረካ ዶ?

ሮቤል፡ ኣብ መጀመርታ ብሰንኪ ቋንቋ ናብ ኣስመራ ክምለስ ዝሓሰብክሉ ነይሩ’ዩ። ሕጂ ግን ክረዳዳእ ስለዝኽእል ዋላ ኩንትራተይ ንኸሐድስ በይነይ እዩ ዝኸይድ። ኤጀንት ኣላትኒ፡ እቲ ቋንቋ ስለዝመለኽክዎ ግን ሕጂ ኣይሽገርን’የ።

ቢቢሲ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ካብ ዘሰልጠኑ ኣሰልጠንቲ ንመን ተድነቕ? ካብ ተጻወትቲኸ?

ሮቤል፡ ኣነ ንዳኒኤል ዮሃንስ [ግራይ] እየ ዘድነቕ። እቲ ናቱ ዓይነት ኣጸዋውታን ፍልስፍናን ኣዝዩ’ዩ ዝምስጠኒ። ኣብ ሃገራዊት ጋንታ’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ተራእይዎ’ዩ።

ኣለምሰገድ ኤፍሬም፡ መኮነን ዘውደን ካልኦትን’ውን ኣለዉ፣ ሕልፊ ኵሎም ግን ንዳኒኤል ዮሃንስ’የ ዘድንቕ።

ቢቢሲ፡ ሕጂ ካብ ዝጻወቱ ካብ ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራኸ?

ሮቤል፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ [ኣምበስ] ከምኡ ኸኣ ዓሊ ሱሌማን ኣዝዮም’ዮም ዝምስጡኒ። 

ቢቢሲ፡ ፍቃደኛ እንተዄንካ ደሞዝካ ክንደይ’ዩ? ክፍሊት ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ምስቲ ኣብ ዓለም በጺሕዎ ዘሎ ንምንጽጻር ጥራይ እዩ?

ሮቤል፡ ኣብ መጀመርታ ምስ ቡና ኩንትራት ኣብ ዝፈረምክሉ ንወርሒ 30 ሸሕ ብር’የ ዝክፈል ነይረ። ንኽልተ ዓመት ኸኣ ብኸምኡ ከይደ፡ ሕጂ ሓድሽ ኩንትራት ኣብ ዝፈረምክሉ ግን ንወርሒ 120 ሽሕ ይኸፍል ኣለኹ።

ኣብ መጀመርታ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ናይ ምዃን ባህጊ ስለዝነበረኒ’ዩ እምበር ኣብዛ ጋንታ ብ30 ሽሕ ዝጻወት ተጻዋታይ ኣይነበረን።

ቢቢሲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብዙሕ ዓወታት ከተመዝግብ ኣይትርአን’ያ፤ እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ ትብል?

ሮቤል፡ ብናተይ ትዕዝብቲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ዝበዝሕ ሓይላ ኣብ ውድደራት ሴካፋ’ዩ። ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከኣ ጸወታ ተካይድ፡ ስለዚ እቲ ቀንዲ ድኽመት ኰይኑ ዝስምዓኒ ዋሕዲ ውድድራት እዩ።

ቦርድ ናይዛ ጋንታይ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ጸወታ የብልካን ድዩ እናበሉ’ዮም ብተደጋጋሚ ዝሓቱኒ። ብኻልእ ጋንታ ጠመተ ክትረክብ እንተዄንካ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ክንደይ ጸወታ ተጻዊቱ ዝብል ሓደ ሕቶ ኰይኑ ይልዓል’ዩ።

ቢቢሲ፡ ከም ፕሮፈሽናል ተጻዋቲ ብዙሕ ተመኵሮ ደሊብካ ኣለኻ፣ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ኤርትራ ካብ ተካይዶ ዝነበርካ ኣመጋግባ፡ ኣገባብ ልምምድን ካልእን እንታይ ዝተፈለየ ነገራት ረኺብካ?

ሮቤል፡ ብዙሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ኣመጋግባ፡ ኣበየናይ ሰዓታት ኢኻ ከተዕርፍ ዘለካ፣ ምስ ክብደት ሰብነትካን ትገብሮ ልምምድን ተራእዩ እንታይ ዓይነት መግብን ፈሳስን ክትወስድ ኣለካ ኣብ ዝብል ብዙሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ።

ጂምናዝየም ክትሰርሓሉ ትኽእል እዋን መዓስ’ዩ፣ ነየናይ ክፋል ኣካላትካ እንታይ ዓይነት ጂምናዝየም ኢኻ ትሰርሕ ክፈልጥ ክኢለ ኣለኹ። 

ቢቢሲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ናይ ምጽዋት ዕድል ረኺብካ ኢኻ፣ ካብዚ ተበጊስካ ብቕዓት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተጻወትቲ ከመይ ትግምግሞ?

ሮቤል፡ ኣብ ኤርትራ ዘለውን ኣብዚ ዘለዉን ተጻወትቲ ኣብ ኣካላዊ ኣቃውማና ኣብ ብቕዓትና ተመሳሰልቲ ኢና። ነዚ ንምርዳእ ከኣ እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ተጻዊተን ዘመዝገበኦ ውጽኢት ብምርኣይ ክምዘን ይክኣል’ዩ።

ኣብ ውድድር ሴካፋ ክልተ ግዜ ተራኺብና ነይርና ኢና። ኣብ መጀመርታ ጸወታ ማዕረ ሰለስተ ብሰለስተ ተፈላሊና [ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ] ኣብ ካልኣይ ጸወታ ግን ብፍጹም ቅላዕ ክንስዕሮም ክኢልና።

እቲ ዝልዓለ ብልጫና ኢለ ዝገልጾ ክስዕር’የ ዝብል ዘይሕለል ኒሕ ኣለና፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

እቲ ንሶም ንዓና ጸብለል ዝብሉልና ምኽንያት ኸኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ብዙሕ ጸወታታት ስለትሳተፍን እቲ ናቶም ሃገራዊ ሊግ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ስለዘበረኽዎን እዮም።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ ኣብዛ ጋንታ ምሳኻ ክስለፍ እትሓርዮ ተጻዋታይ መን ኣሎ?

ሮቤል፡ ብዘይ ጥርጥር ዓበለሎም ተኽለዝጊ [ኣምበስ] ኣብ ጐነይ ክህሉ ኣዝዩ ባህ ምበለኒ።

ቢቢሲ፡ ካብዚ ዘለኻዮ ከዕብየካ ዝኽእል ዕድላት ትረክብዶ? ምኽንያቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮጳ ክጻወት ዝኸኣለ ወይ ዕድል ዝረኸበ የለን።

ሮቤል፡ ብዙሕ ርክባት የካይድ ኣለኹ፡ ብዓቢኡ ግን እታ ናተይ ወኪል ወይ ኤጀንት’ያ ሒዛቶ ዘላ፡ ነዛ ዘላ ‘ሲዝን’ ከምዚ ዘለኽዎ ብጽቡቕ እንተወዲአያ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣለኒ፣ ምኽንያቱ ኣቐዲመ ርክብ ዝጀመርኩለን ክለባት ኣለዋ።

 ቢቢሲ፡ ነመስግነካ ሮቤል