እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲኣይኤ ሰለይቲ ንምምልማል ዝጥቀመሉ መርበብ ተጨውዩ
ሓደ ተመራማሪ ድሕነት-ሳይበር፡ ኣብ ወግዓዊ ኣካውንት ትዊተር ሲኣይኤ ንዝተፈጥረ ፀገም ተበሊፁ፡ እቲ ትካል ሰለይቲ ንምምልማል ዝጥቀመሉ መርበብ [ቻነል] ጨውዩ።
እቲ ኣብ ኤክስ (ቅድሚ ሕጂ ብትዊተር ዝፍለጥ ዝነበረ) ዝርከብ ኣካውንት ትካል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ)፡ ሓበሬታ ንዘካፍሉ ሰባት ዝኸውን ናብ ቴሌግራም ቻነል ዝወስድ መላግቦ የቕርብ።
ኬቨን ማክሺሃን ግን፡ ምስ ሲኣይኤ ዝግበሩ ርክባት ናብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቴሌግራም ቻነል ከቕንዕ ገይሩዎ።
"ሲኣይኤ ብሓቂ ኣብዚ ሕማቕ መዓልቲ ውዒሉ" ይብል እቲ ሰርሳሪ ሳይበር።
ሲኣይኤ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኢንተርነት፡ ካብ ሰፊሕ መርበብ ሰለይቲን ሓበሬታ ዝህቡን፡ ምስጢራዊ ስለያዊ ሓበሬታ ካብ ዓለም ብምእካብ ዝፍለጥ ትካል መንግስቲ ኣመሪካ እዩ።
ኣብ ኤክስ፡ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዎ ወግዓዊ ኣካውንቱ፡ ነቲ ትካል ንምልላይን ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ንምሕላው ምስ ሰባት ብቐረባ ንምስራሕ ዝጥቀመሉ መገዲ እዩ።
ዝዓበየ ስግኣት
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣት ሜይን ዝነብር ወዲ 37 ዓመት ሚስተር ማክሺሃን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ጌጋ ብሰሉስ ከምዝበፅሖ ገሊጹ።
“ሽዑ ንሽዑ ሃንደበት ዝተሰመዐኒ ስንባደ እዩ ነይሩ" ኢሉ።
"እቲ ዘካፍልዎ ዝነበሩ ወግዓዊ ናይ ቴሌግራም ሊንክ ክጭወ ከም ዝኽእል ርእየ - እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ ድማ ከም ሩስያ፣ ቻይና ወይ ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ሓበሬታ ምዕራባውያን ብቐሊሉ ክጠልፉዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል'ዩ ነይሩ።"
ድሕሪ 27 መስከረም፡ ሲኣይኤ ኣብ ናይ ኤክስ ገፅ መለለዪ፡ ብዛዕባ እቲ ትካል ብሕቡእ መርበብን ብኻልእ ምስጢራዊ መገድን ርክብ ምግባር ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ መላግቦ- https://t.me/securelycontactingcia - ናብ ቴሌግራም ቻነሉ ወሲኹ ነይሩ።
እቲ ቻነል ብቋንቋ ሩስያ "ዓለማዊ ተልእኾና ውልቀሰባት ካብ ዝኾነ ቦታ ብውሑስ መንገዲ ናብ ሲኣይኤ ሓበሬታ ክሰዱ ክኽእሉ ምግባር እዩ" ክብል እንከሎ፡ በቲ ትካል ክምልመሉ ዝኽእሉ ሰባት፡ "ካብ ዝኾነ ‘ንሲኣይኤ ንውክል ኢና’ ዝብሉ መርበባት ክርሕቑ" ኣጠንቂቑ።
ኤክስ ንገለ መላግቦታት ብኸመይ ከም ዘርኢ ግን ጉድለት ነይሩዎ።
እቲ ምሉእ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬታ ገና ናብ ጥቕሚ ምስ ዘይወዓለ ስም ተጠቃሚ ቴሌግራም እዩ ተኣሳሲሩ ነይሩ።
ሚስተር ማክሺሃን፡ ነቲ ክፍተት ምስ ኣስተብሃለ፡ ነቲ ናይ ተጠቃሚ ስም ብምምዝጋብ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ሊንክ ዝጠወቐ ናብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቻነል ከቕንዕ ገይሩዎ።
ርግፅ፡ ተጠቀምቲ ዝኾነ ምስጢራዊ ወይ ተኣፋፊ ሓበሬታ ከየካፍሉ ኣጠንቂቑ።
"ንጸጥታዊ ድሕነት ኢለ እየ ከምኡ ገይረዮ" ኢሉ።
"እቲ ጸገም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤክስ ዝረኣኹዎ ጸገም'ዩ - ሲኣይኤ ግን ነዚ ከየስተብሃለሉ ምርኣየይ ገሪሙኒ።"
ሲኣይኤ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን፤ እንተኾነ ግን ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት እቲ ጌጋ ተኣሪሙ ኣሎ።