እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ትእግስት ኣብ ማራቶን ለንደን 'ንኻልእ ክብረወሰን ተዳልየ ኣለኹ' ትብል
ኢትዮጵያዊት ኣትለት ትእግስት ኣሰፋ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ንፈለማ ግዚኣ እትሳተፈሉ ማራቶን ለንደን "ክትዕወት” ምዃና ተዛሪባ።
ጓል 27 ዓመት ትግስት፡ ኣብ መስከረም ንውድድር ማራቶን በርሊን ብኽልተ ሰዓትን 11 ደቒቕን 53 ካልኢትን ድሕሪ ምዝዛማ፡ ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዀነት ይዝከር።
ሎሚ ድማ ነቲ ኣብ 2017 ብኬንያዊት ሜሪ ኬይታኒ ዝተመዝገበ ክብረወሰን ማራቶን ለንደን ብ 2 ሰዓት 17 ደቒቕን 01 ካልኢትን ንምምሕያሽ ወጢና’ላ።
"ክሳብ ክንደይ ፅቡቕ ከምዘለኹ ኣምላኽ ከርእየኒ'ዩ። ኣዝየ ብጽቡቕ ተዳልየ ኣለኹ፤ ነቲ ናይ ውድድር ክብረወሰን ክሰብሮ ከም ዝኽእል ድማ ርግጸኛ እየ" ኢላ።
ኣስዒባ "ኵነታት ኣየር እንተዘይኰይኑ ለንደን ይዅን በርሊን ብዘየገድስ ንውጥነይ ፈጺሙ ኣይቅይሮን'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።
ኣትለት ትእግስት ኣሰፋ ምስ ኬንያውያን ብሪጅድ ኮስጌይ፡ ሩት ቸፕንገቲችን ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ዝዀነት ፐረስ ጀፕቺርቺርን ከምኡ’ውን ኢትዮጵያዊት ተዓዋቲት ማራቶን ለንደን 2022 ያለምዘርፍ የሁዋላው እያ ክትወዳደር።
ኮስጌይ፡ ቸፕንገቲችን ትእግስትን ኣብ ታሪኽ ካብተን ዝቐልጠፋ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ክልተ ግዜ ተዓዋቲት ማራቶን ለንደን ዝዀነት ኮስጌይ ናብቲ ውድድር ምምላሳ "ሕጕስቲ" ምዃና ትገልጽ።
"ኣብ ኬንያ ጽቡቕ ምድላዋት ክገብር ጸኒሐ'የ፤ ድልውቲ'የ" ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ኣትሌታት ቤኪ ብሪግስ፡ ኣሊስ ራይት፡ ኣንያ ካሊንግ፡ ራቸል ሆድኪንሰን፡ ሄለን ጋውንት፡ ምሃይሪ ማክለናንን ሉሲ ሪድን ኣብቲ ናይ ሰንበት ማራቶን ክወዳደራ እየን።