ኣብ ክልል ዓፋር ተዳጕኖም ዝጸንሑ ኣሸሓት ተጋሩ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም

ኣብ ሰመራ፡ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር፡ ኣብ ማእከላት መዳጐኒ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ትማሊ ናብ መረበቶም ክግዕዙ ከምዝጀመሩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ግዳያት፡ ብ 9 ታሕሳስ 2014 [ግእዝ]፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ሸኸት [ኣብዓላ] ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ውግእ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሓይልታት ዓፋር ካብታ መዋሳኒት ከተማ ሸኸት ብኣልማማ ተገፊፎም ዝተወስዱ ምዃኖም እዮም ዝዛረቡ።

ካብቶም ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ትማሊ ዝተወሰኑ ብኣርባዕተ ኣውቶቡስን ክልተ መካይን ጽዕነትን ካብቲ መዳጐኒ ናብ ሸኸት ከምዝገዓዙ ምንጭታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዚ መስርሕ ምምላስ ተጋሩ፡ ብኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋታት ኢትዮጵያን ምምሕዳር'ቲ ክልልን፡ ምስ ኤጀንሲ ውድብ ሕቡራት [ኦቻ] ብምትሕብባር ይሳለጥ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መስርሕ ምግዕዓዝ ንሰሙናት ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ፡ ዝሓለፈ ሰነ 9000 ተጋሩ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ከም ዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ምስ ደቆምንን በዓልቲ ቤቶምን ኣብቲ መዳጐኒ ዝጸንሑ ሓደ ሽማግለ ኣቦ ስድራ፡ ንስድራኦም ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት’ውን ሎሚ ንግሆ ናብቲ መረበቶም ክውሰዱ ይጽበዩ ከምዘለዉ ወሲኾም ኣረዲኦም።

እቶም ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 9 ሽሕ ዝዀኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብታ መረበቶም ዝዀነት ከተማ ሸኸት ከም ምሩኻት ተታሒዞም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ክልተ ማእከላት ምስ ተወስዱ፡ ኣብ ሕሱም ኵነታት ምጽንሖም፡ ቅድም ክብል ቢቢሲ ኣቃሊሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ድሒሩ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እቶም ብመንነቶም ከም እሱራት ኣብ ማእከል መዳጐኒ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰላማውያን ሰባት፡ ንህይወት ሓደገኛ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ከምዝርከቡን ብህጹጽ ናብ ዝደለይዎ ክስደደዱን ምሕታቱ ይዝከር።

ኣብቲ ማእከል እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ንህጻናት ከምዘጥቅዐ’ውን እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ ነይሩ።

እቶም ነበርቲ እንታይ ይብሉ?

እቶም ኣብቲ ማእከል መዳጐኒ ዝጸንሑ መራሒ ስድራ ሽማግለ፡ “ተዓፊንና ኢና መጺእና ነይርና” ይብሉ። ከመይ ከምዝተወስዱ ክዝክሩ እንከለው፡ “ጥኑሳትን ሓራሳትን፡ ሽማግለታትን ኣካለ-ጐዶሎን ከይተረፉ፡ ካብ ቤት ንብረትና ምስ ደቅና ምስ ዕያልና ኣውጺኦምና። ቅርሺ ዘለዎ ቅርሹ ሓዲጉ፣ ገንዘብ ዘለዎ ገንዘቡ ሓዲጉ እዩ ተሓፊሱ ተወሲዱ፡” ኢሎም።

መብዛሕትኦም ሓረስቶት ከምዝዀኑን ጽቡቕ ኣታዊ ከምዝነበሮምን ዝዛረቡ እቶም ወላዲ፡ ኣእካሎምን ንብረቶምን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተዘመተ ይዛረቡ።

“ዓንተቦኡ ደቀባት ኢና፣ ደቂ ዓዲ ኢና፣ ብጣዕሚ ሃፋትም ኢና ነይርና፡” ኢሎም።

ኣብቲ ማእከል ጻንሒቶም ብዝምልከት፡ ኣዝዩ ንህይወት ከቢድ ከምዝነበረ ዝዛረቡ እቶም ወላዲ፡ ብዙሓት ኣእምሮኦም ከምዝተቓወሰን፡ ህጻውንትን ዓበይቲ ሽማግለታትን በቲ ሃሩር ተሳቕዮም ከምዝነበሩን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 85 ሰባት ብሕማምን ጥሜትን ከምዝሞቱን ኣብቲ ከባቢ ከምዝተቐብሩን ይገልጹ።

እዞም ወዲ ስሳታት ዓመት ዝዀኑ ሽማግለ፡ “ናብኡ ዝተወሰድኩ ምስ ሸውዓተ ርእሰይ እየ። ኣብኡ ምስ ከድና ደቀይ ንበይኖም፡ ሰበይተይ ንበይና፡ ኣነ ንበይነይ፡ ክሳብ እዛ ሎምዓንቲ ተራኺብና ኣይንፈልጥን” ኢሎም።

ካልእ ኣብቲ ማእከል እትርከብ ኣደ ክልተ ቈልዑ ድማ፡ እቶም ዛጊድ ዝገዓዙ ቍጽሮም 240 ከምዝዀኑን ክሳብ ኣፍዴራ ዝተባህለ ከባቢ ምስቶም ዝምለሱ ብስልኪ ይደዋወሉ ከምዝነበሩን ንቢቢሲ ኣረዲኣ።

ካብኡ ንደሓር ግን፡ ስልኪ ስለዘይሰርሕ ኵነታቶም ምፍላጥ ኣይከኣልናን ትብል። ወሲኻ፡ እቲ ጕዕዞ ረፋድ ሰዓት ሓሙሽተ ኣካባቢ ከምዝተጀመረ፡ ኣማስያኦም ናብ ከተማ ሸኸት ክኣትው እዮም ዝብል ግምት ከምዘለዋን፡ ተዛሪባ።

እቶም እሱራት ስድራቤታት፡ ድሌቶም ምስ ተሓተቱ እዮም ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝመረጹ ዝገልጹ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳ፡ "ሕዚ ሰላም ኰይኑ እዩ'ሞ ናብ ዓድኹም ክንመልሰኩም" ኢሎም ከምዘዛረብዎም'ውን ኣታ ኣደ ቘልዑ ሓቢራ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ነቶም ነበርቲ ዝሓዛ ኣውቶቡሳት ናብ ከተማ ሸኸት ክግዕዛ ዝረኣየን ኣባላት ስድራኡ ከምዝርከብዎም ዝገለጸን ካልእ ምስክር ዓይኒ፡ እቶም ነበርቲ፡ መረበቶምን ሃብቶምን ምሉእ ብምሉእ ተዘሚቱ ወይ ድማ ተቓጺሉ ከምዝዀነን፡ ኣብኡ ከይዶም ብኸመይ እግሪ ከምዝተኽሉን ሻቕሎት ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚኣቶም፡ "ውሽጣዊ ተመዛበልቲ" ምዃኖም ክገልጽ እንከሎ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ግን፡ "ብሰንኪ መንነቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተታሕዙ እዮም" ክብል እዩ ዝገልጽ።

ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ ካብ ሰብ መዚ ክልል ዓፋር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።