እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ዓለም 2022 ካብቲ ዝተወጠነሉ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ክጅምር'ዩ
ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብቲ ተወጢኑሉ ዝጸንሐ፡ ብሓደ መዓልቲ ቐዲሙ 20 ሕዳር ኣብ ሞንጎ ቐጠርን ኤኳዶርን ብዝካየድ ግጥም ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ናይ ምድብ "ሀ" [Group A] መጀመሪ ጸወታ ንሰኑይ 21 ሕዳር 2022 ከም ሳልሳይ ግጥም ኮይኑ ክካየድ እዩ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ።
ናይቲ ውድድር መኽፈቲ ፀዋታ ድማ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ሰኑይ 20 ሕዳር 2022 ሰኔጋል ኣንጻር ሆላንድ ዝካየድ ግጥም ክኸውን ኔርዎ።
ይኹን እምበር ምምሕዳራዊ ኣካል ፊፋ ንጸወታ ቀጠር ናብ ቅድሚት ንምምፃእ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ምስ ቀጠርን መጋጥምታ ኤኳዶርን'ውን ዘተ ተኻይዱ እዩ።
እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ድማ ምስቲ "ኣእንጋዲት ሃገር ኣብ ናይ መኽፈቲ ጸወታ ክትሳተፉ ኣለዋ" ዝብል ናይ ሕሉፍ ተሞክሮ ዝሰማማዕ ኮይኑ'ሎ።
ናይ መወዳእታ ውሳነ ብቤትጽሕፈት ቤት ምኽሪ ፊፋ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ቤት ምኽሪ ንሽዱሽተ ፕረዚደንታት ኮንፈደረሽንን ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ዝሓቖፈ እዩ።
ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እንተፀዲቑ፡ ሰኔጋል ኣንጻር ሆላንድ ዝካየድ ግጥም ሰኑይ 21 ሕዳር ክካየድ'ዩ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሰንበት 20 ሕዳር፡ ሓደ ግጥም [ቀጠር ምስ ኤኳዶር] ከምኡ ድማ ሰኑይ ሰለስተ ግጥማት ይካየዱ ኣለዉ ማለት'ዩ።