እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ'ዩ፡ ዓሌትነት ኣብ ምርጫ ኬንያ ጽልዋኡ ዝሃስስ ዘሎ?
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፡ 9 ነሓሰ ክካየድ እዩ። ዓሌታዊ ምክፍፋል ንፖለቲካ እታ ሃገር ኣበላሽይዎ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ምትፋናን ግን፡ ኣብዚ እዋን "ይቕየር ምህላው ምልክታት ኣለው" ይብል፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዲከንስ ኦሌዊ።
ንግሆ፡ 20 ጥሪ 1994 [ኣ. ኤ] ናብ ትምህርተይ ክኣቱ እንከለኹ ተመሃሮ የባጭው ነይሮም።
እቲ ዅሉ ዝበልዎ ኣይዝክሮን፤ ግን ሓደ ነገር ኣብ ውሽጠይ ተቐሪጹ ተሪፉ።
ሓደ ወዲ ክፍለይ “ጐይታኹም ሞይቱ” በለኒ።
ፈላማይ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ጃራሞጃ ኦዲንጋ ኦዲንጋ፡ ሞይቱ።
ተመሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝዀንና፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ይርድኣና ነይሩ።
ስለዚ፡ እቲ መማህርተይ’ውን ሞት ኦዲንጋ ኦዲንጋ ንሕብረተሰብ ሉዎ ዓቢይ ፖለቲካዊ ክሳራ ምዃኑ ተረዲእዎ እዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ዓሌት መሰረት ዝገበረ ባጫ ልሙድ ኣይኰነን፤ እዚ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ከይተረፈ’ዩ ዝስትውዓል።
ገለ መምህራን፡ ንገለ ባህርያት ተመሃሮ ንምምጓስ ወይ ንምንቃፍ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ርእይቶታት ክህቡ ይስምዑ።
እዚ፡ ኣብ ዝነበረን ዘሎን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘይጓዳእ ዋዛ ተገይሩ ይውሰድ፤ ሓሓሊፉ ግን ኣሉታዊ ኣይኸውን።
ካልእ ንዓይ ዝገረመኒ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዘጋጠመኒ ተጓንፎ’ዩ።
ኣብ ናይሮቢ ድኻታት ስድራቤታት ንምሕጋዝ ወለንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዝጀመርኩላ ፋልመይቲ መዓልቲ፡ ሓንቲ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ህጻን መጺኣ፡ “ቀቢላኻ እንታይ’ዩ?” ኢላ ብቛንቋ ስዋሂሊ ትሓተኒ።
ብምላሸይ ኣይተሓጐሰትን። ደሓር ከም ዝተረድኣኒ፡ ናተይ ዓሌት ኣብ መንጐ መሳቱኣ ሓያል ክትዕ ዘልዓለ ነይሩ።
ህንጡይነት እታ ቈልዓ ጽቡቕ’ዩ፤ ግን ክኣ ኣነ ኣይተበርሃንን። ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ክጽየፎም ከም ዘለኒ ኣምሂሮምኒ’ዮም። እቲ ዝምልሰላ መልሲ’ውን ንዓኣ እንታይ ዓይነት ትርጕም’ዩ ክህባ ዝብል ኣጨኒቑኒ ነይሩ።
ፖለቲካ ኬንያ፡ ኣብ መንጐ እቶም ልዕሊ 40 ብሄራት ብዘሎ ንሕንሕ ተዓብሊሉ'ዩ ጸኒሑ፤ ብፍላይ ክኣ ኣብ መንጐ እቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ብሄራት።
ፖለቲከኛታት ኣብ ምርጫ ንምዕዋት፡ ወትሩ ነቲ ኣብ መንጐ ህዝብታት ዘሎ ታሪኻዊ ቂምን ባህላዊ ፍልልይን ተበሊጾም ጐነጽ ክልዓል ይገብሩ።
እዚ ስትራተጂ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዀይኑ፡ ኣሰካፍቲ ሳዕቤናቱ ልሙዳት ኰይኖም ኣለው።
ኣብ ኬንያ፡ ብብሄራዊ መንነት ሓለፋ ከውህብ ጸኒሑ፤ ሓሓሊፉ ስራሕ ንምርካብ፡ ኣብ ምርጫ ድምጺ ንምርካብ ዋላ’ውን ኣብ ስልጣን ንዘሎ ውልቀሰብ ንምርካብ ከም ረቛሒ ተገይሩ ይውሰድ።
እዚ፡ ኣብ ልዕሊ 'ቲ ሓፋሽ ተሰካሚ 'ዚ ኣደራዕ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክፈጥር እንከሎ፡ ነቶም ካብኡ ዝርብሑ ድማ ስልጣን ኰይኑ ካልኦት ንምንሻውን ንምህዳድን ከም ኣጽዋር ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ፖለቲካ ድምር ውጽኢት ባዶ-ጸወታ ኰይኑ።
ኬንያ፡ ኣብ እዋን ምርጫ 2007 እቲ ዝኸፍአ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ግጭት ርእያ’ያ። ኣብቲ እዋን ልዕሊ 1500 ሰባት ተቐቲሎም፤ ኣማኢት ቈሲሎም። 600 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።
እዚ፡ ምናልባት ኬንያ ድሕሪ ናጽነት ዝርኣየቶ እቲ ርእስኻ ዘትሕት ጐነጽ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እታ ብተዛማዲ ሰላማዊት ዝዀነት፡ ንኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዑቕባ ዝሃበት ሃገር ንርእሳ ቀጺዓ። በሰላኡ ሕጂ’ውን ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ሽዑ ግዜ ምርጫ፡ ገለ ስድራቤታት ክበጽሖም ንዝኽእል ሃሰያ ሰጊኦም፡ ናብቲ ንዖኦም ዝመስሉ ዓሌት ዝነብሩሉ ከባቢታት ግዒዞም።
እቶም፡ ምስ ካልእ ብሄር ዝተዋሰቡ መጻምዲ ግን ናበየናይ ብሄር እንተኸድና ኢና ንድሕን ኣብ ዝብል መዋጥር ኣትዮም።
“ኬንያ፡ ንድሕሪት 50 ዓመታት ዝኸይድ ዘይተፈትሑ ዘሕዝኑ ታሪኻዊ ቁጥዐታት ኣለውዋ። እዚ ሓሓሊፉ ጐንጺ ዘልዕል ኰይኑ ፖለቲከኛታት ክኣ ኣብ መንጐ እቲ ሕብረተሰብ ፍርሒ ንምእታው ነዚ ይጥቀምሉ” ይብል ኮሚሽነር ኮሚሽን ጥምረትን ውህደትን ሳም ኮና።
ወሲኹ፡ “ሰባት እዚ ኣብ መንጐ ፖለቲከኛታት ዘሎ ናይ ስልጣን ክርፍስ’ዩ ኢሎም ኣይርእይዎን፤ ኵሉ ምስ ተወድአ ንሳቶም ይተዓወቱ ኣይተዓወቱ ብሓባር ኰይኖም ክቕጽሉ’ዮም” ኢሉ።
ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን ምርጫ ስግኣት ኣለወን ኢሉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘነጸረን ሽዱሽተ ምምሕዳራት፡ ኣብ መንጐ ሕብረተሰብ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰንኪ “ዕርቂ ንምውራድ ዝተኸስሩ ዕድላት” ዝመጽአ እዩ ክብል የረድእ።
ኬንያ ብ2010፡ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ዘጽደቐት ኰይና፡ ብኡኡ ድማ 47 ምምሕዳራት ተፈጢረን።
በዚ መሰረት፡ ኵለን ምምሕዳራት ብማዕረ ከም ዝትሓዛ፡ ማዕረ ሃገራዊ ባጀት ከም ዝምደበለን ቃል ተኣትዩ።
“ይዅን’ምበር፡ ብዙሓት ኬንያውያን እቲ ፕረዚደንታዊ መሪሕነት ምንጪ ስልጣን ጥራይ ይኸውን ኣሎ ኢሎም’ዮም ዝርእይዎ - እዚ ከኣ ወጥሪ ክህሉ ገይሩ” ብምባል እቲ ኮሚሽን ስግኣት ኣብ ዘለወን ከባቢታት ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ኮና ተዛሪቡ።
ክኢላ ምሕደራ ጆን ጊቶንጎ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ሙዋይ ኪባኪ [ኵኪዩ] ዝነበረ ሰፊሕ ብልሽውና ምስ ተቓልዐ፡ ብገለ ኣባላት ኵኩዩ ከም ከሓዲ ተቘጺሩ ምፍርራሓት ስለ ዝበጽሖ ብ2005 ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ስደት ኣምሪሑ።
ኮና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ተወዳዳሪ ምርጫ እዚ ዓመት ኰይኑ ዘሎ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ብቐንዱ እቲ ንሕንሕን ኣብ ሞንጐ “ስርወ ንግስነታዊ ቤተሰብ”ን “ጻዕራማት”ን እዩ ብዝብል መልክዕ ስለ ዘትሓዞ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝነበሩ ጐስጓሳት መርጫ ዝተራእየ ዓሌታዊ ምልዕዓል ኣዝዩ ትሑት ከም ዝዀነ ይዛረብ።
ንርእሱ ንድኻታት ኬንያውያን ዝውክል “ጻዕራም” ገይሩ ዝወስድ፡ ወዱ ንፈላማይ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ጀርሞጊ ኦዲንጋ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ እዚ ኬንያውያን ብደረጃ መነባብሮኦም ንምክፍፋል ዝዓለመ’ዩ ብምባል ክነቕፎ እንከሎ፡ ኣብ ዘካየዶም ጐስጓሳት መልእኽታት ሓድነት ከሕልፍ ጸኒሑ እዩ።
ክልቲኦም ተነሓናሕቲ፡ ኣብ ዙርያ ቍጠባን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘለዎም ፖሊሲታት ዝምልከት እንካን ሃባን ተበሃሂሎም’ዮም።
እዚ ምርጫ፡ ኣዝዩ ልዑል ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣቝሑ፡ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ገዚፍ ሃገራዊ ዕዳን ኣብ ዘለወሉ ግዜ’ዩ መጺኡ ዘሎ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ቀንዲ መግቢ እዚ ሃገር ዝዀነ ‘ኡጋሊ’ ንምድላው ዝውዕል ሕሩጭ ዕፉን ዋጋኡ ክትሕት ውሳነ ሂቡ።
ሩቶ ነዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብዚ ምርጫ ዝድግፎ ዘሎ ኦዲንጋ ንኽዕወት ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ’ዩ ይብል።
ኣብ 2007፡ ኦዲንጋን ሩቶን ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝድግፎ ዝነበረ ኪባኪ ደው ኢሎም ነይሮም እዮም። ኣብ ኬንያ ኣብ እዋን ምርጫ፡ ቀጽሪ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋኻ ምቕያር ልሙድ እዩ።
ኣብቲ ኣብ 2007 ዝነበረ ዝኸፍአ ጐንጺ፡ ኣባላት ሩቶ ዝውለደሉ ዓሌት ካሌንጂን፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያታ ዝውለደሉ ዓሌት ኵኪዩ መጥቃዕቲ ፈጺሞም’ዮም፤ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ብሄሮም’ዮም ተቐቲሎም።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ 2013 ከምኡ'ውን ኣብ 2017፡ ኬንያታን ሩቶን ኣንጻር ኦዲንጋ [ካብ ሉዎ ዝመጽአ] ጥምረት ገይሮም፤ ሕጂ ድማ ኬንያታ ንራይላ ይድግፍ ኣሎ።
ኣብ ዓለምለኸ ጕጅለ ቅልውላው ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ዝዀነ ሙሪቲ ሙቲጋ፡ “ኬንያውያን በቲ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ክርእዩዎ ዝጸንሑ ጥምረታት ተሰላችዮም’ዮም። እዚ ኸኣ ኬንያውያን እቶም ፖለቲከኛታት ናይ ባዕሎም ጸወታ እዮም ዝጻወቱ ዘለው ኢሎም ንኽርእዩ ገይሩዎም’ዩ” ኢሉ።
ኣብ እዋን ምርጫ ዓሌታዊ ግጭታት ዝጐልሑ’ኳ እንተዀኑ፡ “ድሕሪኡ ግን ሰባት ንሓድሕዶም ይመራዓው’ዮም። እዚ ክኣ ኣብ መንጐ እቲ መንእሰይ ብዙሕ ጸገም ኣይኰነን። ፖለቲከኛታት ግን ኣብ ሓረግ ዓሌት ተሓንጊሮም የለዓዕሉ፡” ይብል።