እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 23 ስደተኛታት ድሃዮም ከምዝጠፈአ ተገሊጹ
ሰብ መዚ ቱኒዝያ፡ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝነበሩ 23 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ጃልባ ከምዝጠፈአትን፡ እቶም ተሳፊሮማ ዝነበሩ ሰባት ኩሎም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ስግኣቶም ገሊጾም።
ሃገራዊ ሓለዋ ዶብ ቱኒዝያ እዚ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ብሓይሊ ባሕሪ ቱንዝያ ተማእኪሉ ኣብ ኩለ ዝተጠርጠረ ከባቢታት ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒታት የካይዱ ከምዘለዉ ሰብ መዚ ቱኒዝያ ገሊጾም ኣለዉ።
ብመሰረት ካብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ዝተረኸበ ሓበሬታ እታ ጃልባ 3 ወይ 4 ግንቦት ካብ ገማግም ቱንዝያ ከምዝተበገሰትን ስድራ ናይቶም ንሰብ መዚ እታ ሃገር ቅድሚ 109 መዓልታት ከምዘፍለጡን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሰብ መዚ ቱኒዝያ ነዞም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ 23 ሰባት ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣበጊሶም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ኣሲሮም ከምዘለዉ ብምግላጽ እቲ ነቶም ጠፊኦም ዘለዉ ናይ መድላይ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጢም።
ቱኒዝያ ሓንቲ ካብተን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ከምመሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር’ያ።
ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ዓዲ ጣልያን ካብ ዝኣተዉ፡ እቶም 12 ሽሕ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝተበገሱ ከምዝኾኑ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ለካቲት’ውን ብውሕዱ 13 ሱዳናውያንን ካልኦት 27 ሰባትን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ጃልባኦም ብምስባራ ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ሃለዋቶም ከምዝጠፈአ ዝዝከር’ዩ።
ማእከላይ ባሕሪ ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ብብዝሒ ዝሞቱሉ ‘ሓደገኛ’ ተባሂሉ ዝግለጽ መስመር’ዩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ኣስታት 3000 ስደተኛታት ንማእከላያ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይሕብር።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ቱኒዝያ ሓዲሽ ውዕል ከቲሙ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ቱኒዝያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝተኣተወ ውዕል፡ ቱኒዝያ፡ ሓለዋ ዶባት ንከተጽንዕ፡ ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንኽትሃድንን ኣብ ዶባታ ንዝሓዘቶም ስደተኛታት ናብ ዝመጽእዎ ንኽተመልስን ናይ 118 ሚልዮን ዶላር ደገፍ ክግበረላ ዝብል ዝርከቦ’ዩ።