ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን 33 በጺሖም

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ዝሞቱ ግዳያት 33 ከም ዝበጽሑ ሰብመዚ ጅቡቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሰኑይ 22 ሚያዝያ፡ 77 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ እቲ ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኸኣለ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሊጦም።

እታ ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ጎዶርያ ዝተባህለ ቦታ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ፤ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ግን ኣይጠቐሰን።

ገፈፍቲ ዓሳ፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ክጥሕሉ ድሕሪ ምርኣዮም እዮም ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ኣፍሊጦም።

ነዚ ስዒቡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ልዕሊ 20 ሰባት ከድሕኑ ክኢሎም እዮም።

እንተዀነ ግን ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ክሳብ ሕዚ ደሃዮም ስለ ዘይተረኸበ ቍጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

እቶም ዝደሓኑ፡ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ ኣብ ውሽጢ ስንባደን ራዕዲን ከምዝነበሩ ብንጹር ይርአ ነይሩ።

ድሕሪ ሕክምና ድማ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣለዉ።

እቶም ደሃዮም ዘይተረኸቡ ሰባት ንምድላይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰበመዚ እቲ ከባቢ ይሕግዙ ኣለዉ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኢሰ ኢያህ፡ እቶም ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ህይወት የመን ካብቲ ኣብ ሃገሮም ካብዘሎ ስቓይን ቃልስን ዝዛይድ ብምዃኑ ይምለሱ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣይተ ብርሃኑ ጸጋየ፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

"ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ብቐጻሊ ህይወት ዜጋታትና ንስእን ኣለና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ዝሃድሙ ሰባት፡ ዝሓሸ ህይወት ክረኽቡ ብተደጋጋሚ ብጅቡትን የመንን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብን ኪኖኡን ገጾም ይሓልፉ እዮም።

ገሊኦም ኣብታ ኣብ ትሕቲ ኲናት እትርከብ የመን እውን ተሸኺሎም ይርከቡ።

እዚ 33 ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ጃልባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጠመ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሰንኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ዝጠሓለት ጃልባ ብውሕዱ 38 ኢትዮጵያውያን ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ዓመታዊ ልዕሊ 200 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ተበጊሶም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ሃገራት ንምብጻሕ ብመሬትን ባሕርን ሓደገኛ ጕዕዞ ይገብሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ኣስታት1000 ሰባት ከምዝሞቱ ወይ ወይ ደሃዮም ከምዝጠፍአ ሓበሬታ ሰብመዚ የመልክት።

ኣብዚ መስመር ጕዕዞ ስደተኛታት ሓደገኛ ኵነታት እኳ እንተገጥሞም፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ግን ሕጂ’ውን እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ’ዩ ዝንገር።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን 38 ስደተኛታት ህይወቶም ዝሰኣንሉ ሓደጋ ስዒቡ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብጅቡቲ ኣቢሉ ናብ የመን ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ብዘይካ ሞት ካልእ መኽሰብ የብሉን" ኢሉ ነይሩ።

ኢትዮጵያውያን "ብደላሎ ተታሊሎም ክቡር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከየእትዉን በዚ ሓደገኛ መስመር ካብ ምንቅስቓስ ክቝጠቡን" እውን ከም ዘተሓሳሰበ ይዝከር።

እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ገጠራት ሃገር ዜጋታት መልሚሎም ዝወስዱ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ግቡእ ስጕምቲ ክወስድ ድማ ጸዊዑ።