ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብምኽንያት ብሩራዊ ዝኽሪ ውዕል ኣልጀርስ መግለጺ ኣውጺኡ

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ 1998 ክሳዕ 2000 ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ዘበለ ውዕል ኣልጀርስ 25 ዓመት ንዘቝጸረሉ ምኽንያት ብምግባር፡ ንኽልተአን ሃገራት "ዝውክል ታሪኻዊ ዓወት ሰላም፡" ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ንሙሳ ፋቒ ተኪኡ ኣብ ለካቲት 2025 ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተመርጸ ጅቡታዊ ዲፕሎማት፡ እቲ ውዕል ሰላም፡ "ክልተኡ ኣሓት ህዝብታት ንምትሕብባርን ሓባራዊ ብልጽግናን ንዘለዎ ነባሪ ባህጊ፡" ዘመልክት ምዃኑ'ውን ኣብሪሁ።

ኣብቲ ብምኽንያት ዶብ ከም ዝተወልዐ ዝንገረሎ ኲናት ክልተ ዓመት፡ ካብ ክልተአን ሃገራት ካብ 70,000 ክሳብ 80,000 ህይወት ከም ዝሓለፈ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ - ኣልጀርያ ድሕሪ ዝተኸተመ ዕርቅን ምርድዳእን እዩ ደው ኢሉ።

ኣቦ መንበር መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ህዝብን መንግስትን ኣልጀርያ፡ ነቲ ዘተ ኣብ ምክያድን መስርሑ ኣብ ምሕላውን ንዝነበሮም ዓቢይ ግደ'ውን ኣመስጊኑ።

"ነዚ ዝኽሪ ኣብ እነብዕለሉ ዘለና እዋን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንመንፈስ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለወን ተወፋይነት ደጊመን ከሐድሳ፣ ከምኡ'ውን፡ ዘተን ሰናይ ጕርብትናን ከም ዝበለጸ መንገዲ፡" ሕርያአን ክገብራ ጸዊዑ።

"ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ'ውን ጽቡቕ ህይወት ህዝብታት፡ ኣብ ምሕያል ሓድሕድ ምትእምማን፡ ምስፋሕ ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ድሕነት ዘዳኽም ምዕባለታት ንምክልኻልን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ዝምርኰስ፡" ኢሉ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኣልጀርስ ብዝኣተውዖ ውዕል መሰረት፡ ሓሙሽተ ዝኣባላቱ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ድሕሪ ምቛሙ፡ ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ዝዀኑ ከባቢታት ዶብ፡ ነየነይቲ ሃገር ከም ዝግብኡ ንምውሳን ክኽእል ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

ብምያዝያ 2002፡ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ውሳነ ኣሕሊፉ። ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ እታ መበገሲ ግጭት ክልተአን ሃገራት ከም ምዃና ዝተገልጸት ባድመ ግዝኣት ኤርትራ ክትከውን ተበይኑ።

ኢትዮጵያ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ፡ ወተሃደራታ ካብቲ ቦታ ከተውጽእ ኣይደለየትን።

ነቲ ውሳነ ስዒቡ፡ ምምልካት ዶብ ክፍጸም እንተዀይኑ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ነገራት ስለ ዘለዉ፡ ክፍጠሩ ይኽእሉ ዝበለቶም ጸገማት ብምዝርዛር፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተወሰኽቲ ልዝባት ክካየዱ ሓቲታ።

ኤርትራ ንሕቶ ኢትዮጵያ ብትሪ ነጺጋቶ። በዚ ድማ ጉዳይ ዶብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኵነተ 'ኣይሰላም ኣይኲናት' ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ቀጺሉ።

ኤርትራ ንዓመታት፡ ስምምዕ ኣልጀርስ በቲ 'ናይ መወዳእታን ቀያድን' ውሳነኡ ተግባራዊ ክኸውን ክትሓትት ጸኒሓ።

ኣብ ምያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ዕርቅን ሰላምን ምግባር ሓደ ካብ ቀዳሞት ዕማማቱ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ሰነ 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘካየደ ኮሚተ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ፡ ምእንቲ ንመጻኢ ሰላም ክልተአን ሃገራትን ኣሓት ህዝብታትን፡ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ከም እትገብር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራን ጅዳን ዝተፈራረሙዎ፡ "መዘክር ሰላምን ምሕዝነትን"፡ ምፍጻም ውዕል ኣልጀርስ ሓደ ካብ ቀንዲ ነጥብታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ ክልተኦም መራሕቲ ጽቡቕ ዝምድና ዝነበሮም ግዜ'ውን ፈጽሚ ክገብርሉ ኣይተራኣዩን።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ እቲ ኮምሽን ንኽልተአን ሃገራትን መላእ እቲ ዞባን፡ ሰላም፡ ምዕባለን ስግረ-ዶባዊ ምትሕጋዝ ንምድንፋዕን ንዝግበር ጻዕርታት ክድግፍ ድልውነቱ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ውዕል ኣልጀርስ፡ ክልተአን ሃገራት "ንራኢ ነባሪ ሰላም፡ ከምኡ'ውን ምኽባር ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡" ውፉያት ኰይነን ክርከባ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ይፍለጥ።

እቲ ውዕል፡ "ናይ ሓባራዊ ዶብ ንምሕንጻጽ ዝሕግዙ ኣገባባት፡" ንምፍጣር ከም ዘገልገለ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፡ "ንመሰረታዊ መትከላት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልተአን ሃገራት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ፡" እውን ገሊጹ።

ቀጺሉ፡ "ኣብዚ ኣገዳሲ ምዕራፍ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንውዕል ኣልጀርስ ዝገብሮ ጽኑዕ ደገፍ ደጊሙ ይገልጽ፡" ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣቦ መንበር ሓድነት ኣፍሪቃን ነዚ መግለጺ ዝሃብሉ ግዜ፡ ክልተአን ሃገራት ናብ ዳግማይ ኲናት ከየምርሓ ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።