መቐለ 70 እንደርታ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኩዕሶ ኢድ ኣፍሪቃ ክቐንዓ'ዶ ይኸውን?

ጋንታ ኵዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ሎሚ ሰኑይ ናብ ሞሮኮ ክትገይሽ’ያ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ውድድር ክትሳተፍ ከኣ እዚ ንፈለማ እዩ።

እታ ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተመስረተት ጋንታ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበሩ ክልተ ዓመታት ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዕውት ኣፈጻጽማ ነይርዋ።

ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ካብቲ ሊግ ርሒቓ እንተጸንሐት’ኳ ድሕሪ ሰላም ተመሊሳ ኣብ ዝገበረቶ ፈላማይ ተሳትፎኣ ድማ ካልአይቲ ብምዃን ዛዚማ።

“ናብ ስፖርት ክምለሱ ባህጊ ነይርዎም”

ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ዓመተ-ስፖርት ንፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ኰይና ትመርሖ ነይራ። ቅድሚኡ ከኣ ኣብ 2010 ካልአይቲ ኣብ 2011 [ግእዝ] ሳልሰይቲ ብምዃን ነቲ ሊግ ዛዚማቶ።

ድሕሪ ኲናት ኣብ ዘሎ እዋን ንተጻወትቲ ምትእኽኻብን ነታ ጋንታ ዳግም ምውዳብን ብዙሕ ከምዘይፈተኖም ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣማኑኤል ስዩም ይዛረብ።

“ምኽንያቱ ተጻወትትና ቀልጢፎም ካብ መንፈስ ኲናት ናብ ስፖርት ክምለሱ ባህግን ትጽቢትን ነይርዎም። ምስጸዋዕናዮም ቀልጢፎም ተኣኻኺቦም። ብርግጽ እቲ ኲናት ኣብ ዓቕሚ ተጻወትቲ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወሲኹ “ካብቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ኩነታት ናብ ስፖርት ክትምለስ ቁሩብ ዝኸብድን ግዜ ዝወስድን እዩ። ግን ድልየት ስለዝነበሮም ንብድሆታት እናሰገሩ ናብዚ ደረጃ በጺሖም። ብድሕሪ ኲናት ዝጎደሉ ተጻወትቲ ነይሮምና፤ ግን ድማ ሓደስቲ ተኪእና ኢና ኣብ ፕሪምየርሊግ ተሳቲፍና” ኢሉ።

ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ 11 ጋንታታት እየን ተሳቲፈን። ጋንታ ቂርቆስ ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ክትዛዝም ከላ መቐለ 70 እንደርታ ድማ ካልአይቲ ወጺኣ።

“ናብ ፕሪምየርሊግ ክንምለስ ከለና በጀትን ካልእ ሕጽረታትን ነይሩና። ግን ድማ እቲ ሽግር ንምሉእ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠሞ እዩ ኢልና ንኹሉ ብምጽዋር ዝከኣለና ጌርና። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ውድድር ከቢዱና’ኳ እንተነበረ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ግን ለውጢ ብምምጻእ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚምና” ይብል ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል።

ኣብ ቀዳማይ ‘ሲዝን’ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዘርኣይዎ ትሑት ብቕዓት ኣብ ካልኣይ ሲዝን ኣመሓይሾም ብምምጻእ ንጋንታ ቂርቆስ ስዒቦም ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ክዛዝሙ ምኽኣሎም’ውን ሓቢሩ።

ሓላዊ ልዳት እታ ጋንታ ብርሃኑ ኪዳነ ብወገኑ “ካብ ኲናት ተመሊስና ናብዚ ውድድር ምብቃዕና ብጣዕሚ ዓቢ ታሕጓስ’ዩ ፈጢሩለይ። ብዙሕ ነገራት ሓሊፍና ኢና ናብዚ በቒዕና። ስለዝጸዓርና ኢና ኣብዚ በጺሕና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣብ ኲናት ጸኒሕና፤ ኣምላኽ ፈቒድዎ ተሪፍና ናብዚ በቒዕና” ዝበል ብርሃነ ናብ ስፖርትን ፕሪምየርሊግን ክምለሱ ከለዉ ግን ዘይተማልኡሎም ነገራት ከምዝነበሩን ኣብ ብቕዓቶም ፅልዋ ከምዘሕደረን ገሊጹ።

“ብዙሕ ነገራት ሓሊፍና ኢና ናብቲ ውድድር ተመሊስና። ዘድልየና ነገራት ኵሉ ብእኹል ኣይተማልአን ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ፈላሞት ግጥማት እቲ ሊግ ዓቕምና ትሑት ነይሩ” ክብል ወሲኹ።

ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪቃዊ መድረኽ

ኣብ ቻምፒዮንስሊግ ኣፍሪቃ 16 ጋንታታት እየን ክሳተፋ። ካብ ኢትዮጵያ ድማ ጋንታ ቂርቆስን መቐለ 70 እንደርታን ብመሰረት ኣብ ፕሪምየርሊግ ዝረኸብኦ ደረጃ ኣብቲ ኣፍሪቃዊ መድረኽ ክወዳደራ እየን።

“ቻምፒዮንስሊግ ኣፍሪቃ ከም በዓል ዛማሊክን ኣልሃሊን ዝበላ ዓበይቲ ጋንታታት ግብጺ ዝሳተፋሉ ግጥም እዩ። ክሳብ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየዱ ውድድራት ዝሳተፋ ዓበይቲ ጋንታታት እየን። ንሕና ግን እዚ ውድድር ንመጀመርታ ግዜ ኢና ንሳተፈሉ ዘለና” ይብል ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል።

ተሞክሮ ዝረኽበሉ ውድድር ከምዝኸውን ትጽቢቱ ብምግላጽ ግን ድማ ካብተን ዝወዳደራ 16 ጋንታታት ናብ 8 ዝኣትዉሉ ዕድል ንምፍጣር ከምዝጽዕሩ ተዛሪቡ።

“ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ከቢድ ውድድር’ዩ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ዝሓሻ ጋንታታት እየን ዝሳተፋሉ። ብወገንና ዝሓሸ ውጽኢት ንምምጻእ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ምድላው ክንገብር ጸኒሕናለና” ኢሉ።

መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ቀዳማይ ግጥማ ምስ ግብጻዊት ጋንታ ኣልሃሊ እያ ክትራኸብ።

ኣልሃሊ ብዙሕ ተሞክሮ ዘለዋ ዓባይ ጋንታ ምዃና ዝዛረብ ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል “ብዙሕ ኣፈላላይ እዩ ዘለና። ብሜዳ፣ ብናውቲ ስፖርትን ካልእን ብብዙሕ መገዲ ይበልጹና እዮም። ስለዚ ንሕና ዝበለጸ ብቕዓትና ኣርኢና ተሞክሮ ብምርካብ ነቲ ውድድር ክንዛዝም ኢና ንሓስብ። ኣብ ሜዳ ዝፍጠር ኩነታት ድማ ዝፍለጥ ኣይኮነን” ክብል ኣረዲኡ።

እታ ጋንታ ነቲ ኣብ ቅድሚት ዝጸበያ ዘሎ ኣፍሪቃዊ መድረኽ ብዝሓሸ ብቕዓት ክትሳተፈሉ ፅዑቕ ቅድመ ምድላዋት ከምዝገበረት ሓላዊ ልዳት ብርሃነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኢና ክንዳለወሉ ጸኒሕና። ኣብ 8 ወይ 4 ጋንታታት ክንኣትው ኢና ንሓስብ። ብርግጽ መጋጥምትና ኣልሃሊ ዓባይ ጋንታ እያ። ቅድሚ ሎሚ ንጋንታ ቂርቆስ እናተጻወትኩ ኣንጻር ኣልሃሊ ገጢመ ነይረ። ከባድ ጋንታ እያ። ክሳብ ኣውሮጳ እናኸዱ ዝጻወቱ እዮም። ግን ድማ ክንድዝኸኣልናዮ ክንጻወት ኢና” ክብል ገሊጹ።

ንዝተፈላለያ ሃገራት ዝውክላ 16 ጋንታታት ኣብ ዝሳተፋሉ ቻምዮንስሊግ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲ ወከፍ ምድብ ኣርባዕተ ጋንታታት ተመዲበን ኣለዋ። መቐለ 70 እንደርታ ድማ ምስ ግብጻዊት ኣልሃሊን ክልተ ካብ ኮንጎ ዝመጽኣ ጋንታታትን ክትራኸብ’ያ።

ትንሳኤ ስፖርት ትግራይ

ምምሕዳር ከተማ መቐለን ቦርድ መቐለ 70 እንደርታን ንውጽኢታውነት እታ ጋንታ ደገፋት ይገብሩ ምህላዎም ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ድሕሪ ኲናት ኣብ ዘሎ ኵነታት ኮይና ከቢድ እዩ። ግን ድማ ብሳላ ዝገበሩልና ደገፍ ኢና ናብዚ ደረጃ ክንምለስ ክኢልና። ዕጥቂ፣ ናውትን ካልእ ነገራትን ኣይጎደለናን። ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ድማ ናብዚ ውጽኢት በቒዓና” ኢሉ።

ምንቅስቓስ ስፖርታዊ ንጥፈታት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ይምለስ ከምዘሎ ዝዛረብ እቲ ኣሰልጣኒ “ብፍላይ እቲ መንእሰይ ድምጺ ኲናት ስለዝጸልአ ባዕሉ ድፍኢት እናገበረ ናብ መንፈስ ስፖርት ክኣቱ ይፍትን ኣሎ። ስለዚ በዚ እንተቐጺሉ ጽቡቕ ተስፋታት ኣሎ” ክብል የረድእ።

ኣብዚ እዋን እተን ድሕሪ ኲናት ናብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዝተመለሳ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ፣ ስሑል ሽረን ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን ገና ኣብ ምጅማር እቲ ሊግ ዘርእይኦ ዘለዋ ብቕዓት ተስፋታት ትንሳኤ ስፖርት ትግራይ ዘርእዩ ምዃኖም ኣማኑኤል ይጠቅስ።

“እተን ጋንታታት ኣብቲ ሊግ ዝገብርኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ተስፋ ዝህብ እዩ። ባዕሉ እቲ መንእሰይ እዩ ናብዚ ድፊኡ ዝኣትው ዘሎ። ምኽንያቱ ካብቲ ዝነበሮ ኩነታት [ኲናት] ንምውጻእ ይጽዕር’ዩ ዘሎ።