እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክሽነኹም እትጥቀምሉ ስፖንጅ መዓስ ክትድርብይዎ ኣለኩም?
ስፖንጅ ዝተመገብናሎም ሸሓኒታት ንምጽራይ ንጥቀመሎም ኢና። እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ክሽነና እንጥቀመሉ ስፖንጅ (ሰፍነግ)፡ ብራሕስን ርፍራፍ ምግቢን ዝተመልአ እዩ።
እዚ ድማ ባክተርያታት ንኽራብሑ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር እዩ።
ኣብ ክንዲ ስፖንጅ ኣስፓስላ ወይ ብሩሽዶ ክንጥቀም ኣለና?
ባክተርያታት ኣብ ከቢድ ኵነታት ብኸመይ ክነብሩ ከም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም።
ገለ ባክተርያታት ኣብ ውሽጢ ሓመድ ወይ ግማዕ መሬት፡ ንጥፈታት እሳተ-ጐመራ ኣብ ዝርከበሉ ዝፈልሐ ማይን ኣዝዩ ዝሑል ከባቢ ቱንድራን እንከይተረፈ ናይ ምንባር ዓቕሚ ኣለዎም።
ንመብዛሕትኦም ባክተርያታት ኣበይ ክነብሩ ከም ዝደልዩ እንተ ንሓቶም ግና፡ ሕርያኦም ኣብቲ ኣብ ክሽነና ዘሎ ስፖንጅ ምዀነ።
እወ፡ እቲ ዝበላዕናሉ ሸሓኒ ይዅን ዝሰተናሉ ብርጭቆ እንሓጽበሉ ስፖንጅ፡ ከም ባክተርያ ብዝኣመሰሉ ታህዋስያን ዝተመልአ እዩ።
ስፖንጅ ንባክቴርያታት ገነቶም እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፉርትዋገን ጀርመን ተማራማሪ ማይክሮባዮሎጂ ማርከስ ኢገርት፡ ኣብ 2017 ኣብ ክሽነ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓሉ ስፖንጅታት ብምጥቃም፡ ብዛዕባ ባክተርያታትን ተዛመድቲ ታህዋሳትን ዘካየዶ መጽናዕቲ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ስፖንጅታት 362 ገዘፍቲ ዓሌታት ባክተርያን ታህዋስያንን (ብማይክሮስኮፕ ጥራሕ ዝረኣዩ) ኣብ ሓደ ትርብዒት ሰንቲ-ሜተር እቲ ስፖንጅ 54 ቢልየን ባክተርያታት ረኺቡ።
ኢገርት፡ "እዚ ገዚፍ መጠን'ዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ናይ ወዲሰብ ቅምሶ ፍታን ትረኽቦ መጠን ዝመሳሰል'ዩ፡" ይብል።
ስፖንጅ ብነዃላትን ጁባታትን ዝመልአ ስለ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌታት ማይክሮብስ (ባክቴርያታትን ካልኦት ታህዋስያንን) ዓሪዶም ክነብሩን ክራብሑን ዘኽእል እዩ።
እሞ እቶም ኣብ ስፖንጅታት ዝተረኸቡ ባክተርያታት ንዓና ከሻቕሉናዶ ይግባእ? ዝብል እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ።
ከሻቕለናዶ ይግባእ?
እቲ ኢገርት ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዲኤንኤ ናይቶም ቀንዲ ዓሌታት ኣቐሚጡ። ዋላ'ኳ ዓሌት ናይ ሕድሕድ ባክቴርያ ምፍላጥ እንተ ዘይተኽኣለ፡ ካብ ዓሰርተ ባክቴርያታት እቶም ሓሙሽተ ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ኣብ ዘለዎም ሰባት ረኽስታት ከስዕቡ ምስ ዝኽእሉ ባክተርያታት ከም ዝዛመዱ ኣረጋጊጹ።
ስፖንጅ ኣብ ማይክሮዌቭ ምውዓይ፡ ብውዑይ ማይ ምሕጻብን ሳሙና ምጥቃምን ሓዊሱ ዝግበር ፍሉይ መስርሕ ጽሬት፡ ነዞም ኣብ ክሽነ ኣብ ንጥቀመሉ ስፖንጅ ዝርከቡ ባክቴርያታት ንምቕታል ኣይሓገዘን።
እዚ ከይዲ ንዝተወሰኑ ባክተርያታት ክቐትል ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ንኻልኦት እቶም ዝያዳ ተጸዋራይነት ንዘለዎም ዓሌታት ባክተርያ ግና ክዓብዩን ክራብሑን ጥጡሕ ባይታ ከም ዝፈጥረሎም እዩ፡ እቲ ማርከስ ኢገርት ዘካየዶ መጽናዕቲ ዘረጋግጽ።
ይዅን'ምበር፡ እቶም ብኢገርት ዝተረኸቡ ባክተርያታት ምስ ምምራዝ ምግብን ከቢድ ሕማምን ዝተኣሳሰሩ ኣይኰኑን።
ብርግጽ እቶም 90 ሚእታዊት ምስ ምግቢ ብዝዛመድ ሕማም፡ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክድቅሱ ዘገድዱ ሓሙሽተ ጠንቅታት ሕማም ዝዀኑ ታህዋስያን እዮም።
እቶም ከቢድ ሕማምን ምምራዝ ምግቢን ዘምጽኡ ሰለስተ ባክተርያታት ኤሸርችያ ኮሊ፡ ሳልሞኔላን ካምፒሎባክተርን እዮም።
እቲ ሩፍታ ዝህብ ግና፡ እዞም ባክተርያታት ኣብቲ ኣብ ክሽነና ዘሎ ስፖንጅ ኣይርከቡን።
እቶም ኣብ ክሽነና ኣብ ዝርከብ ስፖንጅ ዝዓረዱ ባክተርያታት ኵሉ ግዜ ጐዳእቲ'ኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ከም ሳልሞኔላ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ሓደገኛ ባክተርያታት ኣብቲ ስፖንጅ ምስ ዝዓርፉ ግና፡ ኣቀማምጣ እቲ ስፖንጅ ምቹእ መንበርን መራብሕን እቲ ሕማም ዘምጽእ ባክተርያ እዩ ዝኸውን።
ካልእ መጽናዕቲ ላንግስሩድ ድማ እዞም ኣብ ስፖንጅ ዝተራብሑ ባክተርያታት ናብቶም ንጥቀመሎም ሸሓነታት፡ መሳተያታትን ከባብታት እቲ ክሽነን ክሓልፉ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።
መዓስ እዩ ክውገድ ዘለዎ?
እዚ መጽናዕቲ እቶም ኣብ ስፖንጅ ዝተራብሑ ባክተርያታት ሳልሞኔላ ናብ ኣስፓስላ ወይ ብሩሽ መሕጸቢ ኣቑሑ ምስ ገበርዎ፡ እቶም ባክተርያታት ሞይቶም። መሕጸቢ ብሩሻት ኵሉ ግዜ ራሕሲ ዘይብሎም ደረቓትን ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ባክተርያ ሳልሞኔላ ክመውት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስፖንጅ ግና ብራሕስን ኩርምራም ምግብን ዝተመልአ ስለ ዝዀነ፡ ምቹው መራብሒ እዩ ዝዀኖም።
ስለዚ፡ ኣብ ክሽነኹም ትጥቀምሉ ስፖንጅ መዓስ ኢኹም ክትድርብይዎ ዘለኩም?
መጽናዕትታት፡ ስፖንጅታት ክሽነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክእለዩ ወይ ብሓድሽ ክትክኡ ከም ዘለዎም የመልክቱ።
ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣገልግሎት እቲ ስፖንጅ ንምንዋሕ፡ ምሸት ኣብ መሕጸቢ ኣቑሑ ወይ ከኣ ኣብ ማይክሮዌቭ ንሓደ ደቒቓ ዝኸውን ብምቕማጥ ክተጽርይዎ ከም ትኽእሉ ይሕብሩ።
እዚ ከይዲ ንዝበዝሑ ታህዋስያን ክቐትሎም ይኽእል እዩ።
እንተዀነ ኢገርት ከም ዘረጋገጾ፡ እዚ ከይዲ ነቶም ተጻወርቲ ዝዀኑ ዓሌታት ባክተርያ ዝያዳ ንኽራብሑ ዝድርኽን ኣብ ከይዲ ድማ ውጽኢት ዘይብሉን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስፖንጅ ኣብ ዝፈልሐ ማይ ምጥጣቕ እውን ንዝበዝሑ ባክተርያታት ክቐትል ይኽእል እዩ። ገለ ግና ብህይወት ክቕጽሉ ይኽእሉ'ዮም።
እቲ ካልእ ኣማራጽ ድማ ዝተጠቐምኩምሉ ስፖንጅ ኣብ መሕጸቢ ኣቑሑ ዘይምግዳፍ፣ ክነቅጽ ምግባርን እቲ ኣብቲ ስፖንጅ ዝጣበቕ ትርፍራፍ ምግቢ ምጽራይን'ዩ።
ኣቑሑ ንምሕጻብ ስፖንጅ ከም ዘይጥቀም ዝገልጽ ተማራማሪ ማርከስ ኢገርት፡ "ኣስፓስላ ወይ ብሩሽ ትሑት ባክተርያ ስለ ዝሕዝን ቀልጢፉ ስለ ዝደርቕን ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ። ንምጽራዩ'ውን ዝቐለለ'ዩ፡" ይብል።