ጌታቸው ረዳ፡ ብዛዕባ ግጭት ኣላማጣ፣ ምጽንባር ህወሓትን ብልጽግናን እንታይ ይብል?

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣወስንቲ ከባቢታት ትግራይን ኣምሓራን ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ብሰሉስ ምሸት ምስ ‘ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እቲ ጐንጺ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ክልላት ዘለው “ኣባላት ሚሊሻ” ዝነበረ እዩ ብምባል፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ጠጠው ንምባል ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ዘይደልዩ ኣካላት ግን ጐንጺ ንምፍጣር ይጽዕሩ ኣለው ክብል ከሲሱ።

ይዅን’ምበር፡ እዞም ‘ናይ ውሽጥን ግዳምን’ ዝበሎም ኣካላት ብሽም ኣይጸውዐን።

ኣቶ ጌታቸው፡ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት ከረድእ እንከሎ፡ “ገለ ብሸነኽ ኣምሓራ ዝድገፉ ኣባላት ሚሊሻ፡ ዝተፈላለዩ ዘስግኡ ምንቅስቓሳት ክገብሩ ጸኒሖም’ዮም። ብኣና ወገን ዘለው ኣባላት ሚሊሻ ክኣ ንዕኡ ምላሽ ሂቦም” ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘበ” እዩ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቶም ንክልቲኡ ክልላት ዘስሓሕቡ ከባቢታት ዘሎ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ንኸይከውን ይገብር ኣሎ ክብል ኣብሪሁ።

“ኣብ መንጐ ትግራይን ኣምሓራን፡ ወይ ፈደራል መንግስትን ትግራይን ግጭት ኣይነበረን። ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ክልል ኣምሓራ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብ ባህርዳር ዘለው ኣካላት ግን ፍልልይ ብዘተ ንምፍታሕ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ክግንዘቡ ኣለዎም” ይብል።

ብዛዕባ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዝተላዕለ ጐንጺ

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ብ17 ሚያዝያ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ “ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ክመሃር ዘይከኣለ ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ” ክብል ይኸስስ።

እቲ ክልል ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብተን ንክልቲኦም ምምሕዳራት ዘስሓሕቡ ከባቢታት ራያ ንመዓልታት ዝጸንሐ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስ ፈደራልን ናብ ከተማታት ከም ዝኣተዉን ዕጡቓት ህወሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ከባቢታት ከም ዝኣተዉን ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ክልቲአን ክልላት ካብ መንጐ ዝበሃሉ ከባቢታት፡ ራያ ኣላማጣ፡ ራያ ባላ፡ ኦፍላ፡ ኮረምን ዛታን ምዃኖም ብምግላጽ መንግስቲ ፈደራል ይዅን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ስጕምቲ ደው ከብሉ ጸዊዑ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ብውሑድ 50 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብዞም ከባቢታት ዝርከቡ “ዘይሕጋዊ” ምምሕዳራት ኣምሓራ ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፈደራል ስምምዕ ከም ዝተገብረ ጠቒሱ።

“ኣብ ኣላማጣ ዝጀመርናዮ ግጭት የለን፤ መንግስቲ ፈደራል ሓይልታት ትግራይ ግጭት ጀሚሮም ኣይበለን። ካብዚ ወጻእ፡ ኣብዞም ከባቢታት ዘለው ዘይሕጋዊ መምሕዳራት ኣብ ምፍራስ ምስ መንግስቲታት ፈደራልን ኣምሓራን ኢና ንሰርሕ ዘለና” ይብል።

ብተመሳሳሊ፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ደቡብ ትግራይን ወረዳታት ጸለምትን” ዝተመስረቱ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ምምሕዳር ትግራይን ሓድሽ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብዞም ከባቢታት ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መንበሪ ቦታኦም ምምላስ ኣካል ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከም ዝዀነ ብምዝኽኻር፡ እቶም ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኢሉ’ውን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለው ገሊጹ።

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኲናት ጠጠው እኳ እንተኣበለ፡ ኣካል እቲ ስምምዕ ዝዀኑ ካልኦት ግብራዊ ዘይኰኑ ሓላፍነታት ኣለው’ዮም ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ “ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዘለው ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ፈሪሶም” ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ንክምለሱ ኵሉ ዓይነት ውሕስና ክውሃቦም ኣለዎ ዝብል ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ነዊሕ ግዜ ክወስዶ ኣይምተገብኦን ነይሩ ዝብል ኣቶ ጌታቸው፡ “ክሳብ ሕጂ፡ እዚ ይትግበር ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብዝተወሰነ መልክዑ ድማ ምስ ምምሕዳር ኣምሓራ ብሓባር ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። እንተዀነ፡ እዚ ተፈጻሚ ንከይኸውን ዝገብሩ፡ ኣብ ኣምሓራ ጥራይ ኣይኰነን ኣብቲ ዞባ ምሉእ ኣካላት ከም ዘለው ርግጸኛ እየ” ኢሉ።

ኣፈላላያት ብዝርርብ ንፍታሕ ዝግበሩ ዘለው ጻዕርታት እንተቐጺሎም፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርኣዩ ዘለው ጐንጺታት ክዓርጉ እዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ምምሕዳሩ ምስ ብልጽግና ዘለዎ ርክብ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኰነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እወንታዊ ናይ ስራሕ ርክብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ምጽንባር ህወሓት ናብ ብልጽግና ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ክወጽኡ ዝቐነዩ ሓበሬታታት ግን “ፍጹም ሓሶት’ዮም” ክብል ነጺጉ።

“ኣብ ቀረባ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምስ ውህደት ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። እቲ እነካይዶ ዘለና ዝርርብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ዝዀነሉ ኣገባብ’ዩ። ውህደት ኣጀንዳ ኰይኑ ኣይፈልጥን” ብምባል ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ነዚ ንምትግባር ዝሕግዙ መደባት ክሕንጽጹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘለው ገሊጹ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዘለዎ ርክብ ዝምልከት ዝተሓተተ ኣቶ ጌታቸው፡ “ጽቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ’ዩ ዘለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናይ ርእስና ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለውና” ይብል።

ወሲኹ፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሓባር ንክንሰርሕ ዕድል ስለ ዝሃበና፡ ንህዝብና ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ሓጊዙና እዩ። እዚ ድማ ቀጻሊ እዩ ኢለ ይግምት” ክብል መልሲ ሂቡ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓተትቲ ክዀኑ ዝግብኦም ኣካላት ክሕተቱ ኣለዎም ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ “ንዓይ ሓዊሱ፡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ክሕተት ኣለዎ። ዋላ ሓደ ናጻ ንክኸውን ክፍቀድ የብሉን። ሰላምን ፍትሕን ንምዕሳል ዝበደለ ክሕተት ኣለዎ” ኢሉ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብቲ ዝመርሖ ዘሎ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ኣዝዩ “ዘሰክፍ” ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ነበርቲ ንምሕጋዝ ምስ ማእከላይ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር ይስራሕ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

“ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዓርሶም ዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ ኣይክእሉን። ቍጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዘይነከየ ክኣ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕሱም’ዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ረድኤት ኢና ንደሊ። ምስ መንግስቲ ፈደራል ጸጋታት ውሽጢ ዓዲ ኣተኣኻኺብና ክንፈትሖ ኢና ተሰማሚዕና” ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ጸገማት ዝስዓበ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ይርከብ። ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ብዝሒ ሕጽረት መግቢ ዘጋጥሞም ሰባት 10.8 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት።

ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት፡ ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕናን ትሕተ ቕርጺ ማይን ዝዓነዎም ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዘጋጥም ሕጽረት መግቢ ድማ እናኸፍአ ከም ዝኸይድ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ኣሎ።