እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝሃነጻ ሃገራት ኣየኖት እየን?
ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ዝርከብ መትረብ ባብኤል-መንደብን ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ገለ ሃገራት ይቀዳደማ፤ ገሊአን ድማ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ይሃንጻ ኣለዋ።
ከም ውጽኢቱ እቲ ከባቢ ናይ ሓያላንን ረብሓታቶም ክሕልዉ ዝደልዩ ሃገራትን ዓውደ ውግእ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሃገራት ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብቲ ዞባ ዘለወን ጽልዋ ንምዕባይ ዝከኣለን ክገብራ ጸኒሐን እየን።
ከም ቻይናን ኣሜሪካን ዝኣመሰላ ሓያላት ሃገራት ኣብቲ ዞባ ጥራይ ዝሰርሑ ኣምባሳደራት መዚዘን ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ቻይናን ኣሜሪካን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እንተላይ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ዑደት ኣካይዶም።
ካብተን ካብ ሃገረን ወጻኢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝመስረታ ሃገራት፡ ውሑዳት ጥራይ እየን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰራዊት ዘይብለን። ገለ ካብኣተን ድማ ካብ ሃገረን ወጻኢ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለወን እየን።
እዚኦም ድማ ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ ወተሃደራዊ ወደባት፡ ሓይሊ ኣየርን ማእከላት ስልጠናን ይርከብዎም።
ንምዃኑ ኣየኖት ሃገራት እየን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘቘማ?
ኣሜሪካ
ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ግደ ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ እናወሰኸ መጺኡ።
ኣብ 2001 ጅቡቲ ንካምፕ ለሞኒየር ንኣሜሪካ ኣካሪያቶ። ቀዋሚ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምግባሩ ኣብ ዝተትሓዘ ትልሚ ከኣ ካብ 39 ሄክታር ናብ 202 ሄክታር ክዓቢ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብ 2012 ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምዕባል 14 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ብዝገበሮ ስምምዕ፡ ን30 ዓመት ክራይ ክኽፈልን፡ ዓመታዊ ወጻኢታት 63 ሚልዮን ዶላር ክኸውን ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ኣስታት 2000 ሰራዊት ኣሜሪካን መሻርኽቱን ዝሓቘፈ እዩ።
ኣብ 2017 ኣስታት 4000 ወተሃደራት ንግዚኡ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሮም ከምዝነበሩ ይንገር። እቲ ማእከል ኣባላት ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ካብ ምስፋር ብተወሳኺ፡ መዋፈሪ ሰብ-ኣልቦ-ነፋሪትን ማእከል ስለያን ኣሜሪካ ኰይኑ የገልግል።
ቻይና
ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዑል ንግዳዊ ርክብ ክትምስርት ዝኸኣለት ቻይና፡ ኣብ 2008 እያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ወፍሪ ጸረ-ሽፍትነት ባሕሪ፡ ጀሚራ።
ኣብ ዝቐጸሉ ዓሰርተ ዓመታት፡ 26 ሽሕ ሰራዊት ናብቲ ከባቢ ኣዋፊራ። ካብ 2009 ክሳብ 2013 ሰራዊት ቻይና ብፍላይ ድማ ሓይሊ ኣየር ቻይና ካብ ወደብ ጅቡቲ ሎጂስቲካዊ ድጋፍ ይረክብ ነይሩ።
ቻይና ኣብ 2017 ብወግዒ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር መስሪታ። እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ሎጂስቲካዊ ደገፍ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ኣብ ጸረ-ሸፍትነት ባሕሪ፡ ዓቃብ ሰላምን ካልእ ስርሒታትን ተሳትፎኣ ዘሐየለትሉ እዩ። ዜጋታታ ካብ ግጭት ዝበዝሖ ከባቢታት ካብ ምውጻእ ሓሊፉ፡ ጸጋታት ካልኦት ሃገራት ንምሕላው እውን ይጥቀመሉ።
ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ቻይና ካብ ወደብ ዶራሌህ ንደቡባዊ ምዕራብ ይርከብ። እቲ 36 ሄክታር ዝስፍሓቱ ወተሃደራዊ መዓስከር ን10 ዓመት ዝጸንሕ ውዕል ክራይ ፈሪማትሉ። ኣብ ዓመት 20 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምእትገብረሉ መረዳእታታት ይሕብሩ።
ፈረንሳ
ፈረንሳ ካብ ግዝኣታ ወጻኢ ኣብ ጅቡቲ ዝዓበየ ቀዋሚ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ። ፈረንሳ ኣብታ ግዝኣታ ዝነበረት ጅቡቲ፡ ካብ 1970ታት ኣትሒዛ ወተሃደራዊ መዓስከር ሃኒጻ ጸኒሓ እያ።
ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ጅቡቲ ካብ ምውፋር ብተወሳኺ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ህንዳዊ ውቅያኖስ ወይ ማእከላይ ምብራቕ ብምውፋር ሓለዋ ክገብር ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት፡ ሰራዊት ፈረንሳ፡ ዶባትን ክሊ ኣየርን ጅቡቲ ናይ ምሕላው ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ሰራዊት ፈረንሳ ንሓይልታት ጀርመንን ስጳኛን ሓዊሱ ንጸረ መራኽብ ኣውሮጳውያን ሓይልታት እውን የአንግድ።
እቲ ሰራዊት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይድ።
ተሳትፎ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብቲ ከባቢ፡ ብባይቶ እታ ሃገር ኣብ ሕቶ ኣትዩ ‘ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ተልእዀ ግን ኣይዓንቀፎን።
ሰራዊት ጀርመን ኣብ ጅቡቲ ጐድኒ-ጐድኒ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ጀርመን ካብ 2001 ጀሚራ ሰራዊታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዋፊራ ኣላ፤ ንገለ ሰራዊታ ድማ ኣብ ወፍሪ ሕብረት ኣውሮጳ ኣካቲታቶ ኣላ።
ስጳኛ ብዘይካ ጀርመን ኣስታት 50 ወተሃደራት ኣብ መደበራት ፈረንሳ ኣዋፊራ ኣላ።
እታ ሃገር ካብ 2008 ጀሚራ መራኽባን ነፈርታን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኤውሮጳ ንሓለዋን ስለያን ኣዋፊራ ትርከብ።
ቱርኪ
ቱርኪ ኣብ 2009 ሓይሊ ባሕራ ኣብ ውግእ ጸረ-ሽፍትነት ባሕሪ ክዋፈር ዘፍቅድ ፈላሚ ሕጊ ኣጽዲቓ። ድሒራ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ስርሒት ጸረ-ሽፍትነት ባሕሪ ተጸንቢራ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ብተደጋጋሚ ሓይሊ ባሕራ ናብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደንን ባሕሪ ዓረብን ኣዋፊራ።
ቱርኪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ’ውን ወተሃደራዊ መዓስከር ሃኒጻ ኣላ። እቲ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከራ 50 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ዝሓትት ኮይኑ፡ 200 ወተሃደራት ዝሓቖፈ እዩ። ቱርኪ ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ እውን ስልጠና ትህብ።
ቱርኪ ምስ ሱዳን ናይ 99 ዓመት ናይ ክራይ ስምምዕ ብምፍራም ንደሴት ሰዋኪን ናብ ማእከል በጻሕቲ ክትቅይራ ወሲና ኣላ። እዚ ስምምዕ፡ ብፍላይ ኣብ ግብጽን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ጽቡቕ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ድሒረን ሱዳንን ቱርኪን እቲ ስምምዕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዘየጠቓልል ኣፍሊጠን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ንጥፈታት ኢራን ንምድራት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባውን ወተሃደራውን ርክብ ተሕይል ኣላ።
እታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት መደብ እኳ እንተነበራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈጥረ ዘይምርድእ ኣይተዓወተን።
ጸኒሓ ድማ ሓሳባ ቀይራ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከራ ክትሃንጽ ወሰነት። ድሒራ ከኣ ነቲ ህንጸት ወዲኣ ኣብ ኲናት የመን ንምስታፍ ተጠቒማትሉ። እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ዝተነበረ እገዳ ኣጽዋር ብምጥሓስ ዝተመስረተ ምዃኑ ይንቀፍ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሞቓድሾ’ውን ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ንምስልጣን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣጣይሻ። ድሒሩ ግን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ምስሕሓብ፡ ካብቲ መዓስከር ምስ ወጸት፡ ሶማልያ ነቲ ቦታ ሒዛቶ።
ኣቓልቦኣ ናብታ ርእሰ-ናጻነት ዝኣወጀት፡ ሶማሊላንድ ብምቕያር፡ ኣብ በርበራ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ክትሃንጽ ተሰማሚዓ። ን25 ዓመታት ዝጸንሕ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ሓይሊ ባሕሪ ህንጸት ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ 42 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን መደበር ንምህናጽ 90 ሚልዮን ዶላር ከምዝውድእ ይንገር።
ዓባይ ብሪጣንያ
ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ንምትእስሳር ኣብ ካምፕ ለሞኒየር ኣብ ጅቡቲ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰራዊት ኣቐሚጣ።
ካብ የመን ናብ መትረብ ባብ ኤል-ማንደብ ኣብ ዝርከብ መስመር ንግዲ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ፍሉይ ሓይላ ናብ ጅቡቲ ሰዲዳ።
ሩስያ
ኣብ 2008 ናይ ገዛእ ርእሳ ወፍሪ ጸረ-ሽፍትነት ባሕሪ ጀሚራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ተኸታታሊ ወፍርታት ኣካይዳ።
ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ መራኽብ ውግእ እውን ይዋፈራ። ናይ ጅቡትን ካልኦት ወደባትን እውን ትጥቀም እያ።
ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዘለዋ ጽልዋ ንምሕያል ተገዳስነት ከምዘለዋ ይንገር። ሱዳን ቀዳመይቲ ምርጫኣ እያ።
ሱዳንን ሩስያን ኣብዚ ጉዳይ ተደጋጋሚ ዘተ ድሕሪ ምክያደን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ይግለጽ።
ኣብ 2018 ድማ ምስ ኤርትራ ናይ ሎጂስቲክስ ወደብ ንምቛም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ተሓቢሩ ነይሩ።
ህንዲ
ቻይና ገጻ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምምላሳ፡ ህንዲ ሓይልታት ባሕራ ኣብቲ ከባቢ ኣዋፊራ ኣላ። ውዕል ንምፍራምን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ጃፓን ንምስታፍን ዝርርብ ጀሚራ ነይራ።
ህንዲ ምስ ኣሜሪካን ፈረንሳን ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራተን ክትሳተፍ ጀሚራ። ኣብ 2018 ብወደብ ዱቅም ኣቢላ ንሓይሊ ባሕራ ሎጂስቲካዊ ደገፍ ንምሃብ ምስ ዖማን ስምምዕ ፈሪማ።
መራኽብ እታ ሃገር ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ንምክልኻል ኣብ ማዳጋስካር ወተሃደራዊ መዓስከር ብምህናጽ ንቻይና ንምብዳህ ጻዕርታታ ኣሐይላ ኣላ። ኣብ ሲሸልስ፣ ሞሪሸስ፣ ማልዲቭስን ስሪላንካን 32 ራዳራት ምክትታል ናይ ወደባት ከምዘተኸለት ኣፍሊጣ። ኣብ ሲሸልስ ብናይ 20 ዓመት ውዕሊ ክራይ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ሃኒጻ ኣላ።
ስዑዲ ዓረብ
ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ብዝተኣሳሰር፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ክብ ኢሉ ይርከብ።
ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ፈለማ ኣብ ጅቡቲ ዓሪዱ ነይሩ። ኣብ 2015 ዝምድና ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጅቡትን እናዓበየ ምስ ከደ፡ እቲ ሰራዊት ናብ ካልእ ቦታታት ክግዕዝ ጀሚሩ። ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ን ካልእ ኣብ ጅዳ ዝርከብ ወደብን ቀዳሞት ኣማራጺታት እዮም።
ድሒሩ ኣብ 2016 ስዑዲ ዓረብ ምስ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ኣብ ስምምዕ በጺሓ።
ኣብ የመን ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብዝሒ ዘለዎ ሓይሊ ባሕሪ ኣዋፊራ ትርከብ።
ኢጣልያ
ወተሃደራዊ መዓስከር ኢጣልያ ኣብ ጎኒ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጅቡቲ-ኣምቡሊ ይርከብ።
እቲ መደበር ኣብ 2013 ዝተመስረተ፡ ኣብቲ ከባቢ ንሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ንምድጋፍ እዩ ።
300 ወተሃደራት ክሕዝ ዝኽእል ኰይኑ፤ 80 ኣባላት ጥራይ ኣለዉዎ።
ዓመታዊ 2.6 ሚልዮን ዶላር ክራይ ከምዝኽፈለሉ ከኣ ይዝረብ።
ጃፓን
ጃፓን ካብ 2009 ጀሚራ ንወፍወሪ ጸረ-ሽፍትነት ባሕሪ፡ መራኽብ ውግእን ነፈርትን ናብ ወሽመጥ ዓደን ከተዋፍር ጸኒሓ እያ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከራ መስሪታ። እቲ ኣብ 12 ሄክታር መሬት ዝርከብ መዓስክር 180 ወተሃደራት ክሕዝ ዝኽእል እዩ።
ንህንጸቱ 40 ሚልዮን ዶላር ከምዝወዓለ ይግለጽ።
ቻይና ኣብቲ ዞባ ህለወኣ ምስ ምሕያላ፡ ጃፓን ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምዕባይ እውን መደባት ኣለዋ።
ጃፓን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሃገራት እውን ወተሃደራዊ ስልጠና ትህብ። ምስ ህንዲ ኣብ ዝገበረቶ ስምምዕ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራ ምስ ደልሂ ብሓባር ንምጥቃም ወሲና ኣላ።
ውሁድ ሓይልታት ባሕሪ
ኣብ ሶማልያ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ሰፊኑ ብዝነበረ ቅልስ ጐይቶት ኲናት፡ ኣብ ባሕሪ ስርቂ ኣዝዩ ሰፊሑ ኔሩ።
በዚ ከኣ እቲ ንዓለምለኻዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዝንገረሉ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ብሸፋቱ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኔሩ።
ኣሜሪካ ነዚ ስግኣት ንምእላይ፡ ሽርክነት ናይ 33 ሃገራት ውሁድ ሓይልታት ባሕሪ ብምምስራት ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክሳዕ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝዋፈር ጌራ።
ኣብ ጸረ ግብረሽበራ ትኹረት ብምግባር ንሽፍትነት ምቅላስ፤ ዞባዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕን ውሑስ ሃዋህው ባሕሪ ንምፍጣርን ዓሊሙ እዩ ቘይሙ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ምሕዝነትን ሽርክነትን ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከራት ካብ ምቛም ሓሊፈን፡ ሰራዊት ብምውፋር ኣብ ባሕሪ ናዕብን ግብረሽበራን ንምክልኻል ይሰርሓ እየን።
ኣብዚ መዳይ’ዚ ሕብረት ኤውሮጳ- ዝምእዘን፡ ስርሒት ኣትላንታን ብኔቶ ዝተኻየደ ስርሒት ኦሽን-ሺልድን ይጥቀሱ።