'ሰበይትን ብዕራይን ኣብ ሳልስቲ' ዝብል ኣተሓሳስባ ክብድሃ ዝተላዕላ ደቂኣንስትዮ

'ስቕታ ምስባር' ብ4 ኣባላት ማሕበር ሜድያ ኤርትራውያን ዝተመስረተ፡ ክልተ ኤርትራውያንን ክልተ ስዊዘርላንዳውያንን ደቀንስትዮ ዝሓቘፈ ማሕበር እዩ። ፌቨን ኣስገዶም፡ ጁልያ ሳቲሮ፡ ዳያን ወልዱን ኣና ሸዊን ይበሃላ።

ንጥፈታተን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ መሳለጥያታት ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ዕላማአን ካብ ዝዀነ ዓመጽ ነጻ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ምዃኑ ይዛረባ።

ነተን ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጥመን ደቀንስትዮ ናብ ኣብ ዝተፈላልዩ ከተማታት'ታ ሃገር ምስ ዘሎ ናይ ምኽርን ማዕዳን ኣገልግሎታት ክድውላሉ ዝኸእላ፣ ከዕቁባሉ ናብ ዝኽእላ ውሑስ ኣባይቲ መንገድታት ኣብ ምሕባርን፣ ሂወተን ኣብ ሓደጋ ከይኣተወ እንከሎ ንኽከላኸላ ድማ ግንዛበአን ንምብራኽ ዝሕግዘን መርበብ ሓበሬታ ኣለወን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ብገዛእ መጻምድተን ተቕቲለን ዝብል ዜናታት ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ምስዚ ጕጅለ ክትሰርሕ ከምዝወሰንት እትዛረብ ምህርቲ ዓውዲ ስነ-ሰብ [ኣንትሮፖሎጂ] ፌቨን፡ ንገለ ካብ ጠንቅታቱ ንቢቢሲ ተረድእ።

''ብሓፈሻ ዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ስለዘሎን እቲ ኣብ ጾታ ዘሎ ኣረኣእያን እዩ። ብዙሓት ሰባት ብዕራይን ሰበይትን ኣብ ሳልስቲ ይብሉ፡ ጸገመን ክነግራ ምስ ዝፍትና ድማ 'ኣደታትና ከምኡ እየን ሓሊፈናኦ 'ሞ ንስኻትክን እውን ተጸመማ' ገለታት ዝበሃል ኣሎ።

"ቀዳማይ ነገር እዚ ባህልና ከምዘይኰነ ክንነግር ንደሊ ኢና። ኣብ ባህልና ጸገም ከጋጥም እንከሎ ዝፍትሓሉ ኣገባባት ኣሎ እዩ፤ ምኽንያቱ ጓሉ ክትህረምን ዘቤታዊ ዓመጽ ክወርዳን ዝደሊ ስድራቤት የለን። ባህሊ ክሳብ ዘይኰነ ድማ ንምንታይ እዩ ዘጋጥም ዝብል ሕቶ ይመጽእ። ምስ ዘሎ ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ ዶ ይኸውን ወይስ እንታይ ...ብምባል ድማ ነዚ ክንፈትሕ ኢና ተሲእና" ትብል።

ምኽንያት ናይዚ ግርጭታትን ዘቤታዊ ዓመጻትን ብዙሕ'ኳ እንተዀነ፡ ፌቨን ንገለ ካብኡ ከም ኣብነት ተብርህ።

"ካብ ዓዶም ክስደዱ እንከለዉ፡ ተራ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ይቕየር እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ኣብዚ መጺኣ ካልእ መሰል ትረክብ፤ እቲ ወዲ ተባዕታይ ድማ ብዙሕ ትጽቢት ኣሎ ካብኡ። ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዓዲ እንከሎ ሰሪሑ ስድራቤት ዝጥውር ዝነበረ ክነሱ ስራሕ ኣብ ዘይህልወሉ ኣብ ጸቢብ ገዛ ብሶሻል - ማሕበራዊ - ሓገዝ ክናበሩ እንከለዉ፡ ምናልባት እውን ኣጸቢቘም ዘይፋለጡ ምስ ዝዀኑ፡ ዘይምርድዳእ የጋጥም። ሽዑ ሰብኣይ ዝተናዕቀ ኰይኑ ይስምዖ፤ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ክትሰርሕ ክትዓቢ ትደሊ ንሱ ድማ ኣይቅበሎን።

ሓደ ሓደ ግዜ እውን፡ ነውሪ ምዃኑ ዘይስወጦም ‘ሰበይተይ እንድያ ይህረማ’ ዝብሉን፡ ንሳተን 'ውን 'ኣቦይ ይሃርመኒ ነይሩ እንድዩ፡ ሰብኣየይ እውን ይህረመኒ' ዝብል ዝተጋገየ ርድኢታት ከምዘሎ ትዛረብ።

"ብዓቢኡ እውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ ምስ ዘጋጥም ብኸመይ ይፈትሕዎ ዘይፈልጡን፡ ቀልጢፎም ኣብ ምሕራቅን ኣብ ምትህርራምን ዝኣትዉ ኣለዉ። ብዘይካኡ'ውን እታ ሰበይቲ ኣብቲ ሰብኣይ ጽግዕተኛ ምስ ትኸውን እሞ ዓዲ ይዅን ቋንቋ ምስ ዘይትፈልጦን ከምዘይትንቀሳቐስን ከምዘይትዛረብን ብምግባር ግዳይ ስነ-ኣእምሮኣውን እተፈላለየ ጸቕጥታትን ትኸውን" ትብል።

ፌቨን ደቂተባዕትዮ እቲ ዘውርድዎ ዘቤታዊ ዓመጽ ጽልዋኡ ኣብ ክልቲኦም መጻምድቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቈልዑትን ስድራቤታትን ምዃኑ ፈሊጦም ሓላፍነት ክስከሙ ከምዘለዎም ግንዛበ ምፍጣር ከምዘድሊ ትኣምን።

ጐነጽ ምስ ዘዘውትሩ ወይ ሕርቃኖም ክቈጻጸሩ ምስ ዘይክእሉ ድማ ክሕግዙ ዝኽእሉ ትካላት ማዕዳ ክውከሱ ከምዝኽእሉ'ውን ተብርህ።

ኣና'ውን እዚ፡ ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ከምኡ እውን ደቂ ተባዕትዮ ምስ ከምኦም ደቂተባዕትዮ ሓቢሮም ክዝትይሉ ዝግባእ ኣርእስቲ ምዃኑ እያ ትዛረብ።

እቲ ዘሎ ስቕታ ኣብ ምስባር ድማ፡ ንዕኡ ንምፍታሕ ክጽዕታ ዘለወን ደቀንስትዮ ጥራይ ክዀና የብለንን፤ ምኽንያቱ እቲ ጸገም ብደቂ ተባዕትዮ ዝስዕብ ስለዝዀነ ማዕረአን ክሰርሕሉ ኣለዎም- ትብል።

መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ጐንጽን ዓመጽን ግዳያት ወላ ደኣ ደቂ ኣንስትዮ ክዀና ይጽንሓ እምበር ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ብወገኖም እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ መስርሕ፡ ነተን ደቀንስትዮ ዝያዳ ባይታ ስለዝህብ፡ እተን ደቀንስትዮ ነዚ መዝሚዘን ባህርያተን ብምቕያር ጠንቂ ግርጭት ባዕላተን ከምዝዀና ብምግላጽ ቅሬታኦም የቕርቡ እዮም።

ፌቨን ነዚ ቅሬታ ብዝምልከት ምስ ተሓተት፡ ‘እወ መንግስቲ ይዅን ፖሊስ ንድሕነተን ክብሉ ናዓኣተን ብምእማን ውሳነ ይወስዱ እዮም። ወላ'ኳ ሓስየን ነቲ ዘሎ ባይታ ዝጥቀማሉ የለዋን እንተዘይበልና፡ ካብቲ ኣብዚ እንረእዮ ግን ኣዝየን ሒደት እየን። እተን ዝበዝሓ ንሰብኣየይ እንተነጊረሉ ደቀይ ምስ ዓበዩ ንኣቦና ኣእሲራቶ’ዶ ይብሉኒ...እንድሕር ጸገመይ ንመንግስቲ ነጊረ ንደቀይ ከሕድጉኒ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘለወን ተብርህ።

"ብተወሳኺ እተን ተርጐምቲ ብምስጢር ክሕዛኦ ከምዝግደዳ ስለዘይፈልጣ ድማ ንፖሊስ ክነግሩለይ እዮም ኢለን ይፈርሓ እሞ ንኸይዛረባ ይገብረን።

"ብተወሳኺ ሓገዝ ዝህቡ ኣካላት ከምዘለዉን ፖሊስ ብዘይፍቓድካ ከምዘይሕበሩን ጉዳየን ብምስጢር ከምዝሕዝዎን ዘይፈልጣ ኣለዋ። ኣብ ሕብረተሰብና ነቲ ኣሰራርሓ ዘይምርዳእን ጠቕላላ ዘይምፍላጥን ጥራይ ዘይኮነ ብጌጋ ዝዝርጋሕ ሓበሬታታት ኣሎ።’’ ብምባል በዚ ኣብ ስቕታ ክሕባኣ ከምዝመርጻ ተረድእ።

መብዛሕቱኡ እዋን ነዊሕ ዝወሰደ ዘይምርድዳእ ይጸንሕ እሞ ናብ ቤተሰብ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ከይደን ሓገዝ ምስ ዝሓታ እቲ ሓዳር ከይብተን ተባሂሉ፡ 'ሓንሳብ ጽንሒ፣ ዓቕሊ ግበሪ፣ ተጸመሚ' ይብልወን እሞ እቲ ብኣሸማገልቲ ክረአ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣብ ማዕልቦኡ ከይበጽሐ ግዳያት ሞት ዝዀና እውን ከምዘለዋ ተዓዚባ።

“ኣብ ኵሉ ሓዳር ጸገማት ኣሎ፡ እቲ ስደት ምዃኑን ንበይንኻ ምህላውን ናቱ ተራ'ኳ እንተሃለዎ፣ ክሳብ ጓልኣንስተይቲ ምቕታል ክትበጽሕ እንከለኻ ግን ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዘለካ ኣረኣእያ፣ ትርጕም ዝምድና፣ ናጽነት ንመሰል ዘለካ ርድኢት እንታይ ይመስል ? ዝምድናኻ ብፍቕሪ ድዩ ተገዲድካ ኢኻ ኣቲኻዮ? ርእሰ-ተኣማንነትካ እንታይ ይመስል ክትፍትሾ ኣለካ።”

ከም ኵለን ደቀንስትዮ ዝተፈላለየ ጾታዊ ይዅን ስነኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ ከም ዝሓለፈት እትገልጽ፡ ሓንቲ ካብተን መስረትቲ እቲ ጕጅለ፡ ኣና ብወገና፡ ብዓውዲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ስነሰብን ዝተማህረት እያ።

ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ምስራሕ ከም እትወፍር'ውን ትዛረብ።

ኣና ከም ስዊዘርላንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ መጠን፡ ኣብቲ ንኤርትራውያን ማሕበረ ሰብ ዘተኰረ ጕጅለ ጐስጓስ ክትሓብር ዝወሰነትሉ ምክንያት ተረድእ።

"ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ምስ ማሕበር ሜድያ ኤርትራውያን ክሰርሕ ብምጽንሐይ፡ ናብ ዝገብርዎ ማሕበራዊ ንጥፈታት ክኽይድ፣ ብዛዕባ ኤርትራውያን ዝያዳ ንኽፈልጥን ስለቲ ማሕበረ ሰብ ክግደስን ጌሩኒ። ብዘይካዚ ኤርትራውያን ካብቶም ዝዓበዩ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ኣብ ስዊዝ ብምዃኖም ምስኣቶም ምውሳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኢለ እሓስብ" ኢላ።

ብፍላይ ድማ፡ 'ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ብዛዕባ ጾታውነት ምዝራብ ዘሎ ድሩትነት' ዝብል ፊልም ድሕሪ ምስርሓ፡ ዝያዳ ኣካል ናይቲ ፕሮጀክት ክትከውንን ንኻልኦት ደቀንስትዮ ክትሕግዝን ከምዝደረኻ ተብርህ ።

ኣና ሾዊ፡ ኣባል ናይተን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ዝተፈላለያ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቓ ጕጅለታትን ኣካል ምንቅስቃሳት መሰል ደቀንስትዮ - ፈሚኒስት - እውን እያ።

ንሳ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሊብያን ዘጋጠሙ ጾታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ፊልም ኣብ ዝሰርሓትሉ እዋን፡ ኣዝዩ ዓቢ ግጉይ ርድኢት ከምዘሎን፡ እዚ ከኣ ናብ ስዊዘርላንድ ከም ስደተኛታት ኰይነን መጺአን ዕቑባ ክሓታ እንከለዋ ከይተረፈ ጽልዋ ከምዝፈጠረለን ትጠቅስ።

ንዅለን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ደቀንስትዮ ሓገዝ ምሕታት ማለት ሓዳርካ ምብታን ማለት ከምዘይኰነን ከይሰግኣ ሽግረን ክዛረባን ምስ ኣማኸርቲ ኣካላት ብምዃን ክፈትሓኦን ይምዕዳ።

ደቀንስትዮ ድማ ንሓድሕደን ክተሓጋገዛን፡ ሕብረተሰብ እውን ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ንዘለወን ብዕቱብነት ክሰምዐንን ክሕግዘንን ሰፊሕ ግንዛበ ምፍጣር ከምዘድሊ እተን ኣባላት ይሕብራ።