እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩሊቱ ንምውሳድ ብውዲት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ለንደን ዝተወሰደ መንእሰይ
ናይጀርያዊ ኣባል ሰነት ኢከ ኤክዌረማዱን በዓልቲ ቤቱ ቢትሪስን ኩሊት ናይ ሓደ ካብ ድኻ ቁሸት ዝመጸ መንእሰይ ንምውሳድ ብሸርሒ ናብ ለንደን ብምውሳዶም ገበነኛታት ተባሂሎም። ንሳቶም ፍርዶም ኣብ ዝጽበዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ቢቢሲ ዝርዝር ናይቲ ውዲት ኣቃሊዑ’ሎ።
ተመሃሪት ሶንያ ኤክዌረማዱ ኣብ ምቹእ ህይወት እትነብር፣ ኣብ ሕምብርቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይጀርያ ዝሳተፉ ሃብታማት ወለዲ ዘለውዋ፣ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ዓባይ ብሪጣንያ እትምሃር እያ።
ብጽኑዕ ስለዝሓመመት ግን ኩሊት ናይ ምትካእ ሕክምና የድልያ ነይሩ። ሽዑ ኣቦኣ ኢከ ኤክዌረማዱ፡ ንደለልቲን ኣሳለጥትን ኣሽሓት ፓውንድ ከፊሉ ነቲ ክፍሊ ኣካል ዝልግስ ሰብ ንምድላው ይጽዕር ነበረ።
ብሕጋዊ ጉዳያት ትኽክለኛ ስሙ ክግለጽ ዘይክእል ዳኒኤል፡ ማይን ኤለክትሪክን ኣብ ዘይብላ ገጠር ናይጀርያ ኣብ እትነብር ዓባይ ስድራቤት እዩ ዓብዩ። ገና ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ሌጎስ መለዋወጢ ኣቝሑ ሞባይል ብዓረብያ ሒዙ እናተንቀሳቐሰ ብምሻጥ ናብ ስድራኡ ገንዘብ ይሰድድ ነይሩ።
ኣብ 2022 ወዲ 21 ዓመቱ ሓደ መዓልቲ፡ ኣካላቱ ደኺሙ፣ ብፍርሒ ተዋሒጡን መጽለሊ ገዛ ኣልቦን ኰይኑ፡ ኣብ ለንደን ጥቓ ሄትሮ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኣተወ። ሰባት ሓንቲ ኩሊቱ ክወስዱ ስለዝደለዩ ከምዝሃደመ ከኣ ንፖሊስ ሓቢሩ።
መበገሲ እቲ ፍጻመ
ዳኒኤል ዓረብያኡ እናደፍአ ንግዱ ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ካልእ ህይወት ዝርከቡ ኢከ ኤክዌረማዱን በዓልቲ ቤቱ ቢትሪስን ድማ ብዛዕባ ጥዕና ጓሎም ስክፍታኦም እናወሰኸ ከደ።
ኤክዌረማዱ፡ ንባዕሉ ኣብ ሓምለ 2021 ናይ ልግሲ ኩሊት ንዝተተክኣሉ ዶክተር ኦቢና ኦቤታ ዝተበሃለ ጉዳይ ዘሳልጥ ውልቀሰብ ብምርካብ ድልየቱ ከፈጽመሉ ሓተቶ።
ዶክተር ኦቢና ኦቤታ ኣብ ካምብሪጅ ዝርከብ ናይጀርያዊ ዶክተር ዓርኩ ሓገዝ ገንዘብ ዘተኣኻኸበሉ ኮይኑ ኩሊት ንምልጋስ ወለንተኛ ዝኾነ መንእሰይ ከኣ ኣብ ናይጀርያ ተረኺቡ። በዚ መሰረት እቲ ሕቡእ መጥባሕቲ ኣብ ሮያል ፍሪ ሆስፒታል ለንደን ተኻይዱ።
ስድራቤት ኢክዌረማዱ፡ ጓሎም ብተመሳሳሊ መገዲ ኩሊታ ንኽትከኣላ ብምድላይ ንዶክተር ክተሓባበሮም ሓተትዎ። ሽዑ እቲ ዶክተር ነቲ ንዕኡ ኩሊቱ ዝለገሰሉ ሰብ ብምርካብ ንሶንያ ኩሊት ክህባ ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ ክረኽበሉ ሓሳብ ኣቕረበሉ፤ ንሱ ድማ ዳኒኤል ኣሎ ክብል ነገሮ።
ዳኒኤል፡ ዶክተር ኦቤታ ናብ ብሪጣንያ ከምጽኦ ቃል ከም ዝኣተወሉን፡ ምልጋስ ኩሊት ዝብል ሓሳብ ነጊርዎ ከም ዘይፈልጥን ይዛረብ።
"ኣብ ገዛኡ ክነብር፡ ስራሕ ከምዝረኽበለይ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ይኸይድ ከምዘለኹ ግን ንሰባት ከይነግር ተዛሪቡኒ" ክብል ዳኒኤል ንቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
ዶክተር ኦቤታ ንዳኒኤል ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ምስ ሓተቶ፡ ኣካል እቲ ቪዛ ንምሕታት ዝሕለፍ መስርሕ እዩ መሲልዎ።
ቪዛ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ኣብ ጥሪ 2022 ተዋሂብዎ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ዳኒኤል፡ ዶክተር ኦቤታ ዝገበረሉ ሓገዝ "ካብ ኣምላኽ" ከም ዝዀነ እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ለንደን ምስ በጽሐ ግን ኣብ ሶፋ ዶክተር ኦቤታ ክድቅስን ከም ሰራሕተኛ ገዛ ኰይኑ ከገልግልን እዩ ተገይሩ።
ብሕቡእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሽርሒ፡ ኣቦ እታ ሓሚማ ዘላ ሶኒያ ዝኾነ ኢከ ኤክዌረማዱ፡ ንዶክተር ኦቤታ ኣስታት 2000 ፓውንድ ክኸፍል ይሕተት ነይሩ። እቲ ሮያል ፍሪ ኣብ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ዝግበር መጥባሕቲ፡ 80 ሽሕ ፓውንድ ወጻኢ ይሓትት። ዳኒኤል ከኣ ንዝልግሶ ኩሊት 6000 ፓውንድ ክኽፈሎ እዩ እቲ ውጥን ዝነበረ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣባላት ስድራቤት ይዅኑ ምስቲ ተሓካሚ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ዝልግስዎ ክፍሊ ኣካል ክፍሊት ክኽፈሎም ወይ ሽልማት ክወሃቦም ከም ጥሕሰት ሕጊ እዩ ዝቝጸር።
ኣቦ ናይታ ተተካኢ ኩሊት ዘድልያ ሶኒያ ነዚ ሕጊ ዝፈልጦ ይመሰል። ንዳኒኤል ኣብ ደቡብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምሳሕ ብምዕዳም ጽቡቕ ክዳን ተኸዲኑ ክመጽእ ነገርዎ። ሽዑ ሶንያ ኣብኡ ስለ ዝጸንሐት ምስ ዳኒኤል ስእሊ ተሰኣለት። ወለዳን ዶክተር ኦቤታን ድማ ክልቲኦም (ዳኒኤልን ሶኒያን) ኣዝማድ ከምዝዀኑ ከእምንዎም ይጽዕሩ ነበሩ።
እቲ ለጋሲ፡ ተቐባሊትን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኩሊት ዶክተር ፒተር ዱፖንትን ኵሎም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 22 ለካቲት 2022 እዮም ተራኺቦም።
ዳኒኤል ንዳያኑ መጋባእያ ኦልድ ቤይሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኩሊት ክልግስ ምዃነይ ይፈልጥ እንተዀይነ ሓቲቱኒ፤ ሰንቢደ። ብዛዕባ ምትካል ኩሊት ሽዑ እየ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰማዕኩ፡" ኢሉ።
ኤክዌረማዱ [ኣባል ሰነት ዝኾነ ኣቦ ሶኒያ] ዝብል ስም’ውን ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ መዓልቲ ከምዝሰምዐ ዝገለጸ ዳኒኤል "ሽዑ እበኪን የንቀጥቀጥን ነይረ" ክብል ነቲ ኵነታት ዘከሮ።
ዶክተር ዱፖንት ተወሳኺ መጠናኸሪ ሓሳብ ንምርካብ ናብ ሓደ መሳርሕቱ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ ዳኒኤል ንጓል ሓወቦኡ ሶኒያ ንዓሰርተ ዓመት ርእይዋ ከምዘይፈልጥ ብምጥቃስ፡ "ብዛዕባ እቲ ወፈያ ርኡይ ዕቃበታት" ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤክዌረማዱስን ዶክተር ኦቤታን ንዳኒኤል ምስቲ ሕቡእ መንነቱ ኣፀቢቝ ንኽለማመድ ብምሕባር እቲ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ምስ ሓካይም ንዝገብሮ ርክባት ስልጠና ዝህቦ ተርጓሚ ቈጸሩሉ።
እቲ ካብ ዶክተር ዱፖንት ደብዳበ ዝበጽሖ ካልኣይ ዶክተር ፊሊፕ ማሰን እውን፡ ዳኒኤል ምልጋስ ኩሊት ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤናት ግንዛብ ኣለዎ ኢሉ ከምዘይግምት ስክፍታኡ ገለፀ።
ሽዑ ዶክተር ዱፖንት ነቲ መስርሕ ደው ኣቢሉ፡ ዳኒኤል "ምስ ተቐባሊት ክፍሊ ኣካል ዘለዎ ዝምድና ጥቡቕ ከምዘይኰነ"፡ ብስለት ዕድመ ከምዘይብሉን ንመጻኢ ሕክምናዊ ወጻኢታቱ ገንዘብ ክረክብ ከምዘይክእልን ደምዲሙ።
ኣብ ውሽጢ ሰሙናት፡ ኢከ ኤክዌረማዱ ንጓሉ ሶኒያ ስእሊ ናይ ሓደስቲ ለገስቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ሰደደላ። ንሳ ድማ "እቲ ጸሊም ዝሓሸ ይመስል። እቲ ጽዕድው ዝበለ ግን ዝሃድም እዩ ዝመስል" ኢላ መለሰትሉ።
ዳኒኤል ኣብ ደቡባዊ ለንደን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ዶክተር ኦቤታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክልተ ሰባት መጺኦም ርእዮምዎ ነይሮም’ዮም። ሽዑ ሓደ ካብቶም ሓካይም ንዳኒኤል ኣብ ከብዱ እናጸቓቐጠ መርመሮ። እዚ ፍጻመ ከኣ ናብ ናይጀርያ ምስ ተመልሰ’ውን ኩሊቱ ከውጽኡ ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዝገደፈሉ ገሊጹ።
ናብ ፖሊስ ከይዱ ሓበሬታ ምስ ሃበ ድማ ኢከ ኤክዌረማዱ፡ ቢትሪስን ሶኒያን ምስ ዶክተር ኦቤታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ሰለስቲኦም ንዳኒኤል ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምምጻእ ንሶኒያ ኩሊት ክህብ ብዝፈሓስዎ ውዲት ተፈሪዶም ኣለዉ።
ሕክምናዊ ምትእስሳር
ሕክምና ምትካእ ኩሊት ንሶኒያ ደው ክብል እንከሎ፡ ሮያል ፍሪ ብዝብል ዝፍለጥ ሆስፒታል ድማ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ዶክተር ኦቤታ ዝተገበረሉ ሕክምና ምትካል ኩሊት ከምዘካየደ ተረጋጊጹ’ሎ። ንሱ'ውን ምስቲ ዝለገሰሉ ውልቀሰብ ኣዝማድ ከምዝኾኑ ሓስዩ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት ወሳኒ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ካምብሪጅ ኤንኤችኤ [ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና] ዝሰርሕን ወጻእተኛታት ሕሙማት ኣብ ብሪጣንያ ሕክምና ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ጐድናዊ ንግዲ ዘካይድን ዶክተር ክሪስ ኣግቦ እዩ።
ንሕክምና ምትካእ ኩሊት ዶክተር ኦቤታ ዝኸውን ገንዘብ ዘተኣኻኸበ፡ ምስቲ ሆስፒታል ርክባት ዘመቻቸአን ምስ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ሮያል ፍሪ ብዛዕባ ክፍሊት ዝዘተየን ዶክተር ክሪስ እዩ ነይሩ።
ትካሉ ንዝሰርሖ ስራሕ ካብ ሆስፒታል ሮያል ፍሪ መተባብዒ ክረክብ ትጽቢት ከምዝነበሮ ዘቃልዕ ሓበሬታ’ውን ተረኺቡ’ሎ።
ብ8 ታሕሳስ 2021 ንዶክተር ዱፖንት ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "እዚ፡ ትካለይ ናብ ሮያል ፍሪ ዘምጽኦ ሳልሳይ ተሓካሚ ምትካእ ኣካል እዩ። ካብ ሆስፒታል ሮያል ፍሪ ግን ዝዀነ ዓይነት ምትብባዕ ረኺብና ኣይንፈልጥን። ኣብዚ ግዜ'ዚ ትካለይ ቪንቴጅ ብዝተፈለየን ፍትሓውን መገዲ ቆላሕታ ከምዝግበረሉ ተስፋ ኣለኒ" ኢሉ።
ዶክተር ኣግቦ ብፖሊስን ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ሕክምናን ይምርመር ኣሎ፤ ኣብ ሕክምና ሞያዊ ፍቓዱ ድማ ገደብ ተነቢሩ ኣሎ።
ዳኒኤል ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ኣካል ናይ ምትካእ ሕክምና መጥባሕቲ ሓበሬታ ከምዘይነበሮ ይፈልጥ እንተዀይኑ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ዶክተር ኣግቦ፡ መልሲ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ዶክተር ኣግቦ ዘይተኣሳሰሩ ካልኦት ጥርጣረ ዝፈጠሩ ተመሳሳልቲ ጉዳያት ናብ ፖሊስ ከምዝበፅሑ ይግለጽ።
እንተ እቲ ንዶክተር ኦቤታ ኩሊት ንምሃብ ናብ ለንደን ብነፋሪት ዝተጓዕዘ ናይጀርያዊ መንእሰይ፡ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ለንደን እትርከብ ንእሽቶ ገዛኡ ዝነብር ኰይኑ፡ ነቲ ወሳኒ ክፍሊ ኣካሉ ብምስኣኑ ብቓንዛን ድኻምን ይሳቐ ምህላዉ ቢቢሲ ብኣካል ረኺቡ ኣረጋጊጹ’ሎ።