ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ 22 ተመሃሮ ሞይቶም

ኣብ ናይጀርያ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ 22 ህጻናት ሞይቶም ልዕሊ 130 ድማ ቆሲሎም ክብሉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ጆስ ዝርከብ ሰይንት ኣካዳሚ፡ ዓርቢ ንግሆ ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንውሽጢ ዝፈረሰ ኮይኑ ህጻናት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ተሪፎም።

ወለንተኛታት ንብዙሓት ካብቶም ተዓጽዮም ዝነበሩ ንምብጻሕ፡ ኳዕቲ፡ መዶሻን ጥራሕ ኣእዳዎምን ተጠቒሞም።

ፖሊስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በቲ ምፍራስ ብውሕዱ 22 ህጻናት ከምዝሞቱን፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ ሆስፒታላት እቲ ከባቢ ሕክምና ከምዝረኽቡን ሓቢሩ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተምሃሮ ከምዘለውዎ ይግመት።

ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቤል ፉኣንዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወዲ ዓርኩ ከምዝተቐትለ ብምግላጽ፡ "ዓቐን ናይቲ ሓደጋ ዘሰንብድ'ዩ" ኢሉ።

ጠንቂ እቲ ምፍራስ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ በረኽቲ ቦታታት እቲ ከባቢ ዝናብ ክዘንብ ድሕሪ ምቕናዩ ከምዝተኸሰተ ግን ነበርቲ ገሊጾም።

በቲ ሓደጋ ካብ ካብ ዝተጎድኡ ተመሃሮ ሓደ ዝኾነ ውልያ ኢብራሂም ኣብ ሆስፒታል ኮይኑ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ናብ መምሃሪ ክፍለይ ካብ ዝኣቱ 5 ደቂቕ ኣብዘይመልእ ድምጺ ሰሚዔ ካብኡ ንድሓር ግን ንገዛእ ርእሰይ ኣብዚ [ኣብ ሆስፒታል] እየ ረኺበያ” ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ "ኣብ ክፍሊ ብዙሓት ኢና ነይርና፡ ፈተና ድማ ንፍተን ነይርና" ኢሉ።

ነባሪ ቺካ ኦቢዮሃ፡ ብርክት ዝበሉ ሬሳታት ከምዝረኣየን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝደሓኑን ገሊጹ።

ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ናይጀርያ ክሪስቲያን ሙንዱኣተ ኣብ ኤክስ "ብዘጋጠመ ዘሕዝን ክሳራ ህይወት ንኣሽቱ ቆልዑት ስኢንና” ክብል ጽሒፉ።

“እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝፈረሰሉ ወቕቲ ሕልሚ ዝነበሮም ተመሃሮ ፈተና ይፍተኑ’ዮም ነይሮም። ንግዳያት ስድራ ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ።

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ቀረባ ዓማውቲ ብሰንኪ ጽሬት ዝጎደሎም ናውቲ ህንጻን ግዕዝይናን ምፍራስ ህንጻታት ኣጋጢሙ ነይሩ እዩ።

ኣብ 2021 ኣብ ሓደ ሃብታም ከባቢ ሌጎስ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ገዚፍ ህንጻ ብምፍራሱ ብውሕዱ 45 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ።