እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሸገርን ልዕሊ 111 ሽሕ ኣባይቲ ፈሪሶም - ኢሰመጉ
ብሰንኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ሸገር ክልል ኦሮምያን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምፍራስ ኣባይትን ግዱድ ምጽራግ ነበርትን 111 ሽሕን 811ን ኣባይቲ ከም ዝፈረሱ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ኣፍሊጡ።
ኢስመጉ ካብ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ከካይዶ ዝጸንሐ መርመራ ሎሚ 23 ግንቦት 2015 [ግእዝ] ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ሸገርን ካብ ዝነብሩ ነበርቲ ዝበፅሖ ጥርዓናት፡ ከምኡ'ውን ጥርዓን ዘቕርቡ ሰባት ብመገዲ ወከልቶም ዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ዝኣከቦ መረዳእታ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ'ቲ ብሰበስልጣን ዘይሕጋዊ’ዮም ብዝብል ዘካየድዎ መንበሪ ኣባይቲ ትካላት ሃይማኖት’ውን ከም ዝፈረሱ ኣመልኪቱ።
ኢስመጉ ብመሰረት ካብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ኦሮምያ ብዝረኸቦ ኣፋዊ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 19 መሳጊድ ከም ዝፈረሱ ጠቒሱ።
ኣብዚ ጸብጻብ ኢስመጉ ንመርመራ ስርሑ ሓያሎ መዳያት ከም ዝሸፈነ ኣፍሊጡ።
ካብዚኦም ኣብ ውሽጢ ምምሕዳራት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ሸገርን ዝርከቡ ክፍለ ከተማ ቀራንዮ ወረዳ 03 ፍሉይ ሽሙ መንደር ሌንጮ፡ ማርያም መንደርን ፋኑኤል ቤተክርስትያን መንደርን ይርከቡዎም።
ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ብልሙድ ኣንቆርጫ ገብርኤል፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 11 ብልሙድ መርብሒ ሓሰማ፡ ለገጣፎ፡ ለገዳዲ፡ ማዞሪያ 44፡ ኬላ ሓጽቢ ማይ ለገዳድን ስላሰን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ ቦኩ ሸነን ተጠቒሶም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ህንጸት ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ተኻይዱሎም እዩ ኣብ ዝተባህሉ ልዕሊ 600 ከተማታት ስጕምቲ ይውሰድ ከም ዘሎ ሓላፊ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ብረቡዕ ገሊጹ እዩ።
እዚ ስጕምቲ፡ ፕላን ከተማታት ንምሕላውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተትሓዘ መሬት ንምምላስን ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። እዚ ዘይሕጋዊ ህንጸት ንክሰፍሕ ገይሮም’ዮም ዝተባህሉ ኣመራርሓ ድማ ብሕጊ ክሕተቱ እዮም።
እንተዀነ እቲ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ብሄርን ሃይማኖትን ዘነጻጸረ እዩ ዝብሉ ጥርዓናት ክቐርቡ ምኽንያት ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ነዚ ምላሽ ዝሃበ ኣቶ ሃይሉ፡ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ጥራይ ዘነጻጸረ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኢስመጉ ብወገኑ፡ እቲ ምፍራስ ኣባይቲ ዝተፈላለዩ ገዛውቲ ዘጠቓልል ምዃኑን ካብዚኦም ድማ መርትዖ ዋንነት ዘለዎም (ካርታ መሬት) ከም ዝተሓወሱን ገሊጹ።
ብተወሳኺ ብዘይስሩዕ መገዲ ካብ ሓረስቶት ኣብ ዝተዓደጉ መሬት ዝተሃነፁ ኣባይቲ፡ ኣዋጅ ቁ. 721/2004 ቅድሚ ምውጽኡ ዝተትሓዙን መንበሪ ኣባይቲ ዝተሃንጾምን ይርከብዎም ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ “ዘይሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ሕጊ ምኽባር ኣይክኣልን” ብምባል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ሸገር ዝካየድ ዘሎ ምፍራስ ኣባይትን ትካላት ሃይማኖትን “ሕጋዊ ኣይኰነን” ክብል ነቒፉ።
ብተወሳኺ "ኣብ ግጉይ ፖሊሲ ዝተመስረተ፡ እዋናዊነት ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ኣማራጺ ፍታሕ ዘየጠቓልል፡ ብወገናዊ ኣገባብ ዝፍጸምን ንብዙሓት ኣሽሓት ዜጋታት ንፋይናንሳውን ቁጠባውን ቅልውላው ዘቃልዐን ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ” ክብል ኰኒንዎ።
“ኣብ ከተማ ሸገር ብዝሒ ዘለዎም መሳጊድ፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ እምነት ፕሮቴስታንትን፡ ሃይማኖታዊ መሰላት ብዝግህስን ክብሪ ኣመንቲ ብዝትንክፍን መንገዲ፡ ብሓይሊ ዕማም ምፍራስ ኣባይቲ ክፈርሱ ተገይሩ እዩ” ኢሉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣቐዲሙ፡ እቲ መስርሕ ምፍራስ ኣባይቲ ግቡእ ምፍላይ ዘይተገብረሉ፡ እዅል መጠንቀቕታ ዘይተዋህቦ፡ ኣድልዎ ዝመልኦ ስጕምቲ ዝተርኣዮ እዩ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቶም ከባቢታት ብኣካል ተረኺቡ ግዳያት ብምዝርራብ ሓበሬታ ከም ዝኣከበ ብምግላጽ ሰብመዚ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልል ኦሮሚያን ምምሕዳር ሸገር ከተማን ንምርካብ ፈቲኑ ክሰልጦ ከምዘይከኣለ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብዚ ጸብጻብ ድማ ኣብቲ ከባቢ በጺሖም ዝተባህሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓቚፎም ኣለው።
ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ፡ መንበሪ ገዛኦም ካብ ዝፈረሶም እቲ ቦታ ካብ ዝዕድጉዎ 18 ዓመታት ዝመልኦም ነበርቲ ምህላዎም ዝገልጽ ኢሰመጉ፡ እዚኦም ገንዘብ ኣውጺኦም መገድን ድልድልን ብምስራሕ ማይን መብራህትን ዝኣመሰሉ ትሕተ ቅርጺ ኣእትዮም ክኸፍሉ ምጽንሖም ጠቒሱ።
ካልእ ኣብዚ ጸብጻብ ተኻቲቱ ዘሎ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ክስራሕ ዝተሓስበ ፕሮጀክት፡ ጫካ ክልዓሉ’ዮም ዝተባህሉ ኣባይቲ ዝርከብሉ እዩ።
ነዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 10 ብልሙድ ኣንቆቻ ገብርኤል፡ ወረዳ 05፡ ወረዳ 12 ቀበሌ 2/21 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ ወረዳ 14 ቀጠና ቁሊቲ ዝርከቡ ኣባይቲ ከም ዝፈርሱን ከም ዝልዓሉን ተነጊሩዎም ምህላው ይሕብር።
ኢሰመጉ ህዝቢ ብምምይያጥ፡ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ብምድላው፡ ነቲ መንበሪኦም ዝትክኡ ቦታታት ብምሃብ ከምኡ’ውን መንግስቲ፡ ምፍራስን ግዱድ ምፍንቓልን ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ሰባት ቤት ኣልቦ ንከይኰኑን ንኻልኦት ግህሰታት ሰብአዊ መሰላት ንኸይቃልዑን ጥንቃቐ ክገብርን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ከኽብርን ጸዊዑ።