ብቀይሕ ባሕሪ ዘይሓልፋ መራኽብ ናበይ ይኸዳ ኣለዋ?

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ወደባት፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብየመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራክብ ንግድ ዘጋጥም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣታዊታተን ከይከስራ የስግእ ኣሎ።

እተን ካብ ደቡብ ኤሽያ፡ ብመገዲ መትረብ ስወጽ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግራ ዝነበራ መራኽብ፡ ብኢራን ብዝድገፉ የመናውያን ሑቲ ዝትኮሰለን ሚሳይላትን ድሮናትን ብምስጋእ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ) ይኸዳ ስለዘለዋ፡ ወኪላት መራኽብ ንግድ፡ እቲ ዝጸንሐ ዓለማዊ ጉዕዞ ይቕየር ምህላው ሓቢሮም።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ እተን ኣስታት 12% ንግዲ ዓለም ብመትረብ ስወጽ ዘጓዓዕዛ ዝነበራ ናይ ጽዕነት መራኽብ፡ ኣስታት 4000 ማይል ብዝንወሓቱ መስመር ጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ክጓዓዛ ይግደዳ ኣለዋ።

ዓመታዊ ኣስታት 35,000 ዝዀና መራኽብ ብቐይሕ ባሕሪ ይሓልፋ ነይረን። እቲ ሕጂ ዘጋጠመ ምቅይያር መስመር ጉዕዞ ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ ከኣ ነቲ ንቡር መገዲ ካብ 10-14 መዓልታት ስለዝውስኸሉ፡ ንሓንቲ ዓባይ መርከብ ኣብ ነብሲ ወከፍ መገሻ፡ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ናይ ነዳዲ ሃልኪ የስዕበላ።

እተን ነዊሕ መገዲ ዝጓዓዛ መራኽብ ጉዕዘአን ንምፍጻም፡ ኣብ ገሊኡ ወደባት ወይ ገማግም ባሕሪ ካብ ተንቀሳቓሲ መዐደል ነዳድን፡ መዕቆሪ ኣጋንእ ካብ ዘለወን መራኽብን ነዳዲ ክመልኣ ይግደዳ። እዚ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብክኢላታት ሰራሕተኛታት መራኽብ እዩ ዝፍጸም።

ይኹን እምበር: ኣብ ወደብ ደርባን ብዘሎ ጻዕቂ ተገልገልትን ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ብዘሎ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ጉምሩክ ምጕትን እተን ተንቀሳቐስቲ መዐደሊ ነዳዲ ግቡእ ኣገልግሎት ክህባ የጸግመን ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ቻምበር ንግዲ ባሕሪ፡ ዮኒቲ ሶንቲ ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጻዕቂ ጉዕዞ መራኽብ “ናይ ወደባት ጽገናን ናይ ዓማዊል ኣገልግሎትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንባሕረኛታት ዘአንግዳ ሆቴላትን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዕሙር ንግዳዊ ንጥፈታት ስለዝፈጠረ፡ ንቁጠባ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓቢ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልጽ።

"ዋላ’ኳ ሰበስልጣን ወዳባትና፡ ነተን መራክብ ንምእንጋድ ዝከኣሎም ይገብሩ እንተለው ጸገም ትራፊክ መራኽብ ከምዘሎ ኣይከሓድን እዩ። ይኹን እምበር እተን ዓበይቲ መራኽብ፡ ናብቲ ዝዓበየ ወደብና ደርባን እንተመጺአን ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ኣይከጋጥመንን እዩ። ናይ ኬፕ ወደብና እውን ደሓን ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ” ይብል ዮኒቲ ሶንቲ።

ኣስታት 79 ዝዀና መራኽብን ልዕሊ 61,000 ኣቕሑትን ብሰንኪ ናይ ስራሕ ጸገማትን ናይ መሳርሒታት ውድቀትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ኣብ ባሕሪ ክጸንሓ ክግደዳ እንከለዋ፡ ካብ ወደብ ደርባን ወጻኢ ኣብ ዘሎ ወደባት ከኣ ብሰንኪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘይተወድአ ዕማም ከቢድ ጸገም ኣጋጢሙወን ኣሎ።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ናይ ትራንስፖርትን በዓል መዚ ወደባትን (TNPA)፡ ኣብ ኬፕ ታውንን ደርባንን ናይ መራኽብ ምትዕርራይን ከምኡ እውን ነዳዲ ዝመልኣሉ ኣገልግሎታትን ንምሃብ ዘኽእል ቦታታት ከምዘዳለወ ሓቢሩ’ሎ።

ኣካያዲ ስራሕ መጓዓዝያ ባሕሪ ኣፍሪቃን ማሪን ሶሊሽን ዴቭ ሙረይ፡ ዛጊት ኮንተይነራት ኣብ ዝጸዓና መራኽብ ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ከምዝጎደለ፡ ይኹን እምበር እንተደኣ ብመትረብ ስወጽ ዝግበር ዝነበረ ምጓዕዓዝ መራኽብ ንግድ ብዝያዳ ተዓናቒፉ ኣብ ጸንፊ ጽቡቕ ተስፋን ወደባት ደቡብ ኣፍሪቃን ዓቢ ጸቕጢ ከምዝፍጠር ሓቢሩ።

ኣብ ግብርን ቀረጽ ዘሎ ምስሕሓብ

እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ቀረጽ/ግብሪ ክርክር 'ውን ነቲ ናይ መራኽብ ትራፊክ ምጭንናቕ ኣጋዲዱዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ እቶት ኣገልግሎት (ሳርስ) ከምኡ እውን ኣብ ኣልጎዋ በይ፡ ምብራቓዊ ኬፕ ዘሎ ዘይምስምማዕ ጸገማት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ሳርስ ንሓሙሽተ መራኽብ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ቤት ምኽሪ ንግዲ ማሪታይምን (MBC)፡ መንግስትን፡ ሳርስ ነቲ ኣቕሑ ከምዝፈትሖ ብምግባር እቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ናይ ነዳዲ ኣግልግሎት ከምዝቕጽል ገይሩዎ እዩ።

ሚስተር ሶንቲ፡ "ብዘይካ ነዳዲ፡ ካልእ ምግብን ሸቐጥን ዜጓዓዕዛ ናእሽቱ ጃላቡን ብጻዕቂ ይንቀሳቐሳ ስለዘለዋ ነቲ ዞባዊ ዕዳጋ ትንፋስ ሂቡዎ’ዩ” ክብል ኣስሚሩሉ ።

ነቲ ናይ ግብሪ ምስሕሓብን፡ ሕጽረታት ማሪታይም ኣገልግሎትን “ዝተኸስረ ዕድል!” ክብል ዝገለጾ ሓላፊ ኣፍሪካን ማሪን ሶሊሽን ዴቭ ሙረይ፡ እተን ብኣፍሪቃ ዝጐዓዛ ንኣሽቱ መራኽብ ተወሳኺ ነዳዲ ከህልኻ ይግደዳ ከምዘለዋ ኣረዲኡ።

"እቲ ኣብ ኣልጎያ በይ ዝካየድ ንጥፈታት ኣገልግሎት መጥባሕቲ ጽቡቕ ምኾነ ነይሩ፡ ግን ብሰንኪ እቲ ምስ ሳርስ እተላዕለ ጉዳያት ስለዝተጓተተ፡ መራኽብ ነቲ ኣገልግሎት ክጥቀማሉ መልሕቕ ክድርብያ ኣይደልያን እየን” ይብል።

ዝተኸስረ ወርቃዊ ዕድል!

ቀንዲ ተንታኒ ዓለም ለኻዊ ናህሪ ዋጋታት ማቲው ሚቸል፡ ብሰንኪ ኣብታ ቢልዮናት በርሚል እትጽዕን መርከብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ እቲ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ብመትረብ ስወጽ ኣቢሉ ናብ መዲተራንያን ዝጓዓዝ ዝነበረ ነዳዲ፡ ናይ 1.2 ሚልዮን ዶላር ወሰኽ የጋጥሞ ምህላው ኣርጉስ ሚድያ ገሊጹ። እዚ ኩነታት ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢንሹራንስን ካልእ ወጻኢታትን ከቢድ ናይ ዋጋ ወሰኽ ገይሩ ምህላው እውን ሓቢሩ።

ማሬስክ ዝተባህለት ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝርከባ ዝዓበያ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ኩባንያታት፡ መራኽቡ፡ ንከዕርፋ ኮነ ነዳዲ ክመልኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ወደባት ከምዘይጥቀማሉን ከምዝሰግረኦን ኣቐዲማ ገሊጻ ኣላ።

ናይ ክፍለ ዓለም ህንድን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ናይ ሜረስክ ዝለዓለ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካያዲ ስራሕ ኣድሂሽ ኣላዋኒ፡ " እተን መራኽብ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብቲ ዝነቕላሉን ዝዓርፋሉን ቦታታት ነዳዲ ንኽመልኣ ነጽንዕ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።

"ሓደ ካብቲ ኣማራጺታት ኣብ ማውሪሽየስ ዝርከብ ፖርት ሉዊስ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ንሱ እውን ክንጥቀመሉ ንኽእል እንተዀይና ርግጸኛ ኣይኰንኩን" ኢሉ ።

ተንታኒት ወደባትን መዓርፎን ተርሚናልስ ድሬውረይ፡ ወይዘሮ ኤለኖር ሃላንድ፡ መብዛሕትአን እተን ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ዝጕዓዛ ዘለዋ መራኽብ፡ ኣብ ወደባት ደቡብ ኣፍሪቃ ነዳዲ ናይ ምምላእ ዕድላት ስለዝጸበበ ኣብ ደርባን ይኹን ኣብ ካልኦት ወደባት ንከየዕርፋ ይውስና ከምዘለዋ ሓቢራ። እተን ናእሽቱ መራኽብ ጥራሕ እየን ዝጽገማ ከኣ ኢላ። እተን ዓበይቲ መራኽብ ግን ኣብ ከም ሲንጋፖር፡ ፉጃርያን ጀበልታቕን ዝኣመሰለ ቦታታት ነዳዲ ንምምላእ እስትራተጂያዊ ውጥን ክሓስባ ከምዝኽእላ ሓቢራ።