ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ኣብ ዘጥሓላ መርከብ ህይወት ኣድሕን ይቕጽል

ሑቲ ኣብ ዘውጽኡዎ ቪድዮ መርከብ ኢተርኒቲ ሲ እናጠሓለት የርኢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሑቲ ዝወጽአ ኢተርኒቲ ሲ እናጠሓለት ዘርኢ ምስሊ

ሓንቲ መርከብ ጽዕነት፡ ብየመናውያን ሑቲ ተሃሪማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ሽዱሽተ ሰባት ክድሕኑ እንከለዉ፡ ሰለስተ ካልኦት ግን ከም ዝሞቱ ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ሓቢሩ።

እታ ባንዴራ ላይበርያ እተንበልብል ዝነበረት ብግሪኻውያን እትመሓደር ኤተርኒቲ-ሲ ዝተባህለት መርከብ፡ ብሰኑይ ካብ ንኣሽቱ ጀላቡ ብዝተተኰሰላ ሮኬት ከም ዝተወቕዐትን 25 ሰራሕተኛታት ከም ዝነበሩዋን ትካል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ንጽባሒቱ ሰሉስ'ውን ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ድማ ኣብ ሓደ ለይቲ ተጀሚሩ።

እቶም ብኢራን ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ሑቲ፡ እታ መርከብ ናብ እስራኤል ትኸይድ ብምንባራ ከም ዘጥቅዑዋን ብዝሖም ንዘይተፈልጡ ሰራሕተኛታት ናብ "ውሑስ ቦታ" ከም ዝወሰድዎምን ገሊጾም።

ኣብ የመን ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ሑቲ "ብዙሓት ብህይወት ዝተረፉ ኣባላት ናይታ መርከብ ጨውዮም፡" ብምባል ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ሰበስልጣን ፍሊፒንስ 21 ካብቶም ሰራሕተኛታት ናይታ መርከብ ዜጋታቶም ምዃኖም ሓቢሮም። ሓደ ካብቶም ኣባላት ዝዀነ ሩስያዊ ከኣ ብኸቢድ ቈሲሉ እግሩ ከም ዝሰኣነ ተፈሊጡ።

እቲ ጕጅለ፡ ብሰንበት ባንዴራ ላይበርያ ዘለዋ ብግሪኻውያን እትመሓደር ካልእ ማጂክ ሲስ ዝተባህለት ናይ ጽዕነት መርከብ ብሚሳይትን ድሮናትን ኣጥቂዑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክልተ መራኸብ ከም ዘጥሓለ ተፈሊጡ።

ሑቲ፡ እተን መራኽብ ዋንነት ናይቲ ኣብ ዝተጐብጠት ፍልስጤም ናብ ወደባት ንኸይኣትዋ ዝኽልክል ሕጊ ዝጠሓሰ ኩባንያ ምዃነን ገሊጹ።

ኣብታ ማጂክ ሲስ ዝነበሩ 22 ሰራሕተኛታት ካብ ሓንቲ እትሓልፍ ዝነበረት ንግዳዊት መርከብ ሓገዝ ሳላ ዝረኸቡ ክድሕኑ ክኢሎም።

ሑቲ ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዙ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብሚሳይላትን ድሮናትን ንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒሙ ንኣስታት 70 መራኽብ ንግዲ ዒላማ ገይሩ።

ሕጂ ድማ ኣርባዕተ መራኽብ ኣጥሒሉን ሓንቲ ተወሳኺት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩን። ብውሕዱ ሸውዓተ ኣባላት ሰራሕተኛታ'ውን ከም ዝቐተለ ተፈሊጡ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ቓዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንፍልስጤማውያን ከም ዝሕግዝን ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከም ዝገብርን ገሊጹ ኣሎ።

እዘን ሃገራት እዚኣተን ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ የመን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይደን እየን።

ትማሊ ረቡዕ፡ ስርሒት ኣስፒደስ ዝተባህለ ተልእኾ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ ኤተርኒቲ ሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣህጉራዊ ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ይሕግዝ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራሕተኛታት ድሒኖም ኣለዉ።

ሓደ ብዓል ስልጣን ስርሒት ኣስፒደስ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝደሓኑ ሓሙሽተ ካብ ፊሊፒንስ፡ ሓደ ድማ ካብ ህንዲ ምዃኖም ሓቢሩ። ካልኦት 19 ኣባላት እታ መርከብ ገና ደሃዮም ኣይተረኽበን።

ስርሒት ህይወት ኣድሕን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Diaplous/Handout via Reuters

ኣብ ግሪኽ ዝመደበሩ ዲያፕሉስ ዝተባህለ ኩባንያ ጸጥታ፡ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ኣብ ማይ ዝጸንሑ ብውሕዱ ሓሙሽተ ባሕረኛታት ከም ዘድሓነ ዘርኢ ቪድዮ ከም ዝለጠፈ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዲያፕሎስ፡ "ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ብርሃን ነቶም ዝተረፉ ሰራሕተኛታት ምድላይ ክንቅጽሎ ኢና፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ ሮይተርስ፡ ንትካላት ጸጥታ ባሕሪ ብምጥቃስ ብዝሒ ዝሞቱ ኣርባዕተ ምዃኑ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማጂክ ሲስን ኤተርኒቲ ሲን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ እዚ መጥቃዕትታት፡ "ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ንናጽነት ጕዕዞ ባሕሪ፡ ዞባዊ ቍጠባን ድሕነት ባሕርን ንዘስዕብዎ ቀጻሊ ሓደጋታት ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።

ኣመሪካ ንመራኽብ ካብ መጥቃዕቲ ሑቲ ንምክልኻል ኣድላዪ ስጕምትታት ክትወስድ ምዃና ብምግላጽ፡ ኵለን ሃገራት ነዚ ተግባራት ክዅንንኦ ጸዊዓ።

ኣብ ግንቦት፡ ሑቲ ሸውዓተ ሰሙን ዝወሰደ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ምስ ኣመሪካ ተዅሲ ደው ከብል ተሰማሚዑ።

እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝካየድ መጥቃዕቲ ዘጠቓልል ኣይነበረን። እስራኤል'ውን ሕነ ንምፍዳይ ብዙሕ ግዜ ንየመን ከም ዘጥቅዐት ይፍለጥ።

ሓላፊ ኣህጉራዊ ውድብ ባሕሪ (IMO) ኣርሰኒዮ ዶሚንጌዝ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝያዳ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክካየድ ጸዊዑ።

"ድሕሪ ናይ ሓያሎ ኣዋርሕ ህድኣት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሕዝን መጥቃዕቲ ዳግማይ ምጅማሩ፡ ዳግማይ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕግን ናጽነት ጕዕዞን እዩ፡" ኢሉ።

"ንጹሃን ባሕረኛታትን ተቐማጦ ናይቲ ከባብን ቀንዲ ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲታትን ዘስዕቦ ብከላን፡" ከም ዝዀኑ ኣጠንቂቑ።