እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣዘራሪቡ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ሓምለ እዚ ዓመት ዝተመዘዘ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚስተር ጓንግ ኮንግ ከምዘዘራረበ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ኣስመራ መቐበል ኣጋይሽ ደንደን ከምዝተገብረ ዝተገልጸ ርክብ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ "ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምፍታሕ ግጭታት እዚ ዞባ ዝጥቀስ ኣበርክቶን ኣድማዕነትን ከምዘይጸንሖን" ብምጥቃስ "ሓድሽ ኣገባብ ክኽተል ከምድሊ" ኣተሓሳሲቡ ክብል እቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ይገልጽ።
እቲ ብውሽጣዊን፡ ሃገራት ኣብ ነንሕድሕደን ዝገብርኦ ግጭታትን ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታትን ዝያዳ ዝልለ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ እዋን ካብቲ ዝልለየሉ ዓዘቕቲ ከምዘይወጸ ዝርአ ዘሎ እዩ።
ሳልሳይ ዓመቱ ረጊጹ ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ጠንቂ ሞት ኣማኢት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት፡ ምምዝባልን ስደትን ሚልዮናትን ገዚፍ ዕንወትን ኰይኑ፡ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ሓያላት ተተፋነንቲ ጀነራላት በታቲኑዋ'ሎ።
እታ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ንዘለዉ ዕጥቃዊ ግጭታት ከተህድእ ዘይከኣለት ኢትዮጵያ ድማ፡ "ኣፍደገ ባሕሪ ይግብኣኒ እዩ" ክትብል ብዘንቀለቶ ሕቶ ብፍላይ ምስ ጐረቤታ ኤርትራ ናብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት በጺሓ ኣላ።
ኣብ 2011 ካብ ዓባይ ሱዳን ዝተነጸለት ደቡብ ሱዳን'ውን፡ ዳግማይ ናብ ሓድሽ ዓሌታዊ ሕድሕዳዊ ኲናት ከይትኣቱ ኣብ ጫፍ ትርከብ። ኵነታት ሶማልያ እውን መሰረታዊ ለውጢ ዘይተራእዮ ኰይኑ፡ ኵሉ እዚ ኵነታት'ዚ ንናይ ደገ ምትትታዋት ዓዳሚ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብዚ ውህብ ኵነት እዚ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ፍታሕ ክሳብ ሕጂ ዘይምህላዉ ክውቀሰሉ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።
"ብዘይ ቅጥዒ ተሓታትነን ዝተማልአ መቓን ፍታሕ እማመን ዓቃብ ሰላም ምስዳድ ጥራይ" ፍታሕ ክኸውን ከምዘይክእል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ ድማ ይብል፡ እቲ ብምኒስትሪ ዜና ዝተዘርግሐ ሓበሬታ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ዑደት ገይሩ ድሕሪ ምምላሱ፡ ምስ ተሌቪዥን ኤርትራ ብዓረብ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ምስ ሶማልያ፡ የመን፡ ጂቡቲን ዖማንን ዝዳወብ ወሽመጥ "ዘሻቕል" ወተሃደራዊ ኵነታት ይምዕብል ከም ዘሎ ኣሚቱ ምንባሩ ይዝከር።
"እቲ ዘሻቕል፡ ኣብቲ ዞባ ገለ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ቦታ ንምሓዝ ፈተነታት ምክያዶም እዩ፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ኣብ ሰቐጥራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምሓዝ ዝግበር ፈተነታት ኣሎ። ደሴት ሰቐጥራ ኣካል የመን ኰይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ያ ትርከብ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሚስተር ጓንግ ዝተገብረ ርክብ ንግደ ዞባውያን ውድባት ዝነቐፈ ፕረዚደንት፡ እዚ ውድባት ብሰንኪ ምትእትታው ካብ ዕላማታቱ ኣንደልሂጹ እዩ ክብል ወቒሱ።
ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ንጡፍ ተሳትፎ ከምዘይብላ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ ናይ ግብጺ ዑደቱ ምስ ሓንቲ ተለቪዥን ካይሮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ "ድኽመት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መርኣያ ድኽመት ኣባላት ሃገራት እዩ፣ ብምባል "ኣባል ሃገራት ሓላፍነት ወሲደን እቲ ውድብ ከምዝሰርሕ ከብርኦ ኣለወን፣ ንኻልኦት ጥራይ ኣእዳውና ከነወጣውጥ የብልናን፡" ኢሉ ነይሩ።
ሃገሩ ኣብ 2022፡ ነቲ 'በሪ ኣማን' ኢሉ ዝጠቕሶ ሰነድ ንፍታሕ ጉዳይ ሱዳን ኣቕሪባ ምንባራ፡ ነዚ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ዘዘኻኸረ ኢሳይያስ፡ ኵሉ እቲ ተበግሶታት ግን ብሰንኪ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት በርዒኑ እዩ፡ ኢሉ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጐድኒ ግብጺ ብምዃን ነቲ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ከም እትድግፍ ክንገር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝደገሞ መርገጺኡ፡ "ጻዕርታት ምስሪን ኤርትራን ካልኦት ንሱዳን ዝሕግዙ ወገናትን ኣገዳሲ እዩ፡" ብምባል ድማ "ጐረባብቲ ሱዳን ዝዀና ሃገራት ዝሓቍፍ ተበግሶ ምስሪ፡ ዕላማኡ ንጉዳይ ሱዳን ኣብተን ዝምልከተን ጐረባብቲ ሃገራት ብምሕጻር ፍታሕ ንምምጻእ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
"ብርግጽ ከኣ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦን ናይ ምፍታሑ ዓቕሚን ነይሩወን እዩ። እንተዀነ ግን ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። ካብኡ ሓሊፉ ዞባዊ ተበግሶታት'ውን እንተዀነ ቀጻሊ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ጸኒሑ ኣሎ፡" ክብል ይምጕት።
እቲ ብ 17 ሓምለ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከም ፍሉይ ልኡኽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይቲ ውድብ ኰይኑ ዝተመዘዘ ቻይናዊ ጓንግ ኮንግ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሽግራት ንምፍታሕን ርግኣት ኣብ ምምጻእን ተሓባቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ጓንግ፡ ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጻዕሪታት ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝተዋስአ፣ ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር፤ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ተልእኾ እቲ ውድብ ዓመታት ዝሰርሐ ዓሚቝ ፍልጠት እቲ ዞባ ዘለዎ ምኵር ዲፕሎማት ምዃኑ ጸብጻብ ውሕሃ ይሕብር።