ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣፍሪቃ - 'ዓውደ ዝምታን ምትእትታውን' ህዝባ 'ኣብ ዘመናዊ ባርነት'

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግብጺ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ምብጻሕ ከካይድ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ዑደቱ ምስ 'ካይሮ ኒውስ' ዝተባህለ ተለቪዥን እታ ሃገር ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣካይዱ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ንዕላማ ዑደቱ ምስ መራሒ እታ ሃገር ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ዘካየዶ ዝርርባት፡ ሓድሽ ዓቢይ ሙዝየም እታ ሃገር፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ንዝቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።

ኣብ ቃለ መሕትቱ ኢሳይያስ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ቍርቍሳት ብሰንኪ ምትእትታው ዝተፈላለዩ ሓይልታትን መንግስታትን ዝተሓለለኸ ምዃኑ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብዘን ሃገራት ዝርኣ ዘሎ ሽግር ውሽጣዊ ጥራይ ዘይኰነስ ዞባውን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ዓለማውን እዩ ብምባል ድማ ንኵነታት ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ጠቒሱ ኣብሪሁ።

"ሶማልያ 3,300 ኪሎሜትር ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እያ፣ ክንድዚ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ኣብዚ ስትራተጅያዊ ስፍራ ድማ ነታ ሃገር ርግኣት ከሊኡዋ፡" ኢሉ። ሽግር ሶማል ድማ ውሽጣዊ ሽግር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዞባውን ዓለማውን ጉዳይ እዩ እውን ኢሉ።

ንኢትዮጵያውያን ዝጠቐሰ ኢሳይያስ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝተዓዘብናዮ ዓሌታዊ ፍልልይ፣ ዓሌታዊ ምምቕቓልን ዘይምርግጋእን እዩ፣ እታ ካብ ሱዳን ዝተነጸለት ደቡብ ሱዳን እውን፡ብኲናት ሓድሕድ ዝተሓመሰት፡ ዘይርግእቲ ሃገር እያ ኰይና ዘላ፡" ድሕሪ ምባል ነተን ነዚ ጉዳያት ንምፍታሕ ብምባል ዝስልፋ ሃገራት ወቒሱ።

ብሰበብ ምፍታሕ እዚ ሽግራት ዝኣቱ፡ በብእዋኑ "ፍሉይ ልኡኽ" እናተባህሉ ዝስደዱ ዲፕሎማሰኛታትን፡ ዓቐኑ ዝሓለፎ ተገዳስነት ኣብዚ ዞባን ነቲ ኵነታት መመሊሱ ይሓላልኰን ዘይፍታሕ ይገብሮን ከምዘሎ ገሊጹ።

ስለዚ ምትእትታው ቀንዲ ረቋሒ ናይዚ ሽግራት ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ንምዃኑ መን እዩ ሓላፍነት ኣሰኪምዎም?" ክብል ሓቲቱ።

"እቲ ሓላፍነት ብቐንዱ ውሽጣዊ እዩ፡" ብምባል ድማ "ካብ ዝዀነ ይዅን ውድብ፡ ዓቢ ይዅን ንእሽቶ፡ ዞባዊ ይዅን ዓለማዊ ሓይሊ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው ዝሓትት የለን፡" እንተዀነ እዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ - ንልዕሊ ን80 ዓመት፡ ክቕጽል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሄርን ዘሎ ውሽጣውን ከባብያውን ኵነታት፣ ክሓላልኹ እንተዘይኰይኑ ጣልቃ ክኣትዉ ካብኦም ዝድለ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ብሄራዊ፡ ቀቢላዊ፡ ሃይማኖታዊን ካልኦትን ረቛሒታት ምህላዎም ባህሪያዊ ክውንነት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኢሳይያስ፡ "ይዅን እምበር፡ ምትሕልላኽ እዞም ጉዳያት ግዳማዊ ምትእትታው ዝፈጠሮ እዩ፣ ዝዀነ ኣካል ልኡኻት - ልኡኻት፡ ልኡኻት፡ ልኡኻት - ክመጹ ዝሓትት የለን፣ ኣብዚ ዞባ ንዘጋጥም ጸገማትን ባዕላቶም ሰብ ጉዳይ ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ" ክብል ኣስሚሩሉ።

"ናይ ደገ ልኡኻት ከም ኣማራጺ ኣብ ዝውሰደሉ እዩ ነገራት ዝያዳ ዝተሓላለኹን ንኽፍትሑ ዝያዳ ግዜ ዝወስዱን፡" ክብል ከኣ ኣነጺሩ።

ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ዓሚቝ ተገዳስነት ምዕራባውያንን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡

ዓለማዊ መስመራት ብደረጃ ዓለም'ውን ፖለቲካዊ መድረኽ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሃገራት እዚ ዞባ ድማ ካብ ዝዀነ ወገን ንላዕሊ ድሕነት ናይዚ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለወን፤ መስመር ማይ ንምውሓስ ኣበርክቶ ኵለን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ እዩ ምዃኑ ገሊጹ።

"ስለዚ ሃገራት እዚ ዞባ ነዚ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ንምውሓስ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ሓላፍነተን ክስከማ ኣለወን፣ ካብ ሓይልታት ወጻኢ ዘይኰነስ ባዕላተን እተን ሃገራት ብቐዳምነት ገማግም ባሕሪታተን ከውሕሳ ክኽእላ ኣለወን፡" ኢሉ።

"ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡" ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ከምኡ ኸኣ ካልኦት ሃገራት፡ "ሶማልያ፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ይኽእላ እየን፡" ክብል ገሊጹ።

ንወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብቲ ዞባ ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ ድማ በቲ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ብዝሒ ወተሃደራዊ መዓስከራት ውሕስነት ይስምዓ ድዩ? ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ኣብዚ ዞባ ዘድሊ ወተሃደራዊ መዓስከራት የለን። ወተሃደራዊ መዓስከራት ምፍቃድ ንህዝቢ እዚ ዞባ ሽግርን ሕልኽላኻትን ምዕዳም እዩ፣ ስለዚ ዝዀነት ሃገር ነዚ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ንምውሓስ ካብዚ ዞባ ወጻኢ ዝዀነ ሓይሊ ምውፋር ኣየድልያን እዩ፡" ኢሉ።

ብዘይካ'ዚ ንኵነታት ሱዳን ኣመልኪቱ እውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ሱዳን ከም ሱዳን ዒላማ ዞባውያንን ዓለማውያንን ሓይልታት ስለዝዀነት እዩ፡" ክብል ንኵነታት ሱዳን ብምርኣይ፡ "እዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ንርእዮ ዘለና ሽግር መቐጸልታ ናይቲ ዞባውን ዓለማውን ጥሙሓት ዘንቀሎ እዩ" ብምባል፡ ዘይምርግጋእ ሱዳን፡ ኣብ ኵሉ - ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ንተራ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመልኪቱ እውን ምላሽ ዝሃበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እታ ዓውደ ምትእትታዋትን ዝምታ ባህሪያዊ ሃብታን ኰይና ትቕጽል ዘላ ኣፍሪቃ ሎሚ'ውን ሕሱም እናተጓሕጕሐት ህዝባ ኣብ "ዘመናዊ ባርነት" እዩ ዝነብር ዘሎ ኢሉ።

ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ'ውን፡ "ስቕታ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ምግላል ማለት ኣይኰነን፣ እቲ ክውንነት ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ኵሉ ነዛ ኣህጉር ዘሳቕያ ዘሎ ጸገማት ክገጥሞን ክፈትሖን ዓቕሚ ስለዘይብሉ እዩ፤ እዚ ድማ ብሰንኪ ውሽጣዊ ድኻምን ግዳማዊ ምትእትታዋትን እዩ፡" ኢሉ ድሕሪ ምንቃፍ "እቲ ውሽጣዊ ድኽመት ድማ ብቐንዱ ካብ ባዕለን ተን ኣባል ሃገራት ዝምንጩ እዩ፣ ነዚ ውድቀት ቀንዲ ሓላፍነት ዝስከማ ኣባል ሃገራት ባዕላተን እየን፡" ክብል ተዛሪቡ።