እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሓደጋ ውሕጅ ብውሕዱ 20 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ተመዛቢሎም
ኣብ ደቡብ ኮርያ ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ሓያል ውሕጅ ብውሕዱ 22 ሰባት ሞይቶም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መንበሪኦም ክወጹ ተገዲዶም።
ብተወሳኺ 14 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ንሳልሳይ መዓልቲ ዝቐጸለ ዝናብ ምህማም መሬት ከም ዘስዓበን ኣብ ኣውራጃ ሰሜን ግዮንግሳንግ ኣባይቲ ከም ዘዕነወን ሓቢሮም።
ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ሰሜን ቹንግቸንግ ዝርከብ ዓቢ ግድብ’ውን ብሰንኪ’ቲ ብርቱዕ ዝናብ ኣዕልቕሊቑ ይርከብ።
መካይን ብውሕጅ ክሳብ ዝውሰዳ ጽርግያታት ኣዕለቕሊቖም፤ መገዲ ባቡር’ውን ስርሑ ተዓንቂፉ።
ኣብቲ ኣዝዩ ዝተሃስየ ከባቢታት ገዛውቲ "ምሉእ ብምሉእ [ብውሕጅ] ተወሲዶም" ክብል ሓደ ወሃቢ ህጹጽ ረድኤት ንማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃን ዳክ-ሱ፡ ሰራዊት ኣብ ጻዕርታት ህይወት ምድሓን ክሕግዝ ሓቲቱ።
ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ቹንግቸንግ 19 መካይን ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ታንከር ከም ዝጠሓላ ሰብመዚ ይገልጹ፤ እዚ ድማ ቁጽሪ ሞት ክውስኽ ከም ዝኽእል ስግኣት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ካብ ከባቢኦም ክወጹ ትእዛዝ ዝተወሃቦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ንጸገም ተቓሊዖም ይርከቡ።
ግድብ ጎሳን ትማሊ ቀዳም መሊኡ ክውሕዝ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣስታት 6,400 ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወጹ ከም ዝተገደዱ ማዕከን ዜና ደቡብ ኮርያ ዮንሃፕ ሓቢራ።
ኣብ ጥቓ እቲ ግድብ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ቁሸታትን ብዙሓት ጽርግያታትን ብማይ ከም ዝተሸፈኑ ይግለጽ።
ኮራይል ዝተበሃለ ሃገራዊ ትካል ባቡር እታ ሃገር፡ ኩለን ፍጥነት ዘይብለንን ገለ ፈጣን ባቡራትን ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘቋረጻ፤ ኣገልግሎት ካልኦት ፈጣን ባቡራት’ውን ከም ዝዕንቀፍ ሓቢሩ።
ምምሕዳር ሜትሮሎጂ ኮርያ፡ ክሳዕ ዝመጽእ ረቡዕ ዝያዳ ዝናብ ክዘንብ ምዃኑ ኣተንቢሁ። እቲ ኵነታት ኣየር "ከቢድ" ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙን ኣብ ህንዲ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን ብርቱዕ ዝናብ ውሕጅን ምህማም መሬትን ኣስዒቡ እዩ።
ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝመጽእ ዋዒ ብርቱዕ ዝናብ ከስዕብ ዝያዳ ተኽእሎ ከም ዘሎ ተመራመርቲ ይገልጹ። ህዋ ዝያዳ ብዝሞቐ መጠን ዝያዳ ጠሊ ክሕዝ ይኽእል’ዩ ይብሉ።