እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2024፡ ጆናታን ሬስትሬፖ ቀዳማይ ወጺኡ
ኣብ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ብላልሞርን ረይነደክን ንኮሎምቢያዊ ጆናታን ሬስትሮፖ ተኸቲሎም ካልኣይን ሳልሳይን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ሳዱሻይ፡ ያፌት ሙሉጌታ መበል 22 በምዃን ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ። ዳዊት የማነ ካብ ባይክ አይድ ድማ መበል 20 ኮይኑ ወዲኡ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ቅድድም፡ ብጫ ማልያ ናብ ተጻዋታይ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ ረንደሪክ ሰጊራ'ላ።
ዩኤል ሃብተኣብ ተቀዳዳማይ ባይክ አይድ ንእንበሳ ዓቐበት ትወሃብ ማልያ ሒዙዋ። ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብወገኑ፡ ዝበለጸ መንእሰይ ተጻዋታይ ዓቂቡዋ'ሎ። ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ትወሃብ ማልያ'ውን ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ካብ መርሃዊ ቅዱስ ተቐቢሉዋ።
ሎሚ መውደቕቲ ዝጋጠሞም መርሃዊ ቅዱስ 27፡ ናሆም ዘርኣይ 83፡ ትማሊ ሓደጋ መወደቕቲ ዘጋጠሞ መትከል እዮብ ከኣ 36 ወጺኦም።
ኣብ ብጫ ማልያ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ምስ ቀዳማይ ብማዕረ ግዜ ኣብ ሻዱሻይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ ሽዱሽተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ኮሎምብያዊ ጂናታን ሬስትሬፖ ካብ ጋንታ ፖልቲ ኮመትራ ቀዳማይ ብምምውጻእ ንኽብረ ወሰኑ ባዕሉ ኣመሓይሽዎ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ፡ ተጻወትቲ ነቲ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ዝዝርጋሕ 140.3 ኪሎሜተር ብኣቆጻጽራ ኪጋሊ ሎሚ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ'ዮም ጀሚረሞ።
ልክዕ ከም ናይ ካልኣይቲ መድረኽ ናይ ተበገስ ምልክት ምስ ተወሃበ ኣብ ቀዳመይቲ ኪሎሜተር ኢትዮጵያዊ ኪያ ሮጎራ ካብ ዩሲኣይ፡ ሙንያንዛ ካብ ርዋንዳ፡ ዶርን ካብ ባይክ ኣይድ፡ ጌሪ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ወጺኦም ካብ ዓባይ ጉጀለ ተፈልዮም። ዓባይ ጉጅለ ግን ግዜ ኣይሃበቶምን።
ዩኤል ሃብተኣብ ካብ ባይክ አይድ ኣብ መበል 6 ኪሎሜተር በይንኣዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ካብ ዓባይ ጉጅለ ተፈለየ።
ኣብ ዓስራይ ኪሎሜተር ካብ ዓባይ ጉጅለ ዝተፈንጨሉ ተጻወትቲ መይስታርስ፡ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ንዩኤል ተጸንቢሮሞ፡ ሓንቲ ጉጅለ ፈጠሩ።
ዓባይ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ስኳቶታት ትሕቆን፡ ዩኤል ሃብተኣብ ዝርከቦም ኣርባዕተ መራሕቲ ኣብ መበል 20 ኪሎሜተር ፍልልዮም ናብ ኣስታት 2 ደቒቕ ክብ ኣበልዎ።
ኣብ መበል 24,8 ኪሎሜተር ተዳልያ ንዝነበረት ናይ ዓቐብ ነጥቢ ርዋንዳዊ ሙንያንዛ፡ ዩኤል ሃብተኣብን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጌሪን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ነጥቢ ተማቒሎም።
ኣብ 30,4 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ካልእ ንሓዃሮ ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ዩኤል ድማ ሃብተኣብ ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ጌሪን ካብ ጋንታ ጃቫ ቱዪዘረ ኣኸቲሉ ቀዳማይ ኣትዩ።
ኣብ መበል 32,9 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ መስመር ሙጋሉ ካብ መይስታርስ፡ ዪኤል ሃብተኣብን ቱዪዘረን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ነጥቢ ተማቒሎም።
ኣብ መበል 35 ኪሎሜተር ዩኤል ብሽክለታ'ኳ እንተኣባላሸወ፡ ቀይሩ ቀልጢፉ ኣርኪቡ።
ቀዳሞት ኣርባዕተ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ 1 ደቂቕን 40 ካልኢትን ጸወታ ይቕጽል።
ዩኤል ናህሩ ብምቕጻል ኣብ መበል 39,3 ኪሜ ንዝነበረ ናይ ንሓዃሮ ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ በዘይ ተቓጻጺ ወሲዱዋ።
ዩኤል፡ ንመራሒት ጉጅለ ንዝበዝሐ ኪሎሜተራት ባዕሉ'ዩ ዝቕልሳ ነይሩ። ኣብ መበል 44 ኪሜ ከኣ ፍልልይ ናብ ኣስታት ኣረባዕተ ደቂቕ ደይቡ።
ኣብ መበል 47,6 ኪሜ ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ነጥቢ'ውን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጌሪን ዩኤል ሃብተኣብን ተመራሪሖም ኣትዮም።
ኣብ መበል 51,2 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ናይ ቅጽበታዊ ነጥቢ ዩኤል ሃብተኣብ ቀዳማይ ኮይኑ ኣትዩ። ኣብ መበል 55 ኪሎሜተር ፍልልይ ምስ ዓባይ ጉጀለ ልዕሊ 3 ደቂቕን 50 ካልኢትን ኮይኑ ጸወታ ይቕጽል።
ኣብ መበል 59,7 ኪሎሜተር ንዝነበረት ሓሙሸይቲ ናይ ዓቐበት ነጥቢ'ውን ዩኤል ሃብተኣብ ንጌሪን ቱዪዘረን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ኮይኑ ኣትዩ።
ኣብ መበል 67,1 ኪሎሜተር ንዝነበረት ናይ ዓቐበት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ዩኤል፡ ጌሪን ቱዪዘረን ተመራሪሖም ኣትዮማ።
ጸወታ ክልተ ሰዓት ኣብ ዘቑጸረሉ ተጻወትቲ ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት 41 ኪሎሜተር፡ ኣብ ካልኣይቲ ሰዓት 37 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት እናዘወሩ ሸፊነሞ።
ዩኤል ዘለዋ ጉጀለ ዝሕል ኣብ ዝበለትሉ፡ ንካልኣይ መድረኽ ዝተዓወተሉን ብጫ ማልያ ዝሓዘን ተጻዋታይ እስራኤል ፕሪሜርተክ ኢምሆርን ኣብ መበል 81 ኪሎሜተር በይኑ ሃዲሙ ብምውጻእ ንመራሒት ጉጅለ ተጸጋዓ።
ነተን ተሰሪዐን ዝነበራ ነጥብታት ጫጪፎም ዝወድኡ ናይ ዩኤል ጉጅለ ድማ ናህሮም ክዝሕል ጀመረ።
ማጋሉ ካብ መይስታር ካብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዘልሓጥ ኣብ ዝበለሉ፡ መራሒት ጉጀለ ናህራ ኣዛየደት፡ ዓባይ ጉጅለ'ውን ንኢምሆርን ወሓጠቶ፡ ሰለሰተ ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ዓባይ ጉጅለ ብትሕቲ ሓደ ደቂቕ ፍልልያ ዓቂባ ትስዕቦም።
ኣብ መበል 93 ኪሎሜተር፡ ዓባይ ጉጀለ ንብዓል ዩኤል ዝርከቦም ሰለስተ ተጻወትቲ ኣብ ዝጎበጠትሉ፡ 19 ተቀዳደምቲ ዝሓዘት ሓዳስ ጉጅለ ኣብ ቅድሚት ወጽአት። ከይጸንሐት ግን ዓባይ ጉጀለ ኣርከበታ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓባይ ጉጀለ ኣብ ክልተ ተመቕለት፡ ዝበዝሑ ብድሕሪት። ብጫ ማልያ ዝሓዘ ኢምሆርን'ውን ኣብ ድሕሪት ጉጀለ ተረፈ።
ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ጉጀለ ብሓባር ተጠርኒፋ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ክትበጽሕ'ያ ኣብ ዝተበሃለሉ ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ካብ ዝግመቱ ዊልያም ለሰርፍ ካብ ሳውዳል ኵክ ኣቴፕ መጥቃዕቲ ፈነወ።
ጸወታ ክዛዘም 3 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ተጻወቲ ዳይረክት ኢነርጂ ንጸወታ ሓዊ ዘርኡላ፡ ጥምጥም ረስኑ ወሰኸ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ ሽዱሽተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ኮሎምብያዊ ጂናታም ሬስትሬፖ ካብ ጋንታ ፖልቲ ኮመትራ ቀዳማይ ብምምውጻእ ንኽብረ ወሰኑ ባዕሉ ኣመሓይሽዎ።