እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታየር ኒኮልስ፡ ፖሊስ ክዝርግሖ ዝወጠኖ ቪድዮ ስለምንታይ ስግኣት ፈጢሩ?
ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ታየር ኒኮልስ፡ ቅድሚ ኣብ ሆስፒታል ምሟቱ ምስቶም ዝኣሰርዎ 5 ፖሊስ ዝነበሮ ተጓንፎ ዘርኢ ቪድዮ ሎሚ ጥሪ 27 ናብ ህዝቢ ከም ዝዝርጋሕ ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ ኣብ ልዕሊዑ ብዝተፈጸመ መግረፍቲ ተጎዲኡ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ይፍለጥ።
ነቲ ማእሰርቲ ዘርእይ ቪድዮ ዝተመልከቱ ገለ ኣባላት ስድራቤት ከምኡ’ውን ሰበስልጣን ፖሊስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ታየር ዝተፈጸመ መግረፍቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ከም ዝኾነ ይገልጹ።
እቲ ቪድዮ፡ ኣብቲ እዋን ማእሰርቲ፡ ታየር ብኸቢድ ከም ዝተሃርመ ዘርኢ ምዃኑን ጠበቓታት ስድርኡ’ውን ተዛሪቦም ኣለዉ።
"በቲ ዝረኣኹዎ ሓሚመ" ዝበለ ዳይረክተር ቢሮ መርመራ ተነሲ ዴቪድ ራውሽ፡ ንተግባራት እቶም ኣባላት ፖሊስ "ፍጹም ዘስካሕክሕ" ክብል ገሊጽዎ።
ብቲ ሞት እቲ መንእሰይ ዘስዓበ ፍጻመ ዝተቖጥዑ ነበርቲ ከተማ መምፊስ ሓያሎ ተቓውሞታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ሰበስልጣን ሎሚ ዓርቢ ክዝርግሕዎ ዝሓሰቡ ሞት እቲ መንእሰይ ዘስዓበ ኣገባብ ማእሰርቲ ዘርእይ ቪድዮ ነቲ ተቓውሞ ከየጋድዶን ህዛባዊ ናዕቢ ከየበግስን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።
ትማሊ ኣብ ዝወጸ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቴነሲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብሰላም ክቕጽል ተማሕጺኑ።
ኣመሓዳሪ ጆርጅያ ብራያን ኬምፕ፡ እቲ ክለዓል ዝኽእል ናዕብን ህውከትን ንምክልኻል ትማሊ ሓሙስ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከም ዘውጽአ መርበብ ሓበሬታ ፋክስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መምፊስ ኣብ ወጥሪ ዘላ ከተማ ከም ዝኾነት ይንገር፡ ሓለዋ ፖሊስ እውን ከም ዝወሰኸ ይግለጽ ኣሎ።
ሰብመዚ ፖሊስ እታ ሃገር በቲ ክስዕብ ዝኽእል ቁጠዐ ብምስጋእ ኣብ ወጥሪ ኣትዮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።
ኣብቲ ፍጻመ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ታየር ኒኮልስ ዝተባህለ ጸሊም መንእሰይ፡ ኣብ መናፈሻ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ስእሊ ክስእል ድሕሪ ምጽንሑ ናብ ገዝኡ ጉዕዞ ጀሚሩ።
ስድርኡ፡ ስእልን ስኬትቦርዲንግን ዝፈቱ "ንፉዕ ቆልዓ" ከም ዝነበረ ይገልጹ።
ብ7 ጥሪ ብዘይግቡእ መኪና ከም ዝዘወረ ዝኸሱ ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ መገዲ ደው ኣቢሎሞ።
እቲ ፍልይ ዘብሎ ነገር እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ኩሎም ጸለምቲ ምዃኖም’ዩ።
መስርዕ ግዜ እቲ ፍጻመ ከም’ዚ ዝስዕብ ይመስል።
7 ጥሪ፡ ከባቢ ሰዓት 8፡30 ምሸት ታየር ኣብ መምፊስ ኣብ ጥቓ ቀራና መንገዲ ረይንስን ሮስ ሮድን ብዘይግቡእ መኪና ብምምራሕ ተጠርጢሩ ብኣባላት ፖሊስ ደው ክብል ተገይሩ።
ፖሊስ መምፊስ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ መግለጺ፡ ታየር እቶም ኣባላት ፖሊስ ናብ መኪንኡ ምስ ተጸግዑ ብእግሩ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እቲ ናይ መጀመርያ ፍጻመ ከም ዘጋጠመ ይሕብር።
እቲ ካልኣይ ፍጻመ ፖሊስ ክኣስርዎ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዘጋጠመ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ድሒሩ ታየር ሕጽረት ምስትንፋስ ከም ዘጋጠሞ ምስ ኣማረረ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ኣመልኪቱ።
7 - 9 ጥሪ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክግበረሉ ጸኒሑ።
10 ጥሪ፡ ታየር ብዘጋጠሞ መጉዳእቲ ከም ዝሞተ ቢሮ መርመራ ተነሲ ኣፍሊጡ።
14 ጥሪ፡ ስድራቤቱ መደብ ዝኽሪ ኣካይዶም፡ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ተቓውሞ ተኻይዱ።
15 ጥሪ፡ ክፍሊ ፖሊስ መምፊስ መርመራታት ከካይድ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
16 ጥሪ፡ ስድራቤት ታየር፡ እቲ ጉዳይ በቲ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ሓዊሱ ንሓያሎ ጸለምቲ ግዳያት ዓመጽ ፖሊስ ዝወከለ ፍሉጥ ጠበቓ ሲቪላዊ መሰላት ቤን ክራምፕ ክውክል ገይሮም። ቤን፡ ፖሊስ መምፊስ እቲ ፍጸመ ዘርእዩ ቪድዮ ክዝርግሑ ጸዊዑ።
20 ጥሪ፡ ክፍሊ ፖሊስ መምፊስ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃም፡ ግዴታ ምትእትታውን ሓገዝ ናይ ምሃብ ግዴታን ዝምልከት ፖሊሲታት ጥሒሶም ዝበሎም እቶም ሓሙሽተ ኣባላቱ ካብ ስርሖም ከም ዘባረረ ኣፍሊጡ።
23 ጥሪ፡ ስድራቤት ታየር እቲ ማእሰርቲ ዘርእይ ቪድዮ ክርእዩ ተገይሮም፡ እንተኾነ ግን እቲ ቪድዮ ንህዝቢ ኣይተዘርገሐን።
25 ጥሪ፡ ጠበቓታት ስድርኡ ከም ዝገለጽዎ፡ ታየርስ ከቢድ መግረፍቲ ከም ዝበጽሖ መርመራ ሬሳ ኣመልኪቱ።
‘ፍሸለት መሰረታዊ ሰብኣውነት’
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብመዚ ነቲ ቪድዮ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ምርግጋእ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ባይደን፡ "ምስ ስድራቤት ታይረስ ብምዃን ሰላማዊ ተቓውሞ ንምጽዋዕ እጽንበር" ኢሉ። "ቁጥዐ ርዱእ'ዩ፡ ዓመጽ ግን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን" ክብል ተማሕጺኑ።
ኣብ መምፊስ ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ፖሊስ ዝኾነት ሴሪሊን ዳቪስ'ውን፡ እቲ ፍጻመ "ፍሸለት መሰረታዊ ሰብኣውነት" ከም ዝኾነ ብምግላጽ ብተመሳሳሊ ህድኣት ክህሉ ጸዊዓ።
መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ኣመሪካ ረቨረንድ ኣል ሻርፕተን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበን ብፍላይ ብሰንኪ ዓሌት እቶም መኮንናት ኣዝዩ ዘሕምም ምዃኑ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ "ጸለምቲ ኣብ ሓይሊ ፖሊስ ንምእታው ኢና ተቓሊስና" ኢሉ። "ኸምዚ ዝበለ ኣረሜናዊ ተግባር ካብቲ ክብሎ ዝኽእል ንላዕሊ ዘስካሕክሕ'ዩ።"
"እዞም ሓሙሽተ ጸለምቲ ፖሊስ እቲ መንእሰይ ጻዕዳ እንተዝኸውን ነይሩ ከምኡ ምገበሩ ዝብል እምነት የብለይን" ክብል ተዛሪቡ።
ትካል ጸጥታ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይን ክፍሊ ፍትሕን ኣመሪካ ብዛዕባ ሞት ታየር ኒኮልስ መርመራ ሲቪላዊ መሰላት ከፊቶም ኣለዉ።
እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ መኮንናት ኣባላት እቲ ብስኮርፒዮን ዝፍለጥ ፍሉይ ጉጅለ እዮም። 'ስኮርፒዮን' (SCORPION) ናይ "Street Crimes Operation to Restore Peace in Our Neighborhoods" ዝብል መጸውዒ ምሕጻረ ቃል ኮይኑ ነቲ ኣብ ጎደናታት ዝፍጸም ገበናት ንምክልኻል ስርሒታት ብምክያድ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ሰላም ንምስፋን ዝቖመ ኣካል ፖሊስ እዩ።
እቲ ሰላም ናይቲ ገበናት ዝበዝሖ ከባቢታት ንምሕላው ዝተፈጥረ ኣሃዱ፡ ሕጂ ምስ ኩለን ፍሉያት ኣሃዱታት እታ ከተማ ይግምገም ከምዘሎ ሓላፊ ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጻ'ላ።