እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጂቡቲ ማእኸል መወንጨፊ ሳትላይትን ሮኬትን ክትሃንፅ እያ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝነኣሰት ሃገር ጂቡቲ ንሳትላይትን ሮኬትን መወንጨፊ ዝኸውን መሰረት ልምዓት ከምትሃንፅ ተገሊፁ።
ሰብመዚ ጂቡቲ ነዚ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ ምስ ትካል ሆንግ ኮንግ ኤሮስፔስ ቴክኖሎጂ ግሩፕ ከም ዝተፈራረሙ፡ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂቡ።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ ምስ ህንፀት እዚ መወንጨፊ ሳትላይትን ሮኬትን ብዝዛመድ ዘድልዩ ቀረባት ንምስላጥ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኦቦክ ወደብን ዓበይቲ ጎደናታትን ክህነፅ እዩ።
ነዚ ማእኸል መወንጨፊ ሳትላይትን ሮኬትን ንምህናፅ፡ ኣስታት ሓደ ቢልየን ዳላር የድሊ፤ ህንፀቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ክዛዘም እዩ።
ፕረዝደንት ጂቡቲ ኢስማዔል ኦማል ጉሌህ፡ ሃገሩ ነዚ ማእኸል መወንጨፊ ሳትላይትን ሮኬትን ንምህናፅ ኣብ ስምምዕ ምብፅሓ ከምዘኹርዖ ገሊፁ።
እታ ሃገር ነዚ ፕሮጀክት እተውፅኦ መጠን ገንዘብ እውን ብመገዲ ትዊተር ዝሓበረ እቲ ፕረዝደነት፡ “ሃገርና ነዚ ተስፋ ዝህብ ቴክኖሎጂን ፕሮጀክት ልምዓት ፀዓትን ስራሕ ንክጅምር ኣብ ስምምዕ ምብፅሓ ሕጕስ እየ” ኢሉ።
ህንፀት እዚ ማእኸል መወንጨፊ ሳትላይት ምስ ተዛዘመ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት በቲ ኩባንያ ሆንግ ኮንግን ብጂቡቲን ብሓባር ክመሓደር እዩ። ድሕሪ 30 ዓመታት ድማ ጂቡቲ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ትርከቦ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።